ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብቲ እስራኤል ዝደብደበቶ መዕርፎ ነፈርቲ የመን ከምዝነበረ ሓቢሩ

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ምንጪ ስእሊ, EPA

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ካልኦት ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራትን፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ የመን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣብ እትፍጽመሉ ዝነበረት እዋን ኣብ ኣእጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ነፋሪት ክድይቡ ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተጀመረ ኣመልኪቱ።

ብሑቲ ዝመሓደር ማዕከን ዜና ከምዝሓበሮ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 30 ድማ ቆሲሎም። ኣብ ምዕራባዊ ከተማ ሆደይዳ'ውን ካልኦት ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 10 ድማ ቆሲሎም።

እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ የመን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ መደብራት ጸዓትን ወተሃደራዊ ትሕተ ቕርጽን ከም ዘጥቅዐት ኣረጋጊጻ።

ኣብ ኣል ሑዴይዳ፡ ዝርከብ 'ወተሃደራዊ ትሕተ ቕርጺ' ከምኡ'ውን ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ ዝርከቡ ወደባት ሳሊፍን ራስ ካናጢብን ዝርከቡ ትሕቲ ቕርጺ በቲ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ዒላማ ከምዝኾኑ መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር የመልክት።

እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ወደባትን ዝወረደ መጥቃዕቲ "ባርባራዊ" ክብል ገሊጽዎ።

ዝሓለፈ ቀዳም፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣካይዶም ምንባሮም ይፍለጥ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ድማ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

"ቅድሚ ክልተ ሰዓት ኣቢሉ ካብ ሰንዓ ክንብገስ ክንብል፡ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ደብዳብ ይፍጸም ነይሩ" ኢሉ።

ወሲዅ፡ "ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትና ቈሲሉ። ብውሕዱ ክልተ ሰባት ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተቐቲሎም። እቲ ግምቢ መቈጻጸሪ ትራፊክ፡ ገያሾ ዝብገስሉ ላውንጅ - ካብቲ ዝነበርናዮ ቁሩብ ሜትሮታት ጥራይ ዝርሕቕ- ከምኡ'ውን እቲ ሓዲድ ነፈርቲ ጕድኣት በጺሑዎ" ኢሉ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሑቲ ዝጥቀመሎም ዝነበረ ዝበሎም "ወተሃደራዊ ትሕተ ቕርጺ" መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝተፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ሚሳይል ልዕሊ 12 ሰባት ቈሲሎም።

እዚ ብቐዳም ካብ የመን ዝተወንጨፈ ሚሳይላት ኣብ ተልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ህዝባዊ መዘናግዒ ከም ዝዓለበ ዝገለጸ ሰራዊት እስራኤል፡ ነዚ ንምውዳቕ ዝተገብረ ፈተነታት ከም ዘይተዓወተ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ ሑቲ፡ እቲ ጕጅለ ሃይፐርሶኒክ ባሊስቲክ ሚሳይል ተጠቒሙ ወተሃደራዊ ዒላማ ከም ዝሃረመ ገሊጹ'ዩ።

ኣገልግሎት ህጹጽ ሕክምና እስራኤል በቲ መጥቃዕቲ "ቐሊል ጉድኣት" ዝበጽሖም 16 ሰባት ከም ዝሓከመ ገሊጹ።

ካልኦት ቀሊል መጉዳእቲ ዘጋጠሞም 14 ሰባት'ውን ሕክምና ከም ዝተገበረሎም ሓቢሩ።

ሑቲ ካብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዝጀመረ ኲናት ቓዛ ጀሚሮም ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ንእስራኤል ከጥቅዑ ጸኒሖም እዮም።

እስራኤል ካብ ሽዑ ጀሚራ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ሑቲ በብእዋኑ ደብዳባት ነፈርቲ ክትፍጽም ጸኒሓ ኣላ።

ውድብ ጥዕና ዓለም እንታይ ኢሉ?

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖምን መሳርሕቱን፡ ካብታ ሃገር ቅድሚ ምውጽኦም "ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝወረደ ጉድኣት ክጽገን" ምጽባይ ከም ዘድልዮም ተዛሪቡ።

"ኣነን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ጥዕና ዓለምን መሳርሕተይን ኣብ ውሑስ ቦታ ኣለና። ነቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝፈትውዎም ሰባት ዝሰኣኑ ስድራቤታት ልባዊ ጽንዓት ይሃብኩም እብል" ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ሑቲ መሓመድ ዓብዱሰላም ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት እስራኤል "ኣብ ልዕሊ ኵሉ ህዝቢ የመን ዝፍጸም ዘሎ ገበን ጽዮናውያን" ክብል ከም ዝገለጾ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ "ቅልጽም ሽበራ ኢራን ምቑራጽና ክንቅጽሎ ኢና" ክብል ካብ መደበር ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ኰይኑ ተዛሪቡ።

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝ ብወገኑ "ንኹሎም መራሕቲ ሑቲ ክንሃድኖም ኢና - ካብ ነዊሕ ቅልጽም እስራኤል ክሃድም ዝኽእል ሰብ የለን" ኢሉ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ የመን ዝተኣስሩ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንምፍታሕን ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ንምግምጋምን ናብ የመን ከም ዝኣተወ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ 13 ሰራሕተኛታት ብሑቲ ኣብ የመን ከም ዝተኣስሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ ነይሩ።

እቶም ሰራሕተኛታት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተወስዱ ኰይኖም፡ እዚ ማእሰርቲ፡ ሑቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸቕጢ ቁጠባዊ ጸገማትን ብኣመሪካ ዝምራሕ ጥምረት ዝወስዶ ዝነበረ መጥቃዕቲ ኣየርን ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን እዩ ተኸሲቱ።

ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከቡ ንግዳዊ መራኽብ ዒላማ ብምግባር፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ እቲ ጕጅለ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ክወስዳ ከም ዝጀመራ ይፍለጥ።