ብሪጣንያ፡ ን47 ዓመታት ካብ ዝጸንሐቶ ሕብረት ሎሚ ለይቲ ራሕሪሓቶ ወጺኣ

ዩናይትድ ኪንግዶም ካብቲ ን47 ዓመታት ዝጸንሐትሉ ሕብረት ኤውሮጳ ብዕሊ ራሕሪሓቶ ወጺኣ ሓዲራ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ምስቲ ሕብረት ሓቢርካ ንምቕጻል ወይ ድማ ንምግንጻል ህዝበ ውሳነ ካብ ዝካየድ ንደሓር ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ማለት እዩ።

እዚ ታሪኻዊ ክስተት፡ ብዓለማዊ አቆጸዓጽራ ሎሚ ለይቲ ሰዓት 23፡00 [ለንደን] እዩ ተኣዊጁ።

ድሕሪ እቲ እወጃ፡ ሓጎሶም ብዝገልጹ ብሓደ ወገን፤ ኣብ ሓዘን ዝተቐመጡ ብኻሊእ ወገን ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ፈጢሩ።

ምስቲ ሕብረት ሓቢርካ ምጽናሕ ዝድግፉ ኣብ ልዕሊ እዚ ክስተት፡ ተቓውሞኦም ብሰላማዊ ሰልፊ ክገልጹ ሓዲሮም።

ብፍላይ ኣብ ግዝኣት ስኮትላንድ ናይ ሓዘን ሽምዓ ምብራህ ስነስርዓት ዘካየዱ እንትኸውን፤ ብረግዚት ዝድግፉ ኣብ ኣደባባይ ከተማ ለንደን ወጺኦም ሓጎሰም ገሊጾም።

ብረግዚት ኣትሪሩ ዝድግፍ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጀንሰን፡ እቲ ፍትሕ ስዒቡ ነታ ሃገር ንቕድሚት ከሰጉማ ተመጻቢዑ።

እቲ ፍትሕ ብዕሊ ምስተኣወጀ ሒደት ሰዓታት ጸኒሑ፡ ኣብ ትዊተር ገጹ፡"ንብዙሓት ሰባት እዚ ዘደንቕን ተስፋ ዘስንቕን ኣጋጣሚ እዩ። ብዙሓት፡ እዚ ክውን ክኸውን እዩ ኢሎም ኣይኣመነኑን ነይሮም" ክብል ጽሒፉ።

"ብርግጽ ብዙሓት ንዴትን ጭንቀትን ዝፈጠረሎም'ውን ኣለዉ። ካሊእ ሳልሳይን ዓብዪ ጉጅለ'ውን ኣሎ። ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትሕልላኻት መወዳእታ ዘለዎ ዘይመስሎም" ኢሉ።

"እዚ ኩሉ ዝጻባእ ስምዒታት ይርደአኒ እዩ። ናተይ ስራሕ ድማ፡ ከም መንግስቲ ነታ ሃገር ናብ ጎደና ሓድነት ኣእቲኻ ንቕድሚት ክትስጉም ምግባር እዩ"።

ቦሪስ ወሲኹ ድማ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 50 ዓመታት ምስቶም ገለ ዘደንቑን ዘገርሙን ባህርያቱ ኮይኑ፤ እንተኾነ እቲ ሃዲድ ነዛ ሃገር ዝስማመዕ ክኽውን ኣይከኣለን- ኢሉ።

"እቲ ቀንዲ ሎሚ ክዛረበሉ ዝደሊ ጉዳይ ግን" ኢሉ ቦሪስ ጆንሰን፡"እዚ ናይ መጀመርታ 'ምበር መላኣምታ ኣይኮነን" ብምባል ገና ሃገራዊ ሕዳሰን ለውጥን ከምዘድሊ ኣረዲኡ።

እንታይ ይነታት ተርእዮታት ነይሮም?

ብረግዚት ማለት ውን ብሪጣንያ ካብቲ ሕብረት ብዕሊ ምውጻኣ ዘሐጎሶም ሰባት፤ እቲ ሰዓት ብሃንቀውታ እዮም ክጸበዩዋ ሓዲሮም።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ጎደናታት ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ስጥሕ ኢሎም ሃገራዊ መዝሙራት ክዝምሩን ክዘሉን ሓዲሮም።

ከም በዓል ኒገል ፋራጅ ዝኣመሰሉ፡ ገለ ካብቲ ምንቅስቓስ ዝድግፉ መራሕቲ ፖለቲካ ድማ ናይ ተሓጓስ መደረታት ኣስሚዖም።

"እዚ ኣብ ዘበናዊ ታሪኽና ዝተፈጸመ ዘይድገም ዓብዪ ምዕራፍ እዩ" ኢሉ።

ምስቲ ሕብረት ምጽናሕ ዝድግፉን በቲ ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ብኣብዝሓ ድምጺ ዝተስዓሩን ድማ፡ ናይ ሓዘን ሸምዓ ወሊዖም ነቲ ሕብረት ዘለዎም ናእዳን ፍቕርን ገሊጾም።

እታ ለይቲ ንዕኦም ጸልማት ኮይናቶም እያ ሓዲራ። ነቲ ሕብረት ድጋፎም ገሊጾም። ገለ ድማ ተመሊሶም ከምዝመጽኡ ተስፈኦም ገሊጾም።

ካልኦት ሕውስውስ ዝበሉ ተርእዮታት'ውን ተስተውዒሎም።

ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ኣብ ከባቢ ምስ ኣይሪሽ ሪፓብሊክ ኣብ ዝዋሰኑ ዶባት ዝርከቡ ህዝብታት፡ ተሪር ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣካይዶም እዮም።

ናይ ስኮትላንድ 'ተጸዋዒ ሚኒስተር' ኒኮላ ስቶርጀን፡ ብወገኑ "ስኮትላንድ ሓደ መዓልቲ ነጻ ሃገር ኮይና ናብቲ ሕብረት ክትጽምበር እያ" ኢሉ ጽሒፉ፤ ናይቲ ሕብረት ባንዴራ ድማ ኣብ ትዊተሩ ኣውለብሊቡ።