እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወዲ መራሒ ሊብያ ነበር ሙዓመር ጋዳፊ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር እዩ
ወዲ መራሒ ሊብያ ነበር ሙዓመር ኣል-ጋዳፊ ኣብቲ እታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ወርሒ እተካይዶ ቀጥታዊ ፕረዚደንታዊ መረጻ ክወዳደር ተመዝጊቡ።
ንኣቡኡ ክትክእ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ሳይፍ ኣል-ኢስላም ጋዳፊ፡ ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝተወለዐ ተቓውሞ ንምብታን ዝተወሰደ ጭካነ ዝተመለኦ ስጉምቲ ብምድጋፉ ምስሉ ተበላሽዩ እዩ።
ድሕሪ እቲ ኣብ 2011 ዝተወለዐ ናዕቢ እታ ሃገር ብጎንጺታት ክትሕመስ እያ ጸኒሓ።
ተሓለቕቲ መሰላት እቲ 24 ታሕሳስ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ መረጻ ናጻን ፍትሓውን ኣይክኸውንን ዝብል ስግኣት ኣለዎም፡፡
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓያላት ሃገራትን እውን ነቲ መረጻ ንምትዕንቓፍን ውጽኢት ንምትላልን ኣብ ልዕሊ ዝፍትን ዝኾነ ኣካል ማዕቀብ ከንብሩ ምዃኖም ኣጠንቂቖም ኣለዉ፡፡
ድሮ ሰይፍ ኣል-ኢስላም ጋዳፊ ኣብ ቅድሚ ነቲ መረጻ ንምፍላጥ ዝተለጠፈ ስእሊ ኮፍ ኢሉ ናይ መረጻ ወረቓቕቲ እንትፍርም ዘርእይ ቪድዮታትን ፎቶታትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይዘውር ኣሎ።
ድሕሪ ምእላይ ጋዳፊ ንሱ እውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሚልሻታት ወዲቑ ነይሩ፡፡
ሞት ተፈሪድዎ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስጸነሐ ድማ እቲ ፍርዲ ተቐይሩ፡፡ እንተኾነ ሕዚ እውን ብዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ይድለ እዩ፡፡
ሳይፍ ኣል-ኢስላም ናብ መረጻ ምቕራቡ ኣብታ ሃገር ዝተኸፋፈለ ርእይቶታት ከምዘስዓበ እያ ኣባል ቢቢሲ ሞኒተሪንግ ዝኾነት ኣሚራ ፋታላ እትገልጽ፡፡
ኣብ ሊብያ ዘጋጠሙ ነገራት ስለዘይተረስዑ ናይ ምዕዋት ዕድሉ ዝነኣሰ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኢዲተር ቢቢሲ ሚድል ኢስት ሰባሰትያን ኣሸር ብግዲኡ፡ ናሃቱ ምውድዳር ነገራት ብዝገደደ ክተሓላልኾም ከምዝኽእል ይገልጽ፡፡
ድሕሪ ናይ ዓመታት ኲናት ሕድሕድ ብመሰጋገሪ መንግስቲ እትመሓደር ዘላ ሊብያ፡ ሕዚ እውን ዝተረጋገዐ ፖለቲካ የብላን፡፡
ኣብ ሕግታትን መዓልቲ መረጻን አመልኪቱ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሰልፊታት ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ነቲ መረጻ ከየተዓናቕፎ ተሰጊኡ ኣሎ፡፡
ኣንጻር እቲ ብውደብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ዝቃለስ ዝነበረ ጀነራል ከሊፋ ሃፍጣር፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብዱልሓሚድ ኣል-ድቤይባህን ኣፈ ጉባኤ ኣጕላ ሳልሕን ካልኦት ተነሓናሕቲ እቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ እዮም፡፡