እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ሽርክና ህወሓትን ኦነግ-ሸኔን ሓድሽን ዘደንቕን ኣይኮነን - ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር
ኦነግ ሸኔን ህወሓትን ብወግዒ ተሻሪኽና ኣሎና ምባሎም፡ ንመንግስቲ ሓዲሽን ዘደንቕን ነገር ከም ዘይኮነ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊጹ።
ወሃቢት ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ቢልለኔ ስዩም ትማሊ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዝተገብረ ስምምዕ መዓስ ከም ዝመስረቱዎ ክምርመር ዝግበኦ'ኳ እንተኾነ መንግስቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኦነግ ሸኔ ኣዕናዊ ልኡኽ ህወሓት ከተግብር'ዩ ጸኒሑ ክትብል ከሲሳ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ ንርእሱ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ብሰሉስ ምስ ሓይልታት ትግራይ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንክህልዎም ከም ዝተማምዑ ምግላጹ ይዝከር።
መንግስቲ ነዚ ጉጅለ 'ኦነግ ሸኔ' ኢሉ ክጽውዖ እንከሎ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ንህወሓትን ኦነግ ሸኔን ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ክሰፍሩ ብምግባሩ መንግስቲ ኣሸበርቲ ኢሉ'ዩ ዝጽውዖም።
ህወሓት ግና፡ ንመንግስቲ ትግራይ ዝምእዝን ሕጋዊ ሰልፊ ምዃኑ ይገልጽ።
ቢልለኔ፡ እቲ ክልቲኦም ወገናት ዝፈጸሙዎ ስምምዕ ምስክር ሰላምን ርግኣትን ኢትዮጵያ ንምዝራግ ዝገብሩዎ ዘለዎ ምትሕብባር ምስክር እዩ ክትብል እንከላ፡ "ሸኔ ካብ ኦነግ ቅድሚ ምፍላዩ ህወሓት ንብዙሓት መንእሰያት ኦሮሞ ከሳቒ፣ ክቐትልን ከፈናቕን ጸኒሑ፤ መናእሰይ ኦሮሞ ድማ ነዚ ጉጅለ እዚ ይድግፉ'ዮም ኢለ ኣይኣምንን" ኢላ።
'በይናዊ ውሳነ ምቁራጽ ተዅሲ'
ኣብ ቀረባ ግዜ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ መንግስቲ ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ህወሓት ንምድምሳስ ስጉምቲ ክወስዱ መምርሒ ከም ዝሃበ ይፍለጥ።
ኣብቲ መግለጺ ንዓቕመ ኣዳምን ሄዋንን ዝበጽሐ ኩሉ ንህወሓት ንምድምሳስ ናብ ሰራዊት ፌደራልን ሓይልታት ክልልን ክጽንበር ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ይኹን እምበር እቲ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኣወጀ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ምልዓሉን ዘይምልዓሉን ብግልጺ ዝበሎ ነገር የለን።
ቢልለኔ ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ "እቲ ዝቐረበ ሃገራዊ ጻውዒት ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያን ህወሓት ነዛ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ዘይምርግጋእ ንከይወስዳ ንምክልኻል ዝቐረበ ጻውዒት እዩ" ክትብል ሓጺር መልሲ ሂባትሉ።
"ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብዚ ኣህጉር ሓያል ምንባሩ ይፍለጥ እዩ። እቲ ጻውዒት ኣብ ዓቕሚ ሰብ ሰራዊት ኮነ ብቕዓቱ ዘጋጠመ ጸገማት ኣሎ ድዩ?" ዝብል ሕቶ እውን ቀሪቡ ነይሩ።
ንሳ፡ እቲ ሃገራዊ ጻውዒት ምስ ብቕዓት ሰራዊት ዘራኽቦ የብሉን። እቲ ጻውዒት ልዑላውነት ሃገርን ድሕነት ዜጋታትን ንምሕላው ዝቐረበ እዩ ክትብል መሊሳ።
"ህወሓት ኣብዚ ኵናት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት የሳትፍ ኣሎ። እቲ ሲቪል ንብረት ይዘምት፣ የዕኑ፣ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝተደፍራ ደቀንስትዮ ከም ዘለ ሓበሬታ በጺሑና ኣሎ። ስለ ዝኾነ ንኸምኡ ዓይነት ተግባር ንምክልኻል ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ጻዕሪ ይሓትት" ኢላ።
