ተቓወምቲ ሰልፍታት ብሪጣንያ መረጻ ከይካየድ ነጺጎም

ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ ሕብረት ኣውሮፓ ብሪክዚት ብዝምልከት ቅድሚ ናብ ውሳነ ምብጽሑ፡ ሓፈሻዊ መረጻ ንክካየድ ዝእንፍት እማመ ቀዳማይ ሚኒሰተር ቦሪስ ጆንሰን ፡ ውድቂ ንክኸውን ተቓወምቲ ውድባት[ ሰልፍታት] ተስማሚዖም።

ሰልፊ ሸቃሎ፡ ሓዊሱ ኣርባዕተ ተቓወምቲ ውድባት እታ ሃገር፡ ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ናብቲ ባይቶ ዝቐርብ ቀዲምካ መረጻ ከይካየድ፡ ዝብል እማመ ውድቅ ንክኸውን'ዮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ።

እዚ ተብተብ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነታ ዓዲ ንሓደጋ ከየሳጣሓ'ውን ስግኣት ኣላና እዮም ዝብሉ።

እንተኾነ እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር፡ 'እቶም ሰልፍታት ተቓውሞ ዘይግቡእን መጠኑ ዝሓለፈ ግጉይ ፖለቲካዊ ውሳነ ይፍጽሙ ኣለዉ' ኢሉዎም።

ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ሕብረት ኣውሮፓ ቅድሚ እቲ ዝተቐመጠ ግዘ ገደብ ፡ 31 ጥቅምቲ፡ ኣብ መተዓረቒ ስምምዕ እንድሕር ደኣ ዘይተበጽሐ፡ ቀዳማይ ሚንሰተር ቦሪስ ነቲ ሕብረት እቲ ግዘ ገደብ ከናውሖ፡ ንሱ ክሓትት ዘገድድ ረቂቕ ደጊፎም ድምጾም ኣስሚዖም እዮም።

እዚ ብዕልባት-ኣልቦ ዝፍጠር ፍትሕ [no-deal Brexit] ከይፍጠር ዝከላኸል ረቂቕ ሕጊ፡ ሎሚ ዕለተ ዓርቢ ኣብ 'ሃውስ ኦፍ ሎርድስ' ቀሪቡ ናይ መወዳእታ ዕልባት ክረክብ እዩ ትጽቢት ዝግበር።

ሚስተር ቦሪስ ጆንሰን ግን እዚ ኩሉ ቅድሚ ምዃኑን፡ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ርእሰ ከተማ ብራስለስ 17ን 18ን ጥቅምቲ ቅድሚ ምእካቡን፡ እቲ ዕለት ግዘ ገደብ ንንክናዋሕ ከይሓተተ፡ ኣብ 15 ጥቅምቲ ሓፈሻዊ መረጻ ክካየድ'ዩ ዝጓየ ዘሎ።

ንሱ፡ እዚ ስጉምቲ እቲ ምስ ብረክዚት ተዛሚዱ ዘካትዕ ዘሎ ጉዳይ ዕልባት እንተረኺቡ፡ መንግስቲ ንቅድሚት ንክስጉም የኽእሎ እዩ ኢሉ እዩ ዝሟገት።

እቶም ነቲ ስጉምቲ ዝቃወሙ ዘለዉ ተቓወምቲ ግን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዕልባት-ኣልቦ፡ እቲ ፍትሕ ክፍጸም ይገብር ኣሎ እዮም ዝብሉ።

ተቓባልነት ይሓርሞ ኣሎ

ቀዳማይ ሚኒሰተር ቦሪስ፡ ምስ ብሪክዚት ተኣሳሲሩ ዘቕርቦም ዘለዉ እማመታት ኣብቲ ሃገራዊ ባይቶ ተቐባልነት እናሰኣኑ መጺኦም እዮም።

ብዚ ምኽንያት 21 ኣባላቱ ካብ ኣባልነቶም ዘባረረ እንትኸውን፡ መገዛ ንእሽተይ ሓው ጆ ጆንሰን ድማ ካብ ሚኒሰተርነትን ተጸዋዕነት እቲ ባይቶን ትማሊ ንባዕሉ ኣግሊሉ ኣሎ።

እዚ ውሳነ፡ ርካሽ ተፈታውነት ዝኽተል ተባሂሉ ዝሕመ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝፈጥሮ ዘሎ ዘየተኣማምን ስርዓት፡ መግለጺ ተገይሩ እዩ ተወሲዱ።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን። 14 ጥቅምቲ ንግስቲ እታ ዓዲ መደረ ከይስመዓት፡ ኣብ መጻኢ ሰሙን ጀሚሩ እቲ ባይቶ [ፓርላማ] ከክንሳፈፍ ዘሕለፎ ውሳነ ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ግዝኣታት ስኮትላንድን ሰሜናዊ ኣየርላንድን ሕጋዊ ክስታት ይቐርቡዎ ኣለዉ።

ኣብ ገለ ቦታ ድማ፡ ድሮ እቲ ጉዳይ በቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ 17 መስከረም ንክረኣ ተቖጺሩ ኣሎ።

ኣቦ መንበር ሰልፊ ተቓዋሚ፤ ኤ ኤን ፒ፡ እዚ ጉዳይ ናይ ሰልፍና ረብሓ ዝምልከት ኣይኮነን። ሃገራዊ ረብሓ ዝጥምት እዩ- ኢሉ።