ነታንያሁ፡ ምስ ብሊንከን ድሕሪ ምስምምዑ ዝተዛረቦ ንኣመሪካ ኣቘጢዑ

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, በንጃሚን ነታንያሁ፡ ኣብቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ሰላም፡ ዝዀነ ሓድሽ ቅድመ-ኵነት ከምዘየቐመጠ እዩ ክገልጽ ጸኒሑ

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ ዝዀነ ሕድገት ዘይፈቅድ፡ ዘየቀራርብን ነቲ ኵነታት ዘይፈትሕን መግለጺታት ምሃቡ ብምኽሳስ ብትሪ ነቒፉ።

እዚ፡ ኣብቲ ኣመሪካ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ንምባልን ምልቃቕ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያንን እሱራት ፍልስጤማውያንን ስምምዕ ንኽብጻሕ ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን እዩ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ብሰኑይ ኣብ እየሩሳሌም ስለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ዝርርብ ከምዘካየደ ይዝከር።

ንሱ ድሕሪ’ቲ ርክቦም፡ ነታንያሁ ነቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ “መቀራረቢ እማመ” ተባሂሉ ዝተገልጸ፡ ነቶም ቀንዲ ማሕንቘታት ኲናት ቓዛ ንምፍታሕን ንኽልቲኦም ወገናት ከቀራርብን ዝኽእል እማመ ተቐቢሉ ክብል ገሊጹ ነይሩ።

እንተዀነ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሒሩ ምስ ስድራቤታት እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ወተሃደራት እስራኤል፡ “ስተራተጅያዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መኽሰብ” ኣለዎም ኢሉ ኣብ ዝገለጾም ከባቢታት ቓዛ፣ ንደቡባዊ ክፋል ምስ ግብጺ ዘዳውብ ከባቢታት ዘጠቓልልን - ክጸንሑ ኣብቲ ስምምዕ ክሰፍር ንብሊንከን “ኣእሚነዮ” ክብል ገሊጹሎም ክብላ ማዕከናት ዜና እስራኤል ኣቃሊሐን እየን።

እቲ በዓል ስልጣን፡ “ብርግጽ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣይኰናን ዘተ እነካይድ፣ እቲ ክብሎ ዝኽእል ግን ኣመሪካ ይዅን ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ብሊንከን እቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ናብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ ከም ዝኣምኑ እዩ፡” ኢሉ።

ኣብዚ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ርእይቶኡ ዝሃበ ሓደ ስሙ ዘይተገልጸ በዓልመዚ ኣመሪካ፡ “ርእይቶ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ርኢናዮ ኣለና፣ ብፍላይ ኣብ ገለ ነጥቢታት ዝበሃል ዘሎ”፣ እንተዀነ እዚ ንምምሕዳር ኣመሪካ ዘቘጥዕ እዩ ኢሉ።

"ምሉእ ብምሉእ እንጽበዮ፡ ሓማስ እውን ነዚ እማመ እንተዝቕበሎ፡ ኣብ ገለ ካብቲ ዝያዳ ቴክኒካዊ ዝርዝራት ዘተ ምቕጻል እዩ ነይሩ።"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሉፍ መግለጺታት ንውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ንኽብጻሕ ሃናጺ ከምዘይኰነን” ብምግላጽ፡ እዚ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝሰማምዑሉ እዋን ንቕድሚት ክስጕሙ ንዝኽእሉ ቴክኒካዊ ዝርርባትን ናይ ምትግባር ዓቕሚ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ገሊጹ።

ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ናይ ግብጺ ዑደቱ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ኣል ዓለመይን ብሰሉስ ዝተዘራረበ ኰይኑ፡ ሰብስልጣን ግብጺ፡ ህላወ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ዶብ ቓዛ-ግብጺ ፈጺሞም ከምዘይቅበልዎ ብትሪ ገሊጾም ኣለዉ።

ብሊንከን ዑደቱ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንምዝዛም ናብ ቐጠር ኣምሪሑ’ሎ።

ንሱ፡ እቲ ብኣመሪካ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፡ “ዝርዝር ውጥን” ምውጻእ ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ ዘጠቓልል ምዃኑ ንፈለማ ግዜ ገሊጹ።

“እቲ ስምምዕ፡ ወተሃደራት እስራኤል ካብ ቓዛ ዝወጽሉ ብግዜን ብቦታን ዘቐመጠ ኣመና ንጹር ወጥን እዩ፣ እስራኤል ድማ ተሰማሚዓ እያ፡” ኢሉ።

ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኣብ ጉዳይ ምጽናሕ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ቓዛ “ንብሊንከን ኣእሚነዮ እየ” ዝበሎ ዝበሃል ዘሎ መግለጺ ኣመልኪቱ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ “ብዛዕባ እንታይ እዩ ዝጠቅስ ዘሎ ክዛረብ ኣይክእልን እየ፤ ክብሎ ዝኽእል ብዛዕባ’ቲ ትማሊ [ሰኑይ] ምስኡ ንሰለስተ ሰዓት ኣብ ዝተዘራረብናሉ ብቐጥታ ካብኡ ዝሰማዕኩዎ ጥራይ እዩ፡” ኢሉ።

“እዚ ድማ፡ እስራኤል ነቲ ብግዜን ቦታን ዝተነጸረ ውጥን ምስሓብ ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ ዘጠቓልል እማመ ከምዝተቐበለት እዩ፡” ክብል ኣነጺሩ።

ምሉእ ብምሉእ ምስሓብ ሓይልታት እስራኤል ዘጠቓልል ብዛዕባ ምዃኑ ሕቶ ዝቐረበሉ ብሊንከን፡ መልሲ ክህብ ኣይደለየን።

ሓማስ ብወገኑ፡ እዚ ሓድሽ እማመ ነቲ ኣቐዲሙ ስምምዕ ዝተገብረሉ ዝቕልብስ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ከምዝነጸጐ እዩ ዝገልጽ ዘሎ።

እቲ ስምምዕ ብመሰረት እቲ ኣብ ሓምለ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ክኸውን እምበር፡ ሓድሽ ዙርያ ዝርርብ ከምዘይቅበል እዩ ዝገልጽ።