እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሊብያ: ዕጡቓት ንምፍታሕ ሓደ እሱር ድሕሪ ምጥላቦም ቀረብ ማይ ተቋሪጹ
ሓላፊ ስለያ ሙዓማር ጋዳፊ ዝነበረ ዓብዱላህ ኣል ሰኑሲ ካብ ማእሰርቲ ንኽፍታሕ ዝጠልቡ ዕጡቓት ሊብያውያን ንበዓልመዚ ቀረብ ማይ ድሕሪ ምፍርርሖም፡ ዝዓበየ ክፋላት ምዕራብን፡ ደቡባዊ ምዕራብን ሊብያ ብዘይ ቀረብ ማይ ምህላው ተገሊጹ።
እቲ ንመላእ እታ ሃገር ጽሩይ ማይ ዝቕርብ በዓልመዚ 'ግሬት ማን ሜድ ሪቨር' ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዕጡቓት ናብቲ ማእከል ድሕሪ ምእታዎም፡ ናብቲ ዞባ ዝኸይድ ዋሕዚ ደው ኣቢልዎ ምህላው ኣፍሊጡ።
እቶም ዕጡቓት፡ ሓላፊ ስለያ ስርዓት ሙዓማር ጋዳፊ ነበር ዓብዱላሂ ኣል ሰኑሲ እንተዘይተፈቲሑ፡ ነቲ ማእከል ክፍንጅርዎ ምዃኖም እዮም ኣጠንቂቖም።
በቲ ኣብ ሊብያ ዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ ጋዳፊ ድሕሪ ምቕታሉ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ 2015 ንሞት ተፈሪዱ ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ዓብዱላሂ ኣልሰ ሰኑሲ ንሙዓማር ጋዳፊ ዘምኡ እዩ።
እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ናይ መስኖ ፕሮጀክት ምዃኑ ዝግለጽ፡ 'ዘ ግሬት ማን ሜድ ሪቨር' ብትሕቲ ምድሪ ብዝተዘርግሐ መርበብ ትቦታት፡ ጽሩይ ማይ ካብ ካብ ምድረበዳ ሰሃራ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዘብጽሕ እዩ።