ብኻልእ ወገን እዞም ጉጅለታት ኣብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ወከልቲ ስለ ዘለውዎም፡ እዚ ሃገራዊ ጻውዒት ኣብ ሕብረተሰብ ንቕሓት ክፈጥርን ነቲ ኩነታት ንኽርድእዎ ዝሕግዝን'ዩ ክትብል መብርሂ ሂባትሉ።
ኣብ ክልል ዓፋር ብዛዕባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ
ብሰኑይ፡ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ቀበሌ ጋሊኮማ ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዝተዓቝቡሉ ሕክምናን ቤት ትምህርትን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ፡ ናይ ረድኤት እኽሊ ዝተኣከበሉ መኽዘን ከም ዘዕነወን መንግስቲ ይኸስስ።
ነዚ ስዒቡ ኣብቲ ክልል ናይ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ሓዘን መዓልታት ከም ዝኣወጀ ቢልለኔ ተዛሪባ።
"ህወሓት ድሕሪ ውሳነ በይናዊ ምቛም ተዅሲ ናብ ክልል ዓፋርን ክልል ኣምሓራን ብምታው ሰባት ቀቲሉ፣ ንብረት ዘሪፉ ደቂ ኣንስትዮ ዓሚጹ" ኢላ ብምኽሳስ በዚ ምኽንያት ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ተፈናቒሎም ኢላ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ሬዳ ብመገዲ ትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መገለጺ ግን ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር መጥቃዕቲ ፈጺሞምዎ ንዝተባህለ ክሲ ነጺጎዎ።
ንሱ ብተወሳኺ፡ ሓይልታት መንግስቲ ብ 5 ነሓሰ 2021 ኣብ ልዕሊ ወታሃደራቶም፡ ጋሊኮማ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ መጥቃዕቲ ከፊቶም ከም ዝነበሩን "ንጽጉማት ዝተዳለወ ቐረብ ዝሓዘ መኽዘን መንግስቲ ኣቃጺሎም ከይዶም'' ክብል ንመንግስቲ ከሲሱ።
ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቓዕቲ ንምጽራይ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢሮም ክሰርሑ ፍቓደኛታት ከም ዝኾኑ ኣፍሊጡ'ዩ።
እዞም ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮም እትገልጽ ቢልለኔ፡ መንግስቲ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ቐረባት መግብን ኣፋውስን ምግብን ካልእ ሃለኽትን የቕርብን ምስ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብምርድዳእ ካልእ ሓገዛት ንምቕራብ ይሰርሕ ከም ዘሎን ተዛሪባ።
ብዛዕባ ዝተኸልከሉ ትካላት ወሃብቲ ረድኤት
ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ሰለስተ ኣህጉራዊ ትካላት ረድኤት ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ብምጥሓሶም ካብ ስርሖም ከም ዝተኣገዱ መንግስቲ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እቶም ትካላት ኤም ኤስ ኤፍ ሆላንድ፣ ኖርዌጂያን ሬፊዩጂ ካውንስል ን ኣልማክቱም ፋውንዴሽን ዝተባህሉ እዮም።
መንግስቲ ነተን ትካላት ዝኣገደሉ ምኽንያት ክሕብር እንከሎ እተን ትካላት ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ይዘራረባ ከም ዘለዋ እውን ተሓቢሩ ነይሩ።
ነታ ፕሬስ ሴክሬታሪ እተን ትካላት እቲ ዝተነብረለን ናይ ሰለስተ ወርሒ ይለዓለለን'ዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ ቀሪቡላ ነይሩ።
ንሳ ከኣ "እተን ትካላት ምስ ሚኒስትር ሰላም ከም ዝተዘራረባ እፈልጥ እየ። እቲ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ድርጅታት ኤጀንሲ ምስ መንግስቲ ምስ ዝሰርሑ ትካላት ተዘራሪቦም ኣለው። ብዛዕባ እቲ ምልዓል እገዳ ግን ኣብ ዝርርቦም ዝተሞርኮሰ እዩ ዝኸውን" ክትብል መሊሳ።