ላዕለዋይ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሊብያ ኣብ ቱርኪ ሞይቱ

ላዕለዋይ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሊብያ ኣብ ቱርኪ ብሓደጋ ነፋሪት ከምዝሞተ ቀዳማይ ምኒስተር ሃገሩ ዓብዱል ሓሚድ ድበይበህ ኣፍሊጡ።

ምስ ጀነራል መሓመድ ዓሊ ኣሕመድ ኣል ሃዳድ ካልኦት ኣርባዕተ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሊብያ ኣብታ ነፋሪት ከምዝነበሩን፡ ትማሊ ሰሉስ ናይ ምሸት ካብ ርእሰ ከተማ ኣንካራ ናብ ካልእ ቦታ እናከዱ እንከለዉ እታ ነፋሪት ከምዝወደቐትን ተገሊጹ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ዓሊ የርሊካያ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ጀነራል ሓሙሻይ ርእሱ ዝነበራ ነፋሪት ካብ ርእሰ ከተማ ኣንካራ ምስ ተበገሰት ድሕሪ 42 ደቂቕ ርክብ ከምዘቋረጸት ጠቂሱ።

ርክብ ቅድሚ ምቁራጻ፤ መራሒ እታ ነፋሪት ሓደጋ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ብምግላጽ ኣብ ዝቐረበ መዓርፊ ነፈርቲ ክዓልብ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ስብርባር ናይታ ነፋሪት ካብ ርእሰ ከተማ ኣንካራ ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ ከምዝተረኸበን ጠንቂ ምውዳቓ ንምፍላጥ መርመራ ይግበር ከምዘሎን መንግስቲ ቱርኪ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ዓሊ የርሊካያ ንምውዳቕ እታ ነፋሪት ኣመልኪቱ ካልኣይ ግዜ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ስብርባራ ኣብ ዞባ ሃይማና ኣብ ጥቓ ከሲካቫክ ኣብ እትብሃል ገጠር ከምዝተረኸበ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናይቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝተውሃቦ መንግስቲ ሊብያ ዝዀነ ዓብዱል ሓሚድ ድበይበህ፡ ሞት ጀነራል መሓመድ ዓሊ ኣሕመድ ኣል ሃዳድን ካልኦት ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ሃገሩን ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዝተውሃቦ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደጋ ነፋሪት ዘስዓቦ ሞት ነታ ሃገር ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሊብያ "ንሃገሮም ብተወፋይነትን ብቕንዕናን ዘገልግሉ ሰባት ከሲራ"ኢሉ።

ብጀነራል መሓመድ ዓሊ ኣሕመድ ኣል ሃዳድ ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ሞንጎ ሊብያን ቱርኪን ወተሃደራውን ጽጥታውን ምትሕግጋዝ ንምድልዳል ዝዓለመ ዘተ ንምክያድ ናብታ ሃገር ከምዝኸደ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቱርኪ ኣብ 2019 ካብ ምብራቕ እታ ሃገር ዝመጸ ሰራዊት ነቲ ኣብ ትሪፖሊ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ ንኸይዓልዎ ጣልቃ ድሕሪ ምእታዋ፡ ኣብ ሊብያ ዓብላሊ ተራ'ያ ተጻዊታ።

ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘለዎ ኣህጉራዊ ተፈላጥንት ዘለዎ መንግስቲ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራውን ቁጠባውን ምትእስሳር ክትሃንጽ ኣኽኢልዋ።