ኲናት ቓዛ፡ ሓድሽ እማመ ሰላም ኣመሪካ እንታይ ዝሓዘ እዩ?

ኣንቶኒ ብሊንከንን ቤንጃሚን ነታንያሁን ኣብ እየሩሳሌም ተራኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እስራኤል ነቲ ብ19 ነሓሰ ዘቕረቦ እማመ ሰላም ድሕሪ ምቕባላ፡ ሓማስ እስራኤልን ነቲ ኣብ ቓዛ ዘካይድዎ ዘለው ኲናት ኣብ ውሽጢ መዓልታት ተዅሲ ደው ከብሉ ከምዝኽእሉ ኣሚቱ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ቓዛ ክካየድ ዝጸንሐ ተጻብኦታት ደው ምባልን እቶም ሓማስን መሻርኽቱን ዝዀኑ ዕጡቓት ጕጀለታት ፍልስጤም ኣብ ጥቅምቲ 2023 ናብ ከባቢታት ደቡብ እስራኤል ጥሒሶም ብምእታው ዝማረኽዎም ጅሆታት ምምላስን ዘጠቓልል እዩ።

ኣመሪካ፡ ነቲ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ስምምዕ ከይሰማምዑ ዝዓግት ማሕንቘታት ንምብዳህ ኣብቲ፡ “መሰጋገሪ እማመታት” ተባሂሉ ዝተገልጸ ውጥን ክትሰርሕ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።

እቶም ቀንዲ ነጥብታት ውጥን ኣመሪካ እንታይ እዮም?

ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ ብሊንከን ኣብ እስራኤልን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን - ግብጺን ቐጠርን ዝበጽሐ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ግንቦት ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝተቐመጠ ውጥን መሰረት ዝገበረ ስምምዕ ሰላም ንምትግባር ይደፍእ ኣሎ።

እቲ እማመ ኣብ ስለስተ ምዕራፋት ዝትግበር እዩ፤

እቲ ቀዳማይ ገጽ፡ ንሽዱሽተ ሰሙን ዝጸንሕ "ምሉእ ብ ምሉእን ተዅሲ ደው ምባል"፡ ምስሓብ ሓይልታት እስራኤል ካብ ኵሉ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ቓዛ፤ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣረጋውያን፡ ሕሙማትን ውጉኣትን ዘጠቓልል ምልውዋጥ ገለ ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ተኣሲሮም ዘለዉ ፍልስጤማውያን እሱራት ምልቃቕ ክኸውን እዩ።

ሓደ ጅሆ ተታሒዙ ዝነበረ ህጻን ኣብ ሕዳር 2023 ናብ እስራኤል ተመሊሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሕዳር 2023 ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ 105 ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ናብ እስራኤል ክምለሱ እንከለዉ ልዕሊ 100 ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ከምዘለዉ ይእመን

እቲ ካልኣይ ገጽ፡ ምልቃቕ ኵሎም ጅሆታት ኰይኑ፡ "ቀዋሚ ምቍራጽ ተጻብኦታት" ክስዕቦ እዩ።

እስራኤል፡ ልዕሊ 100 ሰባት ክሳብ ሕጂ ጅሆ ተታሒዞም ከምዘለዉ ትገልጽ፤ ካብኣቶም 71 ብህይወት ከምዘለዉ ትኣምን። ካልኦት ኣርባዕተ ቅድሚ 7 ጥቅምቲ ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ከምዝነበሩን፡ ካብኣቶም ክልተ ከምዝሞቱን ይእመን።

ኣብ ሕዳር 2023 ብዝተገብረ ስምምዕ፡ ንሓደ ሰሙን ኣብ ዝጸንሐ ተዅሲ ደው ምባል፡ ሓማስ 105 ካብቶም ጅሆታት ክፈትሕ እንከሎ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ዝነበሩ ኣስታት 240 ፍልስጤማውያን እሱራት ድማ ከምዝፍትሑ ተገይሩ እዩ።

ዝዓነወት ቓዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ እማመ ስምምዕ ሰላም ንዳግመ ህንጸት ቓዛ ዝዓለመ ውጥን ዘጠቓልል እውን እዩ።

ሳልሳይ ምዕራፍ ናይቲ ስምምዕ ሰላም፡ ዓቢ ውጥን ዳግመ ህንጸት ንምጅማርን፡ ሬሳታት ዝሞቱ ጅሆታት ምምላስን ዝምልከት እዩ።

መንግስቲ እስራኤል ብ19 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነዚ ሕጂ ብኣመሪካ ቀሪቡ ዘሎ ምፍታሕ ጅሆታትና ዝምልከትን፡ እዚ ድማ ነቲ ኣበርቲዑ ክጽዕረሉ ዝጸንሐ ንጸጥታዊ ድሌታት እስራኤል ኣብ ግምት ዘእተወ ብምዃኑን” ጠቒሱ፡ ዘለዎ ተወፋይነት ገሊጹ’ሎ።

ኣብዚ ውጥን ቀንዲ ማሕንቘ ነጥብታት እንታይ እዮም?

