ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከባ መዓስከራት ኤርትራውያን ስደተኛታት በጺሐ ኢሉ

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ናብተን ንኣርባዕተ ሰሙናት ደሃይ ክረኽብ ከም ዘይከኣለ ክገልጸን ዝጸንሐ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቚበን ዝርከባ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲሓሩሽን ክበጽሕ ከም ዝኸኣለ ገሊጹ።

ትማሊ ኣብ ጄኔቫ ጋዜጣዊ መግለጸ ዝሃበ ኣፈኛ እቲ ትካል ቦሪስ ቸሺርኮቭ፡ ካብ 5 ነሓሰ 2021 ጀሚሩ ነቶም ኣብ ክልቲኡ መዓስከራት ዝርከቡ 23 ሽሕ ስደተኛታት ረድኤት ምብጻሕ ከም ዝጀመረ ሓቢሩ።

እንተኾነ ብሰንኪ "ዝተሓላለኸን ተኣፋፍን ኩነታት ጸጥታ እቲ ተኸፊቱ ዘሎ ኣፍ ደገ ድሩት ምዃኑን እቶም ስደተኛታት ንጽንኩር ኩነታት ተቓሊዖም" ከም ዘለውን ተዛሪቡ።

"ከም ሕክምና ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት የሎን፤ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ የንቆልቁል ኣሎ" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ ነቶም ኣብ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ስደተኛታት ናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተመስረተ ሓድሽ መዓስከር ኣለምዋጭ ንምግዓዝ ምእንቲ ክከኣል ውሑስ መገዲ ክኽፈት ጸዊዑ።

እቲ ትካል ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ 13 ሓምለ 2021 ጀሚሩ ናብተን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከባ መዓስከራት ሰራሕተኛታቱ ከንቀሳቕስ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰሙናት ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ብውሕዱ ሓደ ስደተኛ ኣብ ውሽጢ መዓስከር ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ከም ዝተቐትለ ዝገልጽ "ኣሻቓልን ዘእመንን ጸብጻብ በጺሑና ኣሎ" ክብል ትካል ስደተኛታት ሓቢሩ ነይሩ።

መንግስቲ ኣመሪካ'ውን ብጸብጻባት ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን [ህወሓት] ዝምድና ዘለዎም ወተሃደራዊ ሓይልታትን ምልሻ ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ከም ዘሻቐላ ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም መጥቃዕትን ምፍራራሕን ደው ክብል ጸዊዑ።

ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፣ ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ፈጺሞም ክብል ንጸብጻብ ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ብምጥቃስ ከሲሱ።

ነዞም ጸብጻባት ኣመልኪቱ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ ምፍንቓል ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕትን ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎም ብምሕባር ሓይልታት ትግራይ ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ሓላፍነቶም ከም ዝርድኡ ገሊጾም ነይሮም።

እንተኾነ፡ "እቶም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ዝተፈጸሙ ኩሎም ገበናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመርሖ ዘይሻራዊ ኣካል ከጻርዮም ከኣ ንጽውዕ" ኢሎም"ዮም።

ነቶም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ንምውሳድ እንታይ ይግበር ኣሎ

ነቶም ስደተኛታት ዝሓሸ ሰላም ናብ ዘለዎም ከባቢታት ንምግዓዝ ናይ ህጹጽ እዋን ትልሚ ተዳልዩ ከም ዘሎ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

እቶም ኣብ ማይ ጸብሪ፡ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ስደተኛታት ናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከተማ ዳባት ዝህነጽ ዘሎ መዓስከር ክግዕዙ ምዃኖም እቲ ትካል ሓቢሩ።

እቲ ኣብ 91 ሄክታር መሬት ዝህነጽ መዕቆቢ 25 ሽሕ ስደተኛታት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ከም ዝህልዎ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ።

ዛጊት 126 ስደተኛታት ናብቲ ሓድሽ መዓስከር ኣቲዮም ከም ዘለውን፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ይቐርበሎም ከም ዘሎ ወሃቢ ቃል ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ኢትዮጵያ ነቨን ከርቨንኮቪክ ሓቢሩ፡፡

ብዘይካ'ዚ እቲ ትካል ምስ ኤጀንሲ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን (ኣራ) ብምትሕብባር ካብ 4 ነሓሰ ጀሚሩ ነቶም ካብ መዓስከራት ሽመልባን ህጻጽን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃደሙ ስደተኛታት ግዝያዊ ወረቐት መንነት ክዕድል ከም ዝጀመረ ሓቢሩ።

"እቲ ንሰለስተ ዓመት ዘገልግል ወረቐት፡ እቶም ስደተኛታት ሓገዛት፣ ኣገልግሎታትን ከለላን ክረኽቡ ከኽእሎም እዩ" ኢሉ እቲ ኣፈኛ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት።

ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

ኣስታት 100 ሽሕ ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብምኽንያት ፖለቲካን ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝርከቦም ምኽንያታት ኣብ ክልል ትግራይ ተዓቚቦም ጸኒሖም።

ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ምስ ተወለዐ ኣብ መዓስከራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝወደቑ ይፍለጥ።

ብፍላይ እተን ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ትግራይ ተደኲነን ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕንጻጽን ኣብቲ ኲናት ፍጹም ስለ ዝዓነዋ ልዕሊ 21,000 ነበርተን ግዳይ ቅትለት፣ ጭውያ፣ ምብትታንን ኮይኖም ምህላዎም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

ኣስታት 9,000 ካብኦም ናብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ከም ዝገዓዙ መግለጺ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ይጠቅስ።

ካልኦት ልዕሊ 5200 ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተመዝጊቦም ከም ዘለዉ'ውን ተሓቢሩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 50,000 ካልኦት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቚብሉ መዓስከር ከም ዘሎ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ንሶም'ውን ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ከም ዘለው ይግለጽ።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 200,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ጸብጻባት እቲ ትካል የረድኡ።