ህወሓት ምስ ብልጽግና ክጽንበር ከምዘይኰነ ኣነጺሩ

ወይዘሮ ፈትለወርቅ

ምንጪ ስእሊ, TPLF FB

መግለጺ ስእሊ, ኣባል ፈጻሚ ስራሕን ሓላፊት ቤት ጽሕፈትን ህወሓት ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር

ኣብዚ እዋን ኣብ መንጐ ህወሓትን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግናን ጽዑቕ ዝርርባት ይግበር ከምዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ ዘተ ኣብ ትግባረ ውዕል ፕሪቶሪያ ምርኩስ ዝገበረ ዝርርብ እምበር፡ ከምቲ ብዝተፈላለየ ወገናት ዝበሃል ዘሎ ህወሓት ኣብ ሰልፊ ብልጽግና ብዛዕባ ምጽንባሩ ከምዘይኰነ፡ እቲ ውድብ ብመገዲ ወግዓዊ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ሓበሬታ ኣነጺሩ።

ኣብዚ ቅንያት ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ፖለቲካውያን ተነጣጠፍትን፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ዘተ፡ ህወሓት ናብ ብልጽግና ክጽንበር ከምዝተሰማምዐ እንተዀነ ዝተወሰ ቅድመ ኵነት ከምዘቐመጠን፤ እቲ ዘተ ድማ ነቲ ፍልልያት ንምጽባብ ምዃኑን ክገልጹ ይስምዑ ኣለዉ።

ህወሓትን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግናን ምሉእ ብምሉእ ተባቲኾም ክሳብ ናብ ኲናት ዝተኣትወ፡ ኣቢይ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ነቲ ብህወሓት ዝምራሕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ን27 ዓመታት ዓብላሊ ሰልፊ ዝነበረ ውድብ ኢህወደግ ኣፍሪሱ፡ ነተን ዝነበራ መሻርኽቲ ውድባት ኣብ ሓደ ድሕሪ ምጥርናፉን ህወሓት ኣብኡ ክሰምር ፍቓደኛ ብዘይምዃኑን እዩ ነይሩ።

ኢህወደግ ብኣርባዕተ ዓበይቲ ውድባትን ደሓር በብእዋኑ ዝተጸንበራ ‘ኣጋር’ ውድባትን ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ጠርኒፉ ዝነበረ ኰይኑ፡ ብልጽግና ግን ሓደ ንዅሉ ኣብ ሓደ ዝጸንበረ ሰልፊ ምዃኑ ይፍለጥ።

ከምቲ ብዝተፈላለየ መገዲታት ዝስማዕ ዘሎ ድማ፡ እቲ ቀንዲ ዘዘራርብ ዘሎ ሕቶታት፡ ህወሓት ብኸምቲ ኣብ እዋን ኢህወደግ ዝነበረ ውክልና ኣብ ፈጻሚ ኣካል ክህልዎ ዝጠልብ ኰይኑ፡ ብልጽግና ግን ብመሰረት ምዕሪት ናይቲ ዝውክሎ ህዝቢ ክኸውን ከምዝደሊ እዩ ዝንገር።

ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝለዓሉ ፖለቲካዊ ሕቶታት ከምዘለዉ'ውን ይግለጽ እዩ።

ነዚ ምርኩስ ገይሩ ምላሽ ዝሃበ መግለጺ ህወሓት ድማ፡ “ውድብናን ውድብ ብልጽግናን ዘካይድዎ ዘለዉ ዝርርብ ነቲ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተፈጠረ ኣንጻራዊ ሰላም ንምስፋሕን ንምዕማቝን እዩ” ድሕሪ ምባል፡ ህወሓትን ብልጽግናን መሰረታዊ ፍልልይ ዕላማን ስነሓሳብን ዘለዎም ውድባት እዮም፡” ብምባል ክተሓናፈጹ ከምዘይክእሉ ኣመልኪቱ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ክልቲኦም ውድባት ፍልልይ ይሃልዎም ግን ክዛራረብሎም ዝግባእ ኣጀንዳታት ስለዘለውዎም ነቲ ክልተኣዊ ዝርርብ ከምዝጀመርዎ ኣስፊሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ካብዚ ሓሊፉ ህወሓት ናብ ብልጽግና ንምጽንባር ዝርርብ ተጀሚሩ ዝብል ፍጽም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ንገልጽ” ድማ ኢሉ።

