ጉጅለ ዕሱባት ወተሃደራት ሩሲያ ዋግነር፡ ወዱ ንቃዛፊ ሰይፍ ኣል-ኢስላም ንክእሰር ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

ኣኽበርቲ ሕጊ ሊብያ ወዲ መዓመር ጋዳፊ ሰይፍ ኣል-ኢስላም ጋዳፊ፡ ምስ ሩስያውያን ዕሱባት ወተሃደራት ርክብ ከም ዘለዎ ስለ ዝተጠርጠረ ንክእሰር ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም።

ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ እቲ ኣብ ሊብያ ዝነጥፍ ዘሎ ዕሱብ ጉጅለ ወተሃደራት ዋግነር ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እታ ሃገር ዝተፈጸመ ገበናት ኲናት ምትእስሳር ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ሩስያውያን ዕጡቓት፡ ኣብ 2019 ምስ ጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ኮይኖም ኣንጻር ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኣብ ትሪፖሊ ዝነበረ መንግስቲ ክዋግኡ ኣብ ሊብያ ተራእዮም።

እቲ ግጭት ግን ኣብ ጥቅምቲ 2020 እቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምስ ተፈረመ ኣብቂዑ።

ጉጅለ ዋግነር፡ ኣብ 2014 ነቶም ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ካብ ሩስያ ክፍለዩ ንዝደልዩ ዕጡቓት ደገፎም ክህቡ ምስ ተሰለፉ እዮም ተፈሊጦም።

ካብኡ ንደሓር፡ ኣብ ሶርያ፣ ሞዛምቢክን ሱዳንን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ሽሞም ይለዓል።

እቲ ናይ ንሰይፍ ኣል-ኢስላም ጋዳፊ ናይ ምእሳር ትእዛዝ ብ5 ነሓሰ ብኣኽባር ሕጊ መሓመድ ጋሩዳ ናብ ኣካላት ጸጥታ ሊብያ ብቐጥታ ተዘርጊሑ እኳ እንተነበረ፡ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ምስ ተቓልሐ እዩ ናብ ህዝቢ ተዘርጊሑ።

ሰይፍ ኣል-እስላም ጋዳፊ መን እዩ?

ጋዳፊ ምስ ሩስያ ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ካብ ዝጥርጠር ነዊሕ ገይሩ እዩ ።

ቅድሚ እቲ ብ2011 ዝተላዕለ ናዕቢ፡ ነቲ ኣብ ሊብያ በብቝሩብ ዝቕልቀል ዝነበረ ናይ ለውጢ ተስፋ፡ ብሰይፍ ኣል እስላም ጋዳፊ ከም ዝውክል እዩ ዝእመን ነይሩ።

መዓመር ጋዳፊ ካብ 1969 ኣትሒዙ እዩ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ።

ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ብሉጽ ቤት ትምህርቲ ስነ ቝጠባ ዘጽንዕ ዝነበረ ጽፉፍ ቋንቋ ኢንግሊዝ ዝዛረብ ሰይፍ ኣል እስላም ንነዊሕ እዋን ሓደ ካብቶም ኣብታ ሃገር ጽልዋ ከሕድርን ንኣቦኡ ተኪኡ ክመርሕ ዝኽእል ሰብ እዩ ዝብል ግምት ነይሩ።

ይኹን እምበር ኣብ መጀመርታ 2011 ኣብ ሊብያ ኣንጻር መንግስቲ ዝቐንዐ ተቓውሞታት ምስ ተላዕለ ቃዛፊ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ደማዊ ግጭት ብምክያድ ነቲ ኵነታት ኣብኢሱዎ።

እቶም ዝተረፉ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኣብ መወዳእታ ተቐቲሎም ገሊኦም ከኣ ካብታ ሃገር ሃዲሞም።

እዚ ክኸውን ከሎ ሰይፈ ኣልኣሳድ ጋዳፊ ኣብ መወዳእታ 2011 በቶም ተቓወምቲ ተታሒዙ።

ናብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ትሪፖሊ እትርከብ ከተማ ዚንታን ተወስደ። እቶም ንሽዱሽተ ዓመት ዝሓዝዎ ሚሊሻ ከኣ ኣብ መወዳእታ ነጻ ሰዲዶሞ።

ብ2011 ሰይፈ ኣል እስላም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ንተቓወምቲ ብምቕታሉ ብሞት ክቕጻዕ ፈሪዱዎ።

ከምኡ'ውን ኣብ እዋን እቲ ዕግርግር ብዝፈጸሞ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ብኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ገበን (ICC) ይድለ እዩ።

ሰይፍ ኣል-ኢስላም ጋዳፊ ንነዊሕ ዓመታት ካብ ዓይኒ ህዝቢ እኳ እንተተኸወለ ዝሓለፈ ሓምለ ምስ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ናብ ፖለቲካ ክምለስ መደብ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ምንጭታት ከም ዝሕብሩዎ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዚንታን ተሓቢኡ ክኸውን ይኽእል እዩ ።

