ብሬክዚት፡ ቦሪስ ጆንሰን ብኣባላት ባይቶ ተሳዒሩ

ንውሳነ ብዘይ ውዕል ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምውጻዕ ወይ 'ስምምዕ ኣልቦ ብሬክዚት' ዝኽእል ሕጊ ከይሓልፍ ንምዕጋት ኣብ ዝተገበረ ፈላሚ ኣኼባ፡ ዓቃባውያን ኣባላት ባይቶን ተቓውሞን ኣፍሺለሞ።

እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ብሬክዚት ዝደናጎየሉ መዓልቲ ክህሉ ዝገብር 328 ን301 ዝኾነ ድምጺ ሂቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን ብወገኑ፡ ሓፈሻዊ ምርጫ ክካየድ ዝእዝዝ እማመ ከም ዘምጽእ ሓቢሩ። መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሌበር፡ ጄርሚ ኮርበይ ድማ፡ እቲ ብሬክዚት ንምጽዳቕ ዝወጽአ እማመ ምርጫ ቅድሚ ምክያዱ ክጸድቕ ኣለዎ ኢሉ ይካታዕ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣባላት ካቢኔ ሚኒስትራት ዝነበሩ ሓዊሱ ብሓፈሻ 21 ኣባላት እቲ ብቦሪስ ጆንሰን ዝምራሕ ሰልፊ ዓቃባውያን፡ ናብ ጸግዒ ሓሳብ ተቓወምቲ ሰልፊታት ተጸምቢሮም ንሓሳብ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነጺገሞ ኣለው።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ውሳነ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዘሎ ልዝብ ብሬክዚት፡ "ዚያዳ ዝወላወል፣ ዝተደናጎየን ዝተሓላለኸን" ዝገብሮ'ዩ ኢሉ።

እቶም ኣባላት ባይቶ መማረጺ ከም ዘስኣኑዎ ብምሕባር፡ ኣብ ጥቅምቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ክካየድ ከም ዝገብር ገሊጹ፤ "ህዝቢ እዛ ሃገር ክመርጽ ኣለዎ" ድማ ኢሉ።

እንተኾነ፡ ኣባላት ባይቶ ዝሃቡዎ ድምጺ ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ክሳብ 31 ጥሪ ብሬክዚት ክደናጎ ክሓትት ዘገድዶ ሓድሽ መስቀለኛ-ሰልፊ ከቑሙ፣ ሓድሽ ስምምዕ ከጽድቑ ወይ ስምምዕ ዘይብሉ ምውጻእ ንዝብል ደጊፎም ኣብ 19 ጥቅምቲ ድምጾም ክህቡ ዕድል ክህቦም'ዩ።

መንግስቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ግን፡ ወሳኒ ኣኼባ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ቅድሚ ምክያዱ 15 ጥቅምቲ ምርጫ ከካይድ መደብ ከም ዘለዎ ቢቢሲ ክርዳእ ክኢሉ'ሎ።

ጀርሚ ኮርበይ ግን፡ ብሓጋጊ ዝተደገፉ ዓመጽቲ ቶሪን ተቓወምቲ ኣባላት ባይቶን ምርጨ ቅድሚ ምክያዱ፡ 'እቲ ብዘይ ስምምዕ ዝብል ጉዳይ ካብ ጠረጴዛ ክኣልዩዎ' ውሳኔ ከሕልፉ ኣለዎም ኢሉ።

ወሲኹ፤ "ኣብ መላእ ሃገር ስምምዕ ከይፈጠርካ፡ እቲ ኣብዝሓ ብዝህቦ ድምጺ ምውጻእ የለን" ኢሉ።