ተሰዊሩ ዝጸንሐ መስራቲ 'ዓሊባባ' ቻይናዊ ጃክ ማ ንፈለማ እዋን ተራእዩ

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ሳሕቲ ዝረአ ዝነበረ መስራቲ ንግዲ ኦንላይን ዓሊባባ ዝዀነ ጃክ ማ፡ ኣብ ከተማ ሃንግዝሆ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ከምዝተረኣየ ተሓቢሩ።

ወዲ 58 ዓመት ጃክ ማ፡ ኣብ 2020 ተቘጻጸርቲ ፋይናንስ መንግስቲ ቻይና ካብ ዝነቅፍ ንደሓር ብዙሕ ከይተራእየ ዳርጋ ተሰዊሩ እዩ ጸኒሑ።

ማ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሃብቲ ቴክኖሎጂ ክካየድ ድሕሪ ዝጀመረ ጽኑዕ ሕጋዊ ስጕምቲታት ዝጠፍአ ዝለዓለ ስም ዘለዎ ቻይናዊ ቢልዮነር እዩ።

ሳውዝ ቻይና ሞርኒን ፖስት ከምዘመልክቶ፡ ንልዕሊ ዓመት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ቻይና ተመሊሱ ኣሎ።

ኣብ ሆንግ ኮንግ ሓጺር ዕረፍቲ ከምዝገበረን ኣብኡ ምስ ኣዕሩኽቱ ከምዝተራኸበን ዘመልከተት ብዓሊባባ እትውነን ጋዜጣ፡ ንሓጺር እዋን ድማ ናብቲ ዓለምለኻዊ ምርኢት ስነ-ጥበብ ዝቐርበሉ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ‘ኣርት ባዘል’ ዝበሃል ማእከል ከምዝበጽሐ ኣፍሊጣ።

ጃክ ማ ብዛዕባ ሕርሻዊ ቴክኖሎጂ ፍልጠት ንምእካብ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት መገሻታት ክገብር ከምዝፀንሐ ዝሓበረት እታ ጋዜጣ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንምንታይ ካብ ህዝቢ ከምዝጠፍአ ግን ኣየነጸረትን።

መምህር ቋንቋ እንግሊዝ ነበር ማ፡ ኣብታ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዓሊባባ ዝርከበላ ከተማ ሃንግዝሆ ናብ ዘላ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ምስ ሰራሕተኛታት ከምዝተራኸበን ኣብ ክፍልታት ዑደት ከምዘካየደን ተፈሊጡ።

ሽዑ ድማ ብዛዕባ ሰብሰርሖ-ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ- ኤኣይ) ኣብ ትምህርቲ ከስዕቦ ዝኽእል ብድሆታት ከምዝተዛረበ እታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ገጽ ማሕበራዊ ሚድያ ዝጠቅዐቶ ሓበሬታ የመልክት።

"ቻትጂፒቲን [ChatGPT] ካልኦት ተመሳሰልቲ ቴክኖሎጂታትን ናብቲ ሰብሰርሖ-ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ- ኤኣይ) ዝግበር ምስግጋር ዘእትዉና ቀዳሞት ምዕራፋት እዮም። ‘ኤኣይ’ ኣክንዲ ዝቈጻጸረና ንጸገማት መፍትሒ ክንጥቀመሉ ይግባእ” ኢሉ።

ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ቻይና ዝሃብተመ ሰብ ዝነበረ ሚስተር ማ፡ ነቲ ዝቈጻጸሮ ዝነበረ ‘ኣንት ግሩፕ’ ዝተባህለ ትካል ፋይናንሳዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት ከምዝገደፎ ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ ሕግታት ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ብዘቕርቦም ነቐፌታዊ ሓሳባት ምስቲ ሰልፊ ናብ ዘይምቅዳው ከምዝኣተወ ገለ ተዓዘብቲ የመልክቱ።

ኣብ ሕዳር 2020፡ እቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዝዓበየ ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ 26 ቢልዮን ፓውንድ ዝግመት መሸጣ ኣክስዮን፡ ኣብ ጫፍ ምስ በጽሐ ብሰበስልጣን ቻይና ዝተሰረዘ ኰይኑ ምስ ምቁጽጻር እቲ ትካል ብዝተሓሓዝ፡ "ዓበይቲ ጉዳያት" ከምዘለዉ ሰብ መዚ ሓቢሮም ነይሮም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ከም ስጳኛ፡ ሆላንድ፡ ታይላንድን ኣውስትራልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ከምዝተራእየ ይግለጽ።

ጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ዘውጽኣቶ ሕታም፡ ጃክ ማ ኣብ ቶክዮ ጃፓን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዝጸንሐ ሓቢራ ምንባራ ይዝከር።

ማ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ህዝባዊ መድረኻት ምስጠፍአ፡ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከም ዝኣተወ ወይ ብኻልእ መገዲ ከም ዝተኣስረ ክንገር ጸኒሑ እዩ።