ሊብያ፡ ድሕሪ ሰሙን ኣብ ባሕሪ ብህይወት ዝተረኸቡ 7 ስደተኛታት

ዝተሳፈሩላ ጃልባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምግልባጣ፡ ንሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ባሕሪ ካብ ዝጠፍኡ ተሳፈርቲ፡ 7 ሰባት ብህይወት ከምዝተረፉን 42 ሰባት ሞይቶም ተባሂሉ ከምዝግመትን ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት [IOM] ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሞት ዝተረፉ ሰባት ብምጥቃስ፡ እታ 47 ደቂ ተባዕትዮን ክልተ ደቀንስትዮን ዝጸዓነት መርከብ [ጀልባ]፡ ካብ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ሊብያ-ዙዋራ ድሕሪ ምብጋሳ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰዓታት ብ3 ሕዳር ከምዝተገልበጠት ሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ መስመር ማእከላይ ማእከላይ ባሕሪ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት 1000 ከምዝሓለፈ ካብ 'ሚሲን ማይግራንትስ ፕሮጀክት' - ክፍሊ IOM፡ ዝተረኽበ ሓድሽ መረዳእታ ይሕብር።

እቶም ብህይወት ዝተረፉ 7 ሰባት፡ ካብ ሱዳን፡ ናይጀርያ፡ ካሜሩንን ሶማልያን ምዃኖም ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ንሳቶም፡ ንሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ባሕሪ ሰንፈለል ክብሉ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ሰበስልጣን ሊብያ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጥቓ መዐደሊ ነዳዲ ኣል-ቡሪ ናይ ምድሓን ተልእኾ ድሕሪ ምፍጻሞም እዮም ተረኺቦም።

"እቲ ዘሕዝን 42 ውልቀሰባት ደሃዮም ዛጊድ ዝጠፍአ ዀይኑ፡ ሞይቶም ከምዝዀኑ እዩ ዝግመት።"

ካብዚኦም እቶም 29 ካብ ሱዳን፡ ሸሞንተ ካብ ሶማልያ፡ 3 ካብ ካሜሩን፡ ክልተ ድማ ካብ ናይጀርያ ምዃኖም ካብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ መረዳእታ ይሕብር።

ሊብያ፡ ነቲ ሓደገኛ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ንዝፍትኑ ስደተኛታት፡ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ መበገሲት ኰይና ትቕጽል ኣላ።

በብዓመቱ ኣማኢት በዚ መስመር ክሓልፉ ኣብ ዝፍትኑሉ ህይወቶም ይስእኑ።

መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ንመጓዓዝያ-ባሕሪ ዘይበቕዓ ጀላቡ ልዕሊ መጠንን ተፀቓቒጦምን ኣብ ዝተጨናነቐ ኵነታት ተሳፊሮም ዝጓዓዙ እዮም።

እቲ ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት፡ ካብ መጀመርታ 2025 ክሳብ መወዳእታ ጥቅምቲ ጥራይ፡ ብውሕዱ 527 ሰባት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ጥሪን ጥቅምትን ናይዚ ዓመት፡ 59 ሽሕ ሰባት በዚ መስመር ከቋርፁ ከምዝፈተኑ፡ ትካል ዶባት ሕብረት ኤውሮጳ 'ፍሮንቴክስ' ሓቢሩ።

ናብ ኤውሮጳ ዝወስዱ ናይ መሬት መስመራት ንምጥቃም ኣፀጋሚ ስለዝዀነ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሓደጋ ዝኣትዉ ሰባት ወሲኹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 13 ኤውሮጳውያን ትካላት ኣለሻን ሕውየትን ባሕሪ፡ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ባሕሪ ተዓጊቶም፡ ናብ ስቅያት፡ ዓመጽን ግዱድ ዕስክርናን ከምዝተወስዱ ብምኽሳስ፡ ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝገብሮ ዝነበረ ምትሕብባር ደው ኣቢሉ ይርከብ።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ "ብገንዘብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተዓጠቑን ዝሰልጠኑን ዘይተማእከለ መርበብ ዕጡቓት ምልሻታት" ክብሉ ከሲሶም።