ሰይፈ ኣል እስላምን ሩስያን

ቢቢሲ ነቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዝነበረ ስርሒታት ጉጅለ ዋግነር ብዝምልከት መርመራዊ ሰነዳዊ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ዝረኸቦም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ጸጥታ ሰይፈ ኣል-ኢስላምን ጋዳፊ ምስ ሞስኮ ገና ድልዱል ርክብ ከም ዘለዎን ሩስያ ኣልእስላም ንሊብያ ክመርሓ ከም እትደልን ከም ቀዳማይ ፖለቲካዊ ሕጹይ ከምእትርእዮ ሓቢሮም።

እቶም ሰበስልጣን ጸጥታ፡ ማክሲም ሹጋለይ ዝተባህለ ሩስያዊ ዜጋ፡ ኣብ ግንቦት 2019 ብስለያ ተኸሲሱ ኣብ ትሪፖሊ ምስተታሕዘ ኽምርምርዎ ጸኒሖም እዮም ።

ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ሃብታም ነጋዳይ ነበር የቭገኒ ፕሪጎዚን ይዓዪ ከም ዝነበረን ኣብቲ ጀነራል ሓፍታር ዝዋግኣሉ ዝነበረ እዋን ከኣ ንሰይፈ ኣል-ኢስላም መራሒ ሊብያ ንምግባሩ ጥሙሕ ከም ዝነበረን ይኽሰስ።

ሚስተር ሹጋለይን እቲ ብዓረብ ዘተርጉመሉ ዝነበረ ሓቢሩዎ ዝተኣስረን ክልቲኦም ኣብ ፈለማ 2020 ተፈቲሖም እዮም።

ሚስተር ሹጋለይን ኣብ ሊብያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ሰይፈ ኣል-ኢስላም ጋዳፊ ብኣካል ተራኺቡ ነይሩ።

ሚስተር ሹጋለይን ምስ ተኣስረ ሩስያ፡ ኣል እስላም ጋዳፊ "መድሓኒ ሊብያ" ከም ዝኾነ ከምኡ እውን ሚስተር ሹጋለይ "ናይ ሩስያ ጅግና" ምዃኑን ዝገልጽ ክልተ ፊልምታት ኣዳልያ ኣብ ዩትዩብ ዘርጊሓቶ።

ሓደ ሊብያዊ ኣባል ጸጥታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ሩስያ በቲ ዝሓሰበቶ ተዓዊታ እንተትነብር፡ ሳይፍ [ኣል-ኢስላም] ጋዳፊ ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ዝርከብ ውሩይ ኣደባባይ ሰማእታት ናይ ዓወት መደረ ምሃበ ነይሩ" ኢሉ።

ሊብያ- ንዓሰርተ ዓመት ብህውከት ዝተሓመሰት ሃገር

ብ2011 መዓመር ቃዛፊ ካብ ስልጣን ወረደ። ሙዓመር ጋዳፊ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝተኸስተ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ተኣልዩ።

ካብ ሃገር ክሃድም እኳ እንተ ፈተነ ግን ኣይሰለⶏን ተማሪኹ ተቐትለ።

እቶም ብዙሓት ተቓወምቲ ናይታ ሃገር፡ ድሕሪ 2014፡ ከም ናይ ምብራቕን ምዕራብን ክልተ ተወዳደርቲ ጕጅለታት ኮይኖም።

ኣብ ሚያዝያ 2019፡ ንትሪፖሊ ንምቁጽጻር ኣብ እተገብረ ጕዕዞ መራሒ ምብራቓውያን ሓይልታት ዝነበረ ጀነራል ሓፍታር ንትሪፖሊ ይግስግስ ነበረ።

እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ግን ኣብ ሊብያ ይገዝእ ነይሩ።

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣጽዋር እገዳ ኣብ ሊብያ ጸኒዑ እንከሎ፡ ክልቲኦም ወገናት ካብ ዝተፈላለዩ ዞባዊ ሓይልታት ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ደገፍ ይረኽቡ ኣለው።

ኣብ ጥቅምቲ 2020 ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተፈራሪሞም።

ብድሕሪኡ ኣብ መጀመርታ 2021 ሓድሽ ናይ ሓድነት መንግስቲ ተመሪጹ።

ነቲ ህዝቢ ኣብ ታሕሳስ ናብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ከብጽሖ ምሒሉ። ብዙሓት ወጻእተኛታት ተዋጋእትን ዑሱባትን ካብ ሊብያ እኳ እንተወጽኡ ግን ሕጂ እውን ገና ኣሽሓት ተሪፎም ኣለዉ።