እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ሞት ስደተኛታት ስለምንታይ ይውስኽ ኣሎ?
ኣብ ማእከል ማእከላይ ባሕሪ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ ትንሳፈፍ።
ተሳፈርታ ሓደ ወዲ 13 ዓመት መንእሰይ ዝርከቦም ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ሰበይትን እዮም።
ንሶም ምስ ካልኦት 41 ስደተኛታት ዝሓሸ ህይወት ክደልዩ ብማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን፡ እታ ዝተሳፈሩላ መርከብ ሓደጋ ኣጋጢምዋ።
እቶም ኣርባዕተ ስደተኛታት፡ ሻምብቆታትን ናይ ህይወት ኣድሕን ጃኬትን ተጠቒሞም ንሓያሎ መዓልታት ኣብ ባሕሪ ክንሳፈፉ ድሕሪ ምቕናዮም ነፋሪት ርእዮም ብቕጽበት ኣእዳዎም ኣወዛዊዞም ክድሕኑ ክኢሎም።
እቶም ካልኦት 41 ስደተኛታት ግን ነዚ ዕድል ኣይረኸቡን።
እናወሰኸ ዝመጸ ቁጽሪ ሞት ስደተኛታት
ካብዚ ብተወሳኺ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝተሳፈሩላ ጃልባ ብምጥሓላ 6 ስደተኛታት ሞይቶም እዮም።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኣደን ጓልን ዝርከብዎም 13 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 44 ሃለዋቶም ጠፊኡ’ዩ። ብህይወት ዝተረኸቡ 2 ጥራይ ነይሮም።
እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣብታ ካብ ሊብያ ናብ ግሪክ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣድሪያና ዝተበሃለት መርከብ ገፈፍቲ ዓሳ ዘጋጠመ’ዩ። እታ መርከብ ስፍሓታ ካብ 20 ክሳብ 30 ሜተር’ኳ እንተዀነ፡ ኣዝዩ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ 100 ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 750 ስደተኛታት ጽዒና ምንባራ ይግለጽ።
ስለዝዀነ ድሕሪ መዓልትታት ብ14 ሰነ ከቢድ ሓደጋ ኣጋጢምዋ። ብጸዕሪ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ኣስታት 100 ሰባት ክድሕኑ ከለዉ 78 ድማ ሞይቶም። ሃለዋት እቶም ዝተረፉ ግን ኣይተረኸበን።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣስታት 200 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ምስበጽሓት ተሰቢራ ብምጥሓላ፡ 12 ህጻናት ዝርከብዎም 63 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ’ዩ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት ድማ ኣብ ብሰንኪ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ንሓደጋ ዝተቓልዐት መርከብ ዝነበሩ 35 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 94 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።
እዚኦም ኣብዚ ዓመት ጥራይ ዘጋጠሙ ሓደጋታት እዮም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዘጋጠሙ፡ ብውሕዱ 750 ስደተኛታት ዝሞቱሉ ኣብ ሚያዝያ 2015 ዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል መርከብ ምጥቃስ ይከኣል።
ኣብ ጥቅምቲ 2013 እውን ኤርትራውያን፡ ሶማላውያንን ጋናውያንን ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ደሴት ላምፔዱሳ ድሕሪ ምጥሓላ፡ ልዕሊ 360 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።
ብሓፈሻ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 2014 ጀሚሩ 27,845 ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሞይቶም ወይ ጠፊኦም እዮም።
ዝሓሸ ህይወት ክደልዩ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፍቱኑ ዜጋታት ብዙሓት ሃገራት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ገማግም ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ጣልያን ዝብገሱ እዮም።
ገሊኦም ቀኒዕዎም ኤውሮጳ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ከም ዝስእኑ ክጽብጸብ ጸኒሑ’ዩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት፡ ኣብ ምሉእ 2022 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ 2,411 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብተመሳሳሊ ኣብ 2023 ኣብ ዝሓለፋ 7 ኣዋርሕ ጥራይ ቁጽሪ ሞት 2,096 በጺሑ ኣሎ።
ብሓፈሻ ገለ ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ንማእከል ማእከላይ ባሕሪ "መካነ መቓብር" ብምባል እየን ዝገልጽኦ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት፡ ሕማቕ ዲዛይን ዘለወንን ልዕሊ ዓቐነን ዝጽዕና ጀላቡን ከምኡ'ውን ህቦብላዊ ኵነታት ኣየርን ዘሎ ክፍተታትን ኩሎም ረቛሒታት ናይዞም ሓደጋታት ምዃኖም ይሕብሩ።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ከምኡ’ውን በቲ ባሕሪ ዝተወሓጡ ነፍሳት ኣመልኪቱ ጸብጻባት ሚድያ ምርኣይ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።
ከምዚኦም ዝበሉ ጸብጻባት ርእዮም፡ ንጽባሒቱ ንተመሳሳሊ ጉዕዞ ኣብ ኣረግቶት ጀላቡ ዝሳፈሩ ግን ሒደት ኣይኰኑን።
ሓደ ካብዚኦም ካብቲ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ሱዳን ዳርፉር ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝሃደመ ስደተኛ እዩ።
ንሱ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ቱኒዝያ ዑቕባ ክሓትት መደብ ኣለዎ፤ ዑቕባ እንተዘይረኺቡ ግን ብጃልባ ናብ ኤውሮጳ ክሰግር ከም ዝፍትን ይዛረብ።
"በቃ ካብ ኲናት’የ ኣምሊጠ፡ ዝስእኖ ነገር የብለይን" ይብል።
ካልእ ካብ ኬንያ ዝመጸ ስደተኛ’ውን መደቡ ናብ ኤውሮጳ ሰጊሩ ንስድርኡ ምንጪ ዝሓሸ ህይወት ክኸውን ሕልሚ ከም ዘለዎ’ዩ ዝገልጽ።
ስለምንታይ ሰባት ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ይመርጹ?
