እስራኤል፡ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ መዓስከራት ሕዝቦላህ ብነፈርቲ ደብዲባ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ መዓስከራት ሕዝቦላህ ብነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ናብ እስራኤል ዘቕነዐ ምንቅስቃስ ሚሳኤላትን ሮኬታትን ምስ ኣስተብሃለ ነቲ ደብዳብ ከምዘካየዶ ገሊጹ ኣሎ።
ውሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ነቲ ዘሎ ስግኣታት ንምውጋድን ብነብሰ ምክልኻልን ንዒላማታት ግብረሽበራውያን ኢና ኣጥቂዕና” ኢሉ።
እስራኤል ኣቐዲማ ሰለማውያን ሰባት ከብቲ ዕጡቓት ሕዝቦላህ ዝንቀሳቐስሉን ስርሒታት ዘካይድሉን ከባቢ ክእልዩ ከምዘጠንቀቐት’ያ ትግለጽ።
ዕጡቓት ሕዝቦላህ ብኢራን ከምዝድገፉ ዝግለጹ ሽዓ ሙስሊም’ዮም።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዕላማታት ሕዝቦላህ ደብዳብ ከምዘካየደት ምስ ገለጸት፡ ዕጡቓት ሕዝቦላህ ብወገኖም፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብእስራኤል ዝተቐተለ ላዕለዋይ ሓላፊኦም ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሓያለ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ገሊጾም።
ናብ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብ መላእ ሰሜን እስራኤል ሮኬታት ይመጽእ ከምዘሎ ዝሕብር ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ከምዝተሰምዐ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሕዝቦላህ “ልዕሊ 150 ተወንጨፍቲ ካብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ቶኵሶም” ኢሉ።
ሕዝብላህ ከኣ በዚ ቀዳማይ ገጽ መጥቃዕቲ ኢሉኢ ዝገለጾ ናብ 11 ወተሃደራውያን መዓስከራት እስራኤል ዕላማ ዝገበረ 320 ሮኬታት ከምዝወንጨፈ'ዩ ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ እስራኤል ብወገኑ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮቭ ጋላት ነቲ ኩነታት ካብቲ ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከብ መዓስከር ሚኒስትሪ ምክልኻል ኮይኑ ይከታተሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ብወገን እስራኤል ይኹን ብወገን ሕዝቦላህ ዝወረደ ሞት ይኹን መቁሰልቲ እንተሃልዩ ክሳብ ሕጂ ኣይተሓበረን ዘሎ።
![ነፋሪት ውግእ እስራኤል [ናይ ቅድም ስእሊ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/f16e/live/922bff50-6299-11ef-8c32-f3c2bc7494c6.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ ፡ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሕዝቢላህ ዝኾነ መሓመድ ኒማህ ናስር ከምዝቐተለቶ ይዝከር።
ሕዝቦላህ፡ ኣብቲ እዋን ንቅትለት መራሒኡ ሕነ ንምፍዳይ፡ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከራት እስራኤል 100 ሮኬታትን ሚሳይላትን ከም ዝወንጨፈ ተገሊጹ ነይሩ።
እስራኤል ንመሓመድ ኒማህ ናስር፡ ብዙሓት “መጥቃዕትታት ግብረሽበራ” ብምውዳድን ነቲ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ሊባኖስ መጥቃዕትታት ሮኬት ዝፍጽም ኣሃዱ ዓዚዝ ብምምራሕን’ያ ትኸሶ ነይራ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ጸጥታ እታ ሃገር የካይድ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።
እስራኤል ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ሓማስ ኵናት ካብ እትእውጅ ኣትሒዛ ምስቶም ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሮም ዕጡቓት ሕዝቦላህ ተደጋጋሚ ምልውዋጥ ቶዅሲ ከተካይድ ጸኒሓ’ያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







