ባይደን፡ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛ ዕሽሽ ክበሃል ከምዘይግባእ ኣተሓሳሲቡ

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን እቲ ኣብ ቓዛ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንኽግበር ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ኵሎም ወገናት ሸለል ከይብልዎ ኣተሓሳሲቡ።

ባይደን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝተኻየደ ዘተ፡ ተዅሲ ደው ንምባል “ልዕሊ ዝዀነ እዋን ቀሪብና ኣለና” ኢሉ፤ በዓልስልጣን ሓማስ ግና ጥርጣረኡ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት፡ "ነዚ ስምምዕ ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ዝካየድ ጽዑቕ ጻዕርታት” ንምቕጻል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ እስራኤል ከም ዝልእኮ ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ፣ ቐጠርን ግብጽን፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዘሎ ፍልልይ ዘጽብብ እማመ ምቍራጽ ተጻብኦን ምፍታሕ ጅሆታትን ሓሳብ ብምቕራብ ሓባራዊ መግለጺ ድሕሪ ምውጽአን እዩ፡ ባይደን ነዚ ርእይቶ ሂቡ ዘሎ።

እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናብ ዞባዊ ግጭት ከይዓርግ ንምግታእ፡ መንግስታት ኣብቲ ኣብ ዶሓ -ርእሰከተማ ቐጠር - ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ንዝህሉ ዝዀነ ምዕባለ ከም ኣገዳሲ’ዮም ዝርእይዎ።

መንጐኛታት ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ዝተኻየዱ ዝርርባት፡ “ረዚን፣ ሃናጺን ኣብ እወታዊ ሃዋህዉ ዝካየድ” ምንባሩ ገሊጾም።

ላዕለዎት ሰብመዚ ዳግማይ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ነቲ ኣብ ዶሓ ዝተበገሰ እማመ ቅድሚ ምኽታሞም፡ ጕጅለታት ተክኒክ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ኣብ ኣተገባብራ ዝርዝር እቶም እማመታት ክሰርሑ ትጽቢት ይግበር።

ጆ ባይደን ኣብ መግለጺኡ፡ ነዚ እማመ “ረዚን ደገፍ” ምስ ናይ ዘለወን ሃገራት - መራሕቲ ቐጠርን ግብጽን ብተናነጸል ከም ዝተዘራረበ ሓቢሩ።

ባይደን ወሲኹ፡ “ንጸጥታ እስራኤል ዘለኒ ዘይዕጸፍ ደገፍ ንምርግጋጽን እቲ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ኣጠቓላሊ ምቍራጽ ተጻብኦን ምፍታሕ ጅሆታትን ኣቓልቦ (ቆላሕታ) ንምግባርን” ብምባል፡ ንኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ይልእኮ ከምዘሎ ሓቢሩ።

“ኣብቲ ዞባ ዝዀነ ይዅን ኣካል ነዚ መስርሕ እዚ ዘበላሹ ስጕምቲ ክወስድ የብሉን” ኢሉ።

ንኣዋርሕ ንቅልውላው ጥምየት ክቃለሱ ዝጸንሑ ቓዛውያን ሕጂ ድማ ስግኣት ለበዳ ፖልዮ ኣንጸላልይዎም ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ንኣዋርሕ ንቅልውላው ጥምየት ክቃለሱ ዝጸንሑ ቓዛውያን ሕጂ ድማ ስግኣት ለበዳ ፖልዮ ኣንጸላልይዎም ኣሎ

ብመሰረት መግለጺ ኣሸማገልቲ፡ መርገጺ ክልቲኦም ተጻባእቲ ኣካላት እወታዊ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ንምብጻሕ ግን ብዙሕ’ዩ ዝተርፍ።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ዘይተሳተፈን ምስ ሰብመዚ ቐጠርን ግብጺን ዝራኸብ ሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ሓማስ፡ “ኣብ ዝሓለፈ 02 ሓምለ ተግባራዊ ንምግባር ዝተሰማምዓሎም መብጽዓታት ኣብዚ ዘተ ከም ዘይተኻተቱ ንመሪሕነት እዚ ምንቅስቓስ ተሓቢርዎ ኣሎ” ክብል ንቢበሲ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንነያሁ፡ “ሓማስ ነቶም ጂሆ ዝሓዞም ንዘይምፍታሕ ካብ ዝሓዞ መርገጺ ንምውጻእ” ዝተገበረ ጻዕሪ ንኢዱ።

ኲናት እስራኤል-ቓዛ፡ ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ 07 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ስዒቡ’ዩ ተወሊዑ።

እስራኤል፡ በቲ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ከም ዝተቐተሉን 251 ጅሆ ከም ዝተትሓዙን ትገልጽ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ድማ፡ ካብ ምውላዕ እቲ ኲናት ልዕሊ 40 ሽሕ ፍልስጤማውያን ብእስራኤል ከም ዝተቐተሉ ይገልጽ።

ኣብ ነሓሰ ንሓደ ሰሙን ብዝተገበረ ምቍራጽ ተጻብኦ ካብቶም ጅሆ ዝተትሓዙ 105 እስራኤላውያንን 240 ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ተኣሲሮም ዝነበሩ ፍልስጤማውያንን ተፈቲሖም እዮም።