ሰይፍ ኣል-እስላም፡ ወዲ መራሒ ሊብያ ነበር ቓዛፊ ተቐቲሉ

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ወዲ መራሒ ሊብያ ነበር ኰሎኔል ሙዓመር ቓዛፊ ሰይፍ ኣል-እስላም ብጥይት ከምዝተቐትለ ይግለጽ ኣሎ።

ሞት እቲ ብሰፊሑ ከም ወራሲ ኣቦኡ ክርአ ዝጸንሐ ወዲ 53 ዓመት ሰይፍ፡ ብሰሉስ 03 ለካቲት ከም ዝተቐትለ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጕጅለኡ ንማዕከን ዜና ሊብያ ሓቢሩ።

ጠበቓኡ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፡ ሓንቲ "ኣርባዕተ ሰባት ዝሓዘት ኣሃዱ ኮማንዶ" ኣብ ከተማ ዚንታን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ ብዝፈጸመቶ ስርሒት ከም ዝተቐትለ'ኳ እንተገለጸ፡ ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ መን ክህሉ ከምዝኽእል ግን ንጹር ኣይኰነን።

ኣብ ካልእ ተጻራሪ ዜና ከኣ፡ ሓፍቱ ንተሌቪዥን ሊብያ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ምስ ኣልጀርያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት እታ ሃገር ከም ዝሞተ ገሊጻ።

ሰይፍ ኣል-እስላም ቓዛፊ፡ ድሕሪ እቲ ካብ 1969 ጀሚሩ ክሳብ ኣብ 2011 ብናዕቢ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየን ዝተቐትለን ኣቦኡ፡ ኣብታ ሃገር እቲ ዝያዳ ጸላውን ተፈራሕ ሰብ ኰይኑ ክርአ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ 1972 ዝተወልደ ሰይፍ፡ ካብ 2000 ክሳብ ምፍራስ ስርዓት ቓዛፊ ሊብያ ምስ ምዕራባውያን ንምቅርራባ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ ነይሩ እዩ።

ድሕሪ ምእላይ ኣቦኡ፡ ኣብ ኣረሜናዊ ዓፈና ጸረ-መንግስታዊ ተቓውሞታት ወሳኒ ተራ ነይርዎ ተባሂሉ ተኸሲሱ ድማ ኣብ ከተማ ዚንታን ብዝዓስከረ ሓደ ሓይሊ ምልሻ ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመት ተኣሲሩ።

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ኣብ 2011 ኣብ ምዕፋን ተቓውሞታት ተራ ነይርዎ ብዝብል ገበናዊ ክሲ ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ፍርዲ ክቐርቦ ሓቲቱ።

ኣብ 2015፡ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ እትርከብ ትሪቡሊ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ዘይነበረሉ ንሞት ተፈሪዱ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን ኣብ ጦብሩቕ - ምብራቕ እታ ሃገር - ብምሊሻታት ብይቕረታ ተፈቲሑ።

ድሕሪ ውድቀት ቓዛፊ፡ ሊብያ፡ ዝተፈላለዩ ምልሻታት ብዝቈጻጸርዎ ከባቢታትን፣ ኣብ ክልተ ተቐናቐንቲ መንግስታት ተኸፋፊላ ትርከብ።

ሰይፍ ኣቦኡ መራሒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዝዀነ ወግዓዊ መንግስታዊ ሓላፍነት'ኳ እንተዘይነበሮ፡ ኣቦኡ ንመደብ ምምዕባል ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከቋርጽ ክሳብ ምእማን ዝበጽሕ ፖሊሲ ይቐርጽን ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝርርባት ይመርሕን ነይሩ።

ብኸምዚ ዓይነት ስምምዓት ኣብ ልዕሊ እታ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝነበረ ዓለምለኻዊ እገዳ ክለዓል እንከሎ፡ ብዙሓት ድማ ሰይፍ፡ ከም መራሒ ተሃድሶን ቅቡልን ገጽ ናይታ እትቕየር ሊብያ ገይሮም ይቘጽርዎ ነይሮም።

ንሱ ግን ወትሩ ስልጣን ካብ ኣቦኡ ክወርስ ድሌት ከምዘይነበሮ ብምግላጽ፡ ኮረሻ ስልጣን "ዝውረስ ሕርሻ ኣይኰነን" ብዝበሎ እዩ ዝዝከር።

ኣብ 2021 ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ እታ ሃገር ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ መረጻ ግን ንዘይተወሰነ ግዜ ተናዊሑ።