ኣባል ፈጻሚ ስራሕን ሓላፊት ቤት ጽሕፈትን ህወሓት ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጉዳይ ዝርርብ ህወሓትን ብልጽግናን ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ’ውን፡ እቲ ዘተ፡ ክልቲኦም ወገናት ፖለቲካዊ ምይይጥ ንምክያድ ዘኽእል ቅድመ ዝርርብ ምዃኑ እያ ኣመልኪታ።

ህወሓትን ብልጽግና ዝመስረቶ መንግስቲ ፈደራልን ውዕል ፕሪቶሪያ ዝፈረሙ ኣካላት ከም ምዃኖም መጠን ዝዘራረቡሎም ብዙሓት ጉዳያት ከምዘለዉ እውን ዘቐመጠት ወይዘሮ ፈትለ፡ እተን ኣብ ኢህወደግ ዝነበራ ሰለስተ ውድባት ብልጽግና ንምምስራት ክሰማምዓ ኣንከለዋ ህወሓት ነቲ ምስረታ ዘይተቐበለሉ ምኽንያት ብቐንዱ ናይ ዕላማን ናይ መስመርን ፍልልይ ስለዘለና እዩ ኢላ።

እቲ ሕጂ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሰልፊታት ዝካየድ ዘሎ ዝተ ግን “መትከላት ንምቕማጥን፡ እንዘራረበሎም ኣጀንዳ ንምንጻር እዩ፡” ብምባል ኣብ ዝበዝሕ ከምዝተሰማምዑ ገሊጻ።

ወይዘሮ ፈትለወርቅ፡ እቲ ኣጀንታታት እንታይ ምዃኑ’ኳ እንተዘይገለጸት፡ ነቲ ኣጀንዳ መሰረት ገይሩ ዝካየድ ዝርዝር ናይቲ ዝርርብ ግን ምስተጀመረ፤ ዝተሰማማዕናሉን ዘይተሰማማ’ዕናሉን ንኣባላትና ይዅን ንህዝቢ ብግልጺ ክንሕብር ኢና ኢላ።

ብኻልእ ወገን፡ ነቲ ኣብ መንጐ ህወሓትን ብልጽግናን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ምላሽ ዝሃበ ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ህወሓትን ሓደ ካብ ተዛተይትን ዶ/ር ኣዲስኣለም ባሌማ እዚ ሕቶ ምጽንባር ቀሪብሉ ምንባሩ ይዝከር።

ንሱ፡ “ህወሓት ምስ ብልጽግና ናይ ምጽምባር ኵነታት ክህሉ ይኽእል ዶ?” ንዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ ዶ/ር ኣዲስኣለም፡ “ካብ ቀደሙስ ምስ ብልጽግና ምጽምባር እንተዝህሉ ደኣ እዚ ዅሉ ኣይምዀነን” ብምባል፡ እቶም ውድባት ዝኽተልዎ ስነ-ሓሳብ [ርእየተ-ዓለም] ዝተፈላለየ ከምዝዀነ ኣረዲኡ ነይሩ።

ኣተሓሒዙ ዶ/ር ኣዲስኣለም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንሱ ክግምቶ ከምዘይክእል ዝተዛረበ ኰይኑ፡ እንተዀነ ኣብ ሓደ ሃገር ከምዝሰርሑ ውድባት፡ እቲ ተራእዩ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ክዓሙቕን፡ ካልኦት ኣዘራረብቲ ጉዳያት ብዝምልከትን ብሰላማዊ መድረኽ ዝፍትሑሉ ኵነታት ንምፍጣር ዝርርብ ኣድላይ ምዃኑ ከምዝተኣመነሉ እዩ ዝገልጽ።

እዚ ኣብ መንጐ ህወሓትን ብልጽግናን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ዝምልከት ካብ ብልጽግና ዝተሰምዐ ወግዓዊ ሓበሬታ ዛጊት የለን።