ሕጂ’ውን ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዓበይቲ ፍልልያት ከምዘለዉ እዩ ዝፍለጥ።

ሓደ ጉዳይ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ህላወ እስራኤል ኣብ ቓዛ እዩ።

እስራኤል፡ ሓማስ ዳግማይ ከይወዳደብን፡ ከምኡ'ውን ምስግጋር ኣጽዋር ንምቍጽጻር ወተሃደራታ ኣብ ቓዛ ክጸንሑ ከም እትደሊ ትዛረብ።

እንተዀነ ሓማስ ድሕሪ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ቓዛ ምጽናሕ ሓይልታት እስራኤል ይቃወም።

ብዘይካ’ዚ፡ ምስ እስራኤል ኣብ ቍጽርን መንነትን ናይቶም ብእስራኤላውያን ጅሆታት ንምልዋጥ ክፍትሑ ዝሓተሎም ዘሎ ፍልስጤማውያን እሱራት ፍልልይ ኣለዎ።

ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ቓዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓማስ፡ ድሕሪ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ህላወ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ቓዛ ይነጽግ

ስምምዕ ሰላም ንኽብጻሕ ዘሎ ዕድላት እንታይ እዩ?

ብሊንከን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ግድን ብህጹጽ ክግበር ኣለዎ እዩ ዝብል ዘሎ።

ንሱ፡ “ተዅሲ ደው ንምባል፣ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናብ ገዛኦም ንምምላስ፣ ንዅሉ ወገን ኣብ ዝሓሸ መንገዲ ናብ ነባሪ ሰላምን ጸጥታን ንምብጻሕ፡ እዚ ወሳኒ ህሞት’ዩ፤ ምናልባት እቲ ዝበለጸ፡ ምናልባት’ውን ናይ መወዳእታ ዕድል፡” ክብል ብ19 ነሓሰ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተዛሪቡ።

እቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን፡ ካብ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ዓቢይ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ምስ መንጐኛታት ግብጽን ቐጠርን ንምዝርራብ ናብ ካይሮ ኣምሪሑ’ሎ። ክልቲአን ሃገራት ምስ ሓማስ መስመራት ርክብ ኣለወን።

ሓንቲ እስራኤላዊት ሰልፈኛ ስምምዕ ሰላም ክግበርን ጅሆ ዝተታሕዙ ክምለሱን ትጽውዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ እስራኤል ብዙሓት ሰባት ስምምዕ ሰላም ክግበርን ዝተረፉ ኵሎም ጅሆታት ክምለሱን ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ።

ሓማስ ግን ወኪሉ ከምዘይሰድድ እዩ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቐጠር ዝመደበሩ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ ዝዀነ ባሰም ናይም፡ “ብ2 ሓምለ - ብመንጐኛታት ኣቢልና ተሰማሚዕና ኢና... ስለዚ ሓድሽ ዙርያ ዝርርብ ወይ ሓድሽ ጠለባት ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ነተኣናግደሉ ምኽንያት የለን” ኢሉ።

ንሱ፡ ሓማስ ኣብ ስምምዕ ሰላም “ሕጂ’ውን ተገዳስነት ከምዘለዎ” ብምግላጽ፡ “ዝለዓለ ተዓጻጻፍነትን እወታዊነትን ኣርኢና ኢና፤ እቲ ካልእ ወገን ገን ነዚ ከም ድኽመት ወሲዱ ዝያዳ ጸቕጢ ክገብር እዩ ዝፍትን ዘሎ- ኣብ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ክበጽሕ ተገዳስነት የብሉን ፣ ንናይ ገዛእ ርእሱ ውልቃዊ ፖለቲካዊ ረብሓታት ከሳሲ፡ ነቲ ዞባ ኣብ ምልዕዓል ጥራይ ተጸሚዱ’ሎ...” ክብል ንመንግስቲ እስራኤል ወቒሱ።

እስራኤል፡ ሓማስ “ኣመና ዓጺቕ” ምዃኑ ብምግላጽ “ጸቕጢ ክግበር ኣለዎ” ዝብል ምላሽ ሂባትሉ።

ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ኣብ ሓደ መእተዊ ገለርያታት ሓማስ ደው ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት እስራኤል ንገለርያታት ሓማስ ምዕናው ይቕጽሉ ኣለዉ።

ሰራዊት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ጕጅለታት ፍልስጤም ምላሽ ንምሃብ ኣብ ቓዛ ሓማስ ንምጥፋእ ወፍሪ ጀሚሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብወገን እስራኤል ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 251 ድማ ጅሆ ከምዝተታሕዙ ይግለጽ።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 40,130 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ይሕብር።

እቲ ውግእ ገና ይቕጽል ኣሎ፤ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ሓያለ ሮኬታትን ሚሳይላትን ዝተረኽበሉ መርበብ ገለርያታት ሓማስ ከምዘዕነወትን፡ "ዓሰርተታት ኣሸበርቲ ከምዝደምሰሰትን" ትገልጽ።

ብ ሰኑይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቓዛ ኣብ ዝርከብ ከሃን ዩኒስ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ኣብ ሰሜን ከተማ ቓዛ ኣብ ልዕሊ መኪና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉን ማዕከናት ዜና ፍልስጤም ሓቢረን።

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቀረባ እዋን ስምምዕ ሰላም ክብጻሕ ከምዝኽእል ዘለዎ እምነት’ኳ እንተገለጸ፡ ንቢቢሲ ዘዘራረቡ ምንጭታት እስራኤል ይዅን ሓማስ ግን ዛጊት ከምኡ ዓይነት ተስፋ የብሎምን።