መብዛሕትኦም ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ካብ ኲናት ወይ ስቅያት ክሃድሙ ወይ ድማ ዝሓሸ ስራሕን ህይወትን ክረኽቡ ዝደልዩ እዮም።
ኣብዚ ሓጋይ ኣብ ልዕሊ ዓቐን ዝጸዓነት ናይ ጎማ ጃልባ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝደሓነ ሓደ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብ ጋምብያ ከም ዝተበገሰ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ሓደ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ዓርኩ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ስለ ዝሞተ፡ እቲ ጉዕዞ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። እንተዀነ ግን እዚ ካብ ጉዕዞ ኣይዓገቶን።
ኣብዚ ዓመት፡ ቱኒዝያ ካብ ሊብያ በሊጻ ቀንዲ መበገሲት ስደተኛታት ኰይና ኣላ - ዋላ’ኳ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዓሌትነት ይካየድ እንተሃለወ።
ገለ ሰባት፡ ንሊብያ ከም መሳገሪ ምጥቃም ብጂኦግራፍያውን ፖለቲካውን ምኽንያታት ዝያዳ ሓደገኛ ኰይኑ ይቕጽል ከም ዘሎ እዮም ዝገልጹ።
"ብመንጽር ሞት፡ መስመር ምብራቓዊ ሊብያ ዝዓበየ ጽልዋ ዘሕድር ይመስለኒ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ፕሮፌሰርን ክኢላ ስደትን ናንዶ ሲጎና።
"ኣዝዩ ነዊሕ እዩ፡ ብሃገራዊ ማያት ኢጣልያን ግሪኽን ምሕላፍ ኣሎ - ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ባሕሪ ንዝርከቡ ስደተኛታት ስርሒታት ምድሓን ህይወት ከም ዝህባ ክረኣያ ብዙሕ ድሌት የብለንን" ክብል ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዘጋጠመ ስብርባር መርከብ ግሪኽ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ልዕሊ ዓቐን ዝጸዓነት ጀልባ ኣብ ገማግም ደቡባዊ ግሪኽ ብምግልባጣ ብውሕዱ 79 ሰባት ከም ዝሞቱን ክሳብ 500 ዝዀኑ ድማ ሃለዋቶም ከም ዝጠፍአ ሕቡራት ሃገራት ዘፍለጠ ክኸውን ከሎ ግሪኽ ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምቅላል ጻዕሪ ብዘይምግባራ ክትንቀፍ ጸኒሓ እያ።
ንጉዕዞ ዘይበቕዓ መራኽብ
መብዛሕትኡ ግዜ ስደተኛታት ዝጓዓዙለን ካብ ጎማ ወይ ዕንጨይቲ ዝተሰርሓ ጀላቡ እየን።
እዚ ማለት፡ ንጉዕዞ ባሕሪ ብቑዓት ኣይኰናን።
እቲ ዝገደደ ነገር ድማ፡ ልዕሊ ዓቐን ስደተኛታት ጽዒነን’የን ዝጓዓዛ።
ሓደጋ እንተጋጢሙ ንምሕንባስ ዝሕግዙ መሳርሒታት’ውን ዳርጋ የብለንን።
"ሳንዱቕ ሬሳታት ባሕሪ" ክብል ይገልጸን - ወሃቢ ቃል ትካል ዶባት ኤውሮጳ ፍሮንቴክስ ዝዀነ ክሪስ ቦሮውስኪ።
"ኣብ ርእሲ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ 40ን ልዕሊኡን ሰባት ዝጸዓና ብዓሰርተታት ዝቑጸራ መራኽብ ኣብ ሓደ እዋን ክብገሳ ከለዋ መዓት ኢኻ ትጽውዕ ዘለኻ ማለት’ዩ" ይብል።
ብተወሳኺ "ስሱዓት ኣሰጋገርቲ ሰባት"፡ ብብረት ዝተሰርሓ ጀላቡ ተጠቒሞም ኣብ ንግዲ ስደተኛታት ይወዳደሩ ከም ዘለዉ ይገልጽ።
ሕሱምን ዘይርጉእን ኵነታት ኣየር
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝግበር ምስጋር ወቕታዊ ኰይኑ፡ ዝያዳ ፈተነታት ዝግበረሉ ኣብ እዋን ሓጋይ እዩ።
እንተዀነ ኵነታት ኣየር ዘይግመት ክኸውንን ዕዉት ጉዕዞታት ድማ መዓልታት ክወስድን ይኽእል።
"ህቦብላ እንተተፈጢሩ ወይ ጽንኩር ኵነታት ባሕርታት እንተሃልዩ - እዚ ድማ ምስ ለውጢ ክሊማ ብተደጋጋሚ ክኸውን ዝኽእል’ዩ - ኣብ ልዕሊ ህይወት ኣዝዩ ዝዓበየ ሓደጋ ኣሎ" ይብል ወሃቢ ቃል ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ራያን ሽሮደር።
"ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ኣስገርቲ ሰባት፡ ሕማቕ ኵነታት ኣየር 'ውን ሰባት ናብ ባሕሪ ካብ ምስዳድ ኣይዓግቶምን" ክብል ይውስኽ።
እተን ኣብ ቀረባ እዋን ጽንኩር ኵነታት ባሕሪ እናሃለወ ንጉዕዞ ዝተበገሳን ኣብ ጥቓ ደሴት ላምፔዱሳ ተገልቢጠን ሞት ብዙሓት ስደተኛታት ዘስዓባን መራኽብ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ቦሮውስኪ ከም ዝብሎ ድማ፡ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ምስ ዝህሉ ኣብ ጭንቀት ዝርከባ መራኽብ ንምርኣይ ዝያዳ የጸግም’ዩ።
'ተገዳስነት ዘይብሉ ሸለልትነት' ሃገራት ኤውሮጳ
ፕሮፌሰር ሲጎና፡ ትካል ዶባት ኤውሮጳ ፍሮንቴክስ "ሓፈሻዊ ክትትልን ቴክኒካዊ ደገፍን" ከም ዝህብ ይገልጽ።
ሃገራውያን መንግስታት ድማ መብዛሕትኡ ኣብ ማእከል ማእከላይ ባሕሪ ዝካየዱ ስርሒታት ምድላይን ምድሓንን (ኤስኤኣር) ከም ዘመሓድሩን ስራሕ መራኽብ ዘይመንግስታውያን ትካላት እውን ብቐረባ ከም ዝከታተሉን እቲ ፕሮፌሰር ይሕብር።
ወሃቢ ቃል ራያን ሽሮደ፡ ጻዕርታት ምድላይን ምድሓንን ‘ኤስኤኣር’፡ ከምቲ ካብ 2013 ክሳዕ 2014 ዝነበረ ‘ማሬ ኖስትራም’ ዝበሃል ብጣልያን ዝምራሕ ዓቢ ስርሒት ምድሓን ዝነበሮ "ንጡፍ፡ ኩለመዳያዊ ወይ እኹል ጸጋታት" ከም ዘይብሉ ይጠቅስ።
ወሲኹ፡ ብመሰረት እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት፡ "ክፍተታት ‘ኤስኤኣር’፡ ንጻውዒታት ጭንቀት ምላሽ ኣብ ምሃብን ኣብ ስርሒታት ምድሓን ህይወትን ኣለዉ ዝተበሃሉ ምድንጓያት” ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዘጋጥሙ ዘስካሕክሑ ፍጻመታት ኣበርክቶ ክህልዎም ይኽእል'ዩ ዝብል ስክፍታ ከም ዘለዎ ይዛረብ።
ኣብ ማእከል ማእከላይ ባሕሪ ናይ ህይወት ኣድሕን መራኽብ ዘንቀሳቕሳ ዘይመንግስታውያን ትካላት ዝያዳ ወሰንቲ እየን ነይረን። እቲ መስመር "ብሰንኪ'ቲ ሃገራት ኤውሮጳ ንዓመታት ክኽተልኦ ዝጸንሓ ሸለልትነት ዝመልኦ ፖሊሲ ምዕጋትን ዘይምግዳስን ኣዝዩ ቀታሊ ኰይኑ'ሎ" ይብል ኣተሓባባሪ ርክባት ‘ኤስኦኤስ ሂዩማኒቲ’ ዋሲል ሻውሴል።
ጀርመናዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ሲ-ዋች፡ ሕብረት ኤውሮጳ "ብፍቓዱ መካነ መቓብር ፈጢሩ" ይብል።
ሕብረት ኤውሮጳ ዘዕጠቖን ዘሰልጠኖን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክምለሱ የገድድ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ‘ኤስኤኣር’ ድኽመት ምውህሃድ ከም ዘሎ ይገልጽ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕብረት ኤውሮጳ "ዘይስሩዕ" ስደት ንምንካይ ኣብ ዝገብሮ ፈተነ ምስ ቱኒዝያ ናይ 118 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ ፈሪሙ እዩ።
ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ኤውሮጳ ግን፡ ምስ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ምስራሕ ኣድላዪ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ "ሕጂ'ውን ኣዝዩ ልዑል ቁጽሪ ግዳያት ኣሎ" ማለት "ኣድማዒ ስርሒታት ምድላይን ምድሓንን ንምክያድ ምእንቲ ክኽእሉ፡ ዓቕሚ ሰበስልጣን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብቀጻሊ ምህናጽ ኣገዳሲ'ዩ" ኢሉ።
ዘይመንግስታውያን ማሕበራት’ውን፡ ኣብ ኢጣልያ ዝወጸ ሓድሽ ሕጊ ነቒፈን ኣለዋ።
እዚ ሕጊ፡ መራኽብ ምድሓን ህይወት፡ ሓደ ስርሒት ድሕሪ ምክያደን ኣብ ጭንቀት ዝርከባ ተወሳኺ መራኽብ ስደተኛታት ኣብ ክንዲ ዝደልያ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ርሑቕ ወደባት ክኸዳ ዝጠልብ’ዩ። እዚ ማለት ኣብቲ መብዛሕትኡ ምጥሓል መራኽብ ዘጋጥመሉ ከባቢታት ዝጸንሓሉ ግዜ ዝድርት ከም ዝዀነ እተን ማሕበራት ይገልጻ።
ኢጣልያ፡ እቲ ዕላማ ናብ መላእ እታ ሃገር ንዝመጹ ሰባት ንምብጻሕ ምዃኑ ትገልጽ።
ነቐፍቲ እተን ዘይመንግስታውያን ትካላት እውን፡ ህላወ እተን መራኽብ ምድሓን ህይወት፡ ስደተኛታት ጉዕዞ ንኽጅምሩ ከም ዘተባብዕ ይዛረቡ፤ እተን ዘይመንግስታውያን ትካላት ግን ነዚ ይነጽጋ።
ኣለሻ መፍትሒታት
ወሃቢ ቃል ትካል ዶባት ኤውሮጳ ፍሮንቴክስ ዝዀነ ክሪስ ቦሮውስኪ፡ "ኣብ ባሕሪ ዝፍጸሙ ዘሕዝኑ ፍጻመታት" ደው ኣብ ምባል "ዝሓሸ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና፡ ብሓቂ ድማ ክንሰርሕ ኣለና" ክብል ተኣሚኑ።
ወሲኹ "ሓባራዊ ፍታሕ" ክወሃብ’ውን ጸዊዑ።
ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ሽሮደር ብወገኑ፡ ኩሉ ጻዕርታት "ኣብ ምድሓን ህይወትን ሰባት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ዝግደዱሉ ምኽንያታትን ዘተኮረ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ።
ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታትን ካልኦት ትካላት ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተዋደደ ኤውሮጳዊ ስርሒታት ምድላይን ምድሓንን ክካየድ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ባሕሪ ንዝፍጠር ሞት ንምክልኻል ውሑስ ሕጋዊ መንገድታት ስደትን ዑቕባን ክህሉ ጸዊዐን።
ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ምውህሃድ ‘ኤስኤኣር’ ንምዕባይ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ "ሰፊሕ" ምዃኑ ገሊጹ።
ነቶም ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ብምዕጋትን ሰባት ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝመጹሉ ውሑስ መገድታት ብምምዕባልን፡ "ንንግዲ ናይቶም ኣሰጋገርትን ነጋዶን" ንምስባር ይስራሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ "ስራሕና ንምሕያል ህጹጽነት" ዘጉልሐ "ካልእ ጻውዒት ስጉምቲ" ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ።