ላምፔዱሳ፡ 41 ስደተኛታት ብሰንኪ ሓደጋ ጀልባ ኣብ ሞይቶም

ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ፡ ከባቢ ደሴት ላምፔዱሳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጀልባ 41 ስደተኛታት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተሓቢሩ።

ኣብታ ደሴት ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጀልባ 41 ስደተኛታት ከምዝሞቱ፡ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት’ዮም ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሮም።

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ኣርባዕተ ሰባት ካብ ቱኒዝያ ስፋክስ ኣብ ዝተበገሰት ጃልባ ከምዝነበሩን ናብ ኢጣልያ እናኸደት ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ ከምዝነበሩን ንኣባላት ምድሓን ነብሲ ተዛሪቦም።

እቶም ውፃእ ሓደጋ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ክኾኑ ከለዉ፡ ሰለስተ ህጻናት ዝርከብዎም 45 ሰባት ኣብታ ጃልባ ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

እቶም ብህይወት ዝተረፉ ስደተኛታት ዜጋታት ኣይቮሪኮስትን ጊኒን ኰይኖም ሎሚ ረቡዕ’ዮም ናብ ላምፔዱዛ በጺሖም።

ጃልባኦም፣ ሓሙስ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ከተማ ስፋክስ ከምዝተበገሰትን ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ከምዝጠሓለትን ኣረዲኦም።

ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ብዝነበሩ ኣባላት ከም ዝደሓኑ ዝተዛረቡ እቶም ውጻእ-መዓት ብድሕሪኡ ናብ መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ከም ዝተሰጋገሩ ሓቢሮም።

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብቲ ከባቢ ክልተ መራኽብ ከምዝጠሓላ ብሰንበት'ኳ እንተገለጸ፡ እዛ መርከብ ግን ሓንቲ ካብኣተን ምዃና ንጹር ኣይኮነን።

ካብ ላምፔዱዛ ኣስታት 130 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ስፋክስ ኣብ ኣውሮጳ ውሕስናን ዝሓሸ ህይወትን ንዝደልዩ ስደተኛታት ቀንዲ መሰጋገሪት ኣፍደገ ከምዝዀነት ሰብ መዚ ቱኒዝያ ይገልጹ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ጀላቡ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያን ጕጅለታት ግብረሰናይን ናብ ላምፔዱሳ ዝኣተዉ ካልኦት 2000 ሰባት ኣድሒኖም ነይሮም።

ቱኒዝያ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ሰፊሕ ዓሌታውነት ከምዝተራእያን ስደተኛታት ብጃልባ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ዝገብርዎ ፈተነታት እናወሰኸ ከምዝመጸን ይፍለጥ።