ኤርትራ፡ ካብ ቱርኪ ብግዴታ ዝጥረዙ ዘለዉ ዜጋታታ እንታይ ይብሉ?

ኣብ ክሳዱ ካቴና ዝገበረ ኤርትራዊ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ቱርኪ ተኣሲሮም ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ክቕረቡ እንከለዉ ናብ መቕርብ ቤተሰቦም ንዝሓልፍዎ ዝነበሩን ዘለዉን ኣጨናቒ ኵነታት ክገልጹን ጽዑቕ መልእኽቲታት ክሰዱን ከምዝጸንሑ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረጋግጽ።

ከም “ዋን ደይ ስዩም” ዝኣመሰሉ ንስደተኛታት ዝጣበቝ ማሕበራትን ግዱሳት ኤርትራውያንን ድማ ነቲ መስርሕ ብቐረባ ክከታተልዎን ዝከኣሎም ሓገዛት ከበርክቱን ከምዝጸንሑ መስራቲት እቲ ማሕበር ቨነሳ ጸሃየ ንቢቢሲ ትገልጽ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል እውን “ሓደጋ ብኣስገዳድ ምምላስ ኣንጸላልይዎም ዘሎ ኤርትራውያን’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዘይድሌቶም ናብ ሃገሮም እንተጠሪዘሞም ንስቓይን ንማእሰርትን ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ዘለዎ ስክፍታ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ንገለ ስድራቤታት እዞም ግዳያት ረኺቡ ኣዘራሪቡ'ሎ፤ ኵሎም ድማ ንድሕነቶም ኣስማቶም ዝቐየረ እዩ።

ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ ብሩኽ ተኽለ፡ ወዲ ