ሊብያ፡ ወዲ ሙዓመር ጋዳፊ ኣብ ምርጫ እታ ሃገር ከይወዳደር ተኣጊዱ

ወዲ መራሒ ሊብያ ነበር ሙዓመር ጋዳፊ ኣብቲ እታ ሃገር ብ 24 ታሕሳስ 2021 እተካይዶ ፕረዘዲንታዊ ምርጫ ከይወዳደር ተኣጊዱ።

ኮሚሽን ምርጫ ናይ ሳይፍ ኣል-ኢስላም ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ተወዳደርቲ ጥርዓን "ብሕጋዊ ምኽንያታት" ብዝብል ከም ዝነጸጎ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ጸብጺበን።

ሰይፍ ኣል-ኢስላም ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ ምስ ገለጸ ኣዘራራቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።

ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝድለ ሰይፍ ኣል-ኢስላም ገበናት ኲናት ከም ዝፈጸመን ኣቦኡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሰባት ከም ዝቐተለን ይኽሰስ።

ብዘይካ'ዚ እቲ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኣመሪካ ክሲ ዝተመስረተሉ ሓደ ካብ ጎይቶት ኲናት ሊብያ ዝኾነ ከሊፋ ሃፍጣር'ውን ኣብቲ ምርጫ ከም ዝወዳደር ምግላጹ ኣዘራራቢ ኮይኑ እዩ።

ከሊፋ ካብ መንጎ እቶም ጥርዓኖም ዝተነጸገ እንተኾይኑ ግና ዛጊት ዝተፈለጠ ነገር የሎን።

ወተሃደራዊ ኣኽባሪ ሕጊ ናብ ኮሚሽን ምርጫ ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፡ ሰይፍ ኣል-ኢስላምን ከሊፋ ሃፍጣርን ነቲ ቀሪቡሎም ዘሎ ክሲ ምላሽ ክሳብ ዝህቡ እቲ መስርሕ ምምዝጋብ ናይ ክልቲኦም ደው ክብል ሓቲቱ ነይሩ።

ኣብቲ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክተካይድ ወጢናቶ ዘላ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምውድዳር 60 ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።

ጓል 46 ዓመት ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ለይላ በን ከሊፋ እንኮ ኣብቲ ምርጫ እትወዳደር ጓል ኣንስተይቲ እያ።