ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ሳርኮዚ ንሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ዘፍረዶ እንታይ እዩ?

ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ኒካላስ ሳርኮዚ ሚልዮናት ኢሮ ካብ መራሒ ሊብያ ነበር ሙዓመር ቐዛፊ ተቐቢልካ ብዝብል ገበነኛ ኰይኑ ስለ ዝተረኽበ ሓሙሽተ ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ቤት ፍርዲ ገበን፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ዋላ ይግባይ ይበል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ኣለዎ ኢሉ። ሳርኮዚ'ውን ይግባይ ክብል ምዃኑ ተዛሪቡ ኣሎ።

ካብ 2007 ክሳዕ 2012 ፕረዚደንት ዝነበረ ወዲ 70 ዓመት ሳርኮዚ፡ ድሕሪ እቲ ብሓሙስ ዝነበረ መጋባኣያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ብይን፡ ንልዕሊና ሕጊ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ንሱ እቲ ጉዳይ ካብ ፖለቲካዊ ድርኺት ዝነቐለ ምዃኑ እዩ ዝኣምን። ኣኽበርቲ ሕጊ ግና ካብ ቐዛፊ ዝረኸቦ ገንዘብ ኣብ 2007 ንዝነበረ ፕረዚደንታዊ ጐስጓስ ከም ዝተጠቐመሉ እዮም ዝኸሱ።

እቲ ስምምዖም ሕኸኸኒ ክሓከካ እዩ ነይሩ። እቲ ፕረዚደንት ነበር ከም ኣምሳያ ናይቲ ዝረኸቦ ሓገዝ ምስሊ ናይቲ ብምዕራባውያን ከፊኡ ዝነበረ ሙዓመር ቐዛፊ ንኸተዓራሪ ከም ዝተሰማምዐ እዩ ዝኽሰስ።

ዳኛ ናታሊ ጋቫሪኖ፡ ሳርኮዚ ንጐስጓስ ዝዀኖ ገንዘባዊ ሓገዝ ንምርካብ ናይ ቀረባ ሓገዝቱ ምስ ሰበስልጣን ሊብያ ክራኸቡ ከም ዝፈቐደ ገሊጻ።

ቤትፍርዲ ግን ሳርኮዚ ብውልቁ ካብቲ ዘሕጋዊ ምወላ ተጠቃሚ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዅል መርትዖ ከም ዘየሎ ገሊጹ።

ኣብ ርእሲ'ቲ ሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ፡ 117,000 ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍል'ውን ተወሲንሉ ኣሎ።

ዳኛ ናይቲ ቤትፍርዲ ነቲ ብይን ምስ ኣንበበት ኣብ ተጋባእቲ ኣግርሞት ፈጢሩ።

ሳርኮዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ፓሪስ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ክውሰድ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ናብ ማሕቡስ ክኣቱ ናይ መጀመርታ ተርእዮ ክኸውን እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ ኢዱ ሕጹብ ምዃኑ ክገልጽ ንዝጸንሐ ፕረዚደንት ነበር ድማ ዓቢይ ጽፍዒት እዩ።

ካብ ህንጻ ቤትፍርዲ ወጻኢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እዚ ሎሚ ዘጋጠመ. . . ንልዕና ሕግን ኣብ ስርዓተ ፍትሒ ንዝህሉ እምነትን ኣዝዩ ዝፍትን እዩ፡" ኢሉ።

"ኣብ ውሽጢ ማሕቡስ ክድቅስ እንተ ደልዮምኒ፡ ኣብኡ ክድቅስ እየ፣ እንተዀነ ርእሰይ ኣቕኒዐ እየ ክድቅስ፡" ኢሉ።

ወዱ ንሙዓመር ቐዛፊ ዝዀነ ሳይፍ ኣል-እስላም፡ ሳርኮዚ ንጐስጓስ ኢሉ ሚልዮናት ካብ ኣቦይ ወሲዱ ኢሉ ድሕሪ ምውቃሱ እዩ ኣብ 2013 ኣብ ልዕሊኡ መርመራ ክካየድ ጀሚሩ።

ኣብ ዝቐጸለ ዓመት፡ ኣብ መንጐ ፈረንሳን ማእከላይ ምብራቕን ከም መንጐኛ ኰይኑ ዝዋሳእ ዝነበረ ሊባኖሳዊ ነጋዳይ ዝያድ ታኪዲን፡ ብሳርኮዚ ዝካየድ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ጐስጓስ "ብብዝሒ" ብትሪፖሊ ከም ዝምወል መርትዖ ከም ዝጸሓፈን ፕረዚደንት ምስ ኰነ'ውን 50 ሚልዮን ዩሮ ክፍሊት ከም ዝቐጸለን ገሊጹ።

ኣብቲ ብይን ፍርዲ ምኒስተራት ውሽጣዊ ጕዳያት ዝነበሩ ክላውድ ጕያንትን ብሪስ ሆርተፈውስን ተጠቓሊሎም ኣለዉ።

ጕያንት ብብልሽውና ገበነኛ ክኸውን እንከሎ፡ ሆርተፈውስ ድማ ውዲት ብምፍሓሱ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።

ሞዴልን ድምጻዊትን ዝነበረት ብዓልቲ-ቤት ሳርኮዚ ካርላ ብሩኒ፡ ምስ ጕዳያት ቐዛፊ ብዝተሓሓዝ መርትዖታት ብምሕባእን ምስ በደለኛታት ብምትሕብባርን ምትላል ፈጺማ ተባሂላ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተኸሲሳ ነይራ፣ እንተዀነ ንዅሉ ዝቐረበለ ክሲ ትነጽጐ።

ሳርኮዚ፡ ብ2012 ኣብ ዘካየዶ ዳግማይ ምርጫ ካብ ዝሰዓር ንደሓር፡ ንሓያሎ ገበናዊ መርመራታት ዒላማ ኰይኑ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ለካቲት 2024 ኣብ ዝገበሮ ካልእ ጐስጓስ ምርጫ ልዕሊ ዓቐን ወጻኢታት ብምግባሩ ቤትፍርዲ ገበነኛ ንዝበሎ ውሳነ ይግባይ ኢሉ።

ብድሕሪኡ ንዕኡ ንምሽፋን ሓደ ናይ ህዝባዊ ርክባት ትካል ቈጺሩ። ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ፣ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ'ውን ካብ ስራሕ ተኣጊዱ።

ኣብ 2014 ንሓደ ዳኛ ጉቦ ክህብ ብምፍታኑ ኣብ 2021 ገበነኛ ተባሂሉ - ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ዝተዋህበ ፈላማይ ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ድማ ኰይኑ።

ኣብ ታሕሳስ፡ ቤትፍርዲ ይግባይ ፓሪስ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣቱ፡ መቈጻጸሪ ተገይርሉ ኣብ ገዛኡ ክጸንሕ ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ።