እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሊብያ ምስ እስራኤላዊ መዘነኣ ብምርኻባ ተሰጒጓ
ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ብዘይወግዓዊ መገዲ ምስ እስራኤላዊ መዘንኣ ንዝተራኸበት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሊብያ ካብ ስርሓ ኣሰናቢቱ።
ሊብያ ንእስራኤል ኣፍልጦ ኣይትህብን፤ ትሪፖሊ ንጉዳይ ፍልስጤም እትድግፍ ብምዃና እቲ ዘይወግዓዊ ርክብ ተቓውሞታት ኣስዒቡ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እስራኤል ኤሊ ኮሄን፡ እቲ ምስ ናጅላ ኣል-ማንጉሽ ዝተኻየደ ርክብ፡ ዝምድና ንምምስራት ታሪኻዊ ቀዳማይ ስጉምቲ ክብል ገሊጽዎ።
እስራኤል ምስ ሃገራት ዓረብን ኣስላምን ዝዀና ሃገራት ዝምድናታት ክትምስርት ጻዕሪ ትገብር ኣላ፤ ካብአን እታ ሓንቲ ሃብታም ነዳዲ ዝዀነት ሊብያ ትርከበን።
ይኹን’ምበር ንሰለስተ ዞባታት ሊብያ ዝውክል ፕረዚደንታዊ ባይቶ እታ ሃገር ምስ እስራኤል ዝህሉ ዝምድና ናብ ንቡር ምምላስ ዘይሕጋዊ እዩ ኢሉ።
ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትር ማንጉሽ ብዓቢ ክድዓት ሃገር ክኸሳ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብዱል ሓሚድ ድበይባ ድማ ኣብ ልዕሊኣ መርመራ ክግበር ኣዚዙ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ እስራኤል ኮሄን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ጐና ጐኒ እቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ዝነበረ ዋዕላ ሃንደበት ምስ ሚኒስትር ማንጉሽ ከም ዝተራኸቡን፡ ኣብ ዙርያ "ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዓቢ ተኽእሎ ዝምድናታት" ከም ዝተዘራረቡን ገሊጹ።
ክልቲኦም ሰብ መዚ፡ እስራኤል ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት፣ ሕርሻ፣ ምሕደራ ማይን ኣገዳስነት ምዕቃብ ሓድጊ ኣይሁድ ኣብ ሊብያ፣ ምሕዳስ ምኩራባትን መቓብርን ሓዊሱ ከም ዝተዛረቡ ጠቒሱ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሊብያ፡ ማንጉሽ ምስ ወከልቲ እስራኤል ዝተኻየደ ኣኼባ ከም ዝነጸገቶን፡ እቲ ክስተት ድማ "ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዘጋጠመ ዘይተሓሰበ፡ ተራ ርክብ" ምዃኑ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ርክብ “ዝዀነ ዘተ፡ ስምምዓት ወይ ምኽክር" ከም ዘየጠቓልልን፡ እቲ ሚኒስትሪ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነበሮ "ምሉእን ፍጹምን ምንጻግ ከም ዘሐድሶን" ገሊጹ።
ዜና ርክብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሊብያን እስራኤልን ምስ ተሰምዐ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊን ገለ ካልኦት ከተማታትን ተቓውሞታት ተላዒሉ ኣሎ።
እቲ ተቓውሞ ብተዛማዲ ንእሽቶ እኳ እንተመሰለ፡ ጽርግያታት ተዓጽዮም፡ ጎማታት ተቓጺሎም፡ ሰልፈኛታት ድማ ባንዴራ ፍልስጤም ሒዞም ተራእዮም።
ሊብያ ንዓመታት ኣብ ናዕቢ እትርከብ ሃገር ኰይና፡ እታ ሃገር ኣብ ሞንጐ እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ግዝያዊ፡ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስትን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዘሎ ተነሓናሕን ተኸፋፊላ ትርከብ።
ዝዀነ ይኹን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊብያን ዝግበር ስምምዕ፡ ነቲ ቅድሚ 12 ዓመት ንነዊሕ እዋን ውልቀ መላኺ ዝነበረ ሙዓመር ቀዛፊ ካብ ዝእለ ኣትሒዙ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ፍልልይ ከተሓላልዀ እዩ።
ጀነራል ካሊፋ ሃፍታር ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ገማገም ባሕሪ ከተማ ቶብሩክ ዝርከብ ተነሓናሒ መንግስቲ ይመርሖ።
እስራኤል፡ ንዓኣ ዝጻረራ ሃገራት ንልኡላውነታ ኣፍልጦ ክህባን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ክምስርታን ዝዓለመ ስምምዓት ኣብርሃም 2020 መሰረት ገይራ ዝምድናታታ ክተመሓይሽ ጻዕሪ ትገብር ኣላ።
ክሳብ ሕጂ ድማ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ባሕሬን፡ ሱዳንን ሞሮኮን ተግባራዊ ገይራቶ ኣላ።
ይኹን እምበር መንግስቲ ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ቃዛ ዘካይዶ ዘሎ ህንጸት ሰፈራታትን ኣብ ዝተጎበጠ ግዝኣታት ፍልስጤም ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ዕርድታት ብዝወስዶም ወተሃደራዊ ስጉምታትን ይንቀፍ።
ትማሊ ሰንበት ፕረዚደንታዊ ቤት ምኽሪ ሊብያ ካብ መንግስቲ "መብርሂ" ሓቲቱ ኣሎ።
እቲ ቤት ምኽሪ ስራሕቲ መራሒ ሃገር ዝፍጽምን ሓላፊ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገርን እዩ።
እቲ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝተኻየደ ርክብ "ንፖሊሲ ወጻኢ መንግስቲ ሊብያ ዘንጸባርቕ ኣይኰነን፤ ንሃገራዊ ቀወምቲ ሊብያ ዘይውክልን ምስ 'ጽዮናዊ ኣካል' ዝህሉ ዝምድና ንቡር ምግባር ከም ገበን ዝቖጽር ሕግታት ሊብያ ከም ምጥሓሰ ይቑጸርን" ይብል።
ብተወሳኺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር "እቲ ኣኼባ ተኻይዱ እንተዀይኑ፡ ነቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ" ሓቲቱ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ንጠለባት ፍልስጤም ዝድግፍ ዝነበረ ቃዛፊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣይሁድ ካብ ሊብያ ተሰጒጐም፤ ብዙሓት ምኩራባት ድማ ዓንዮም’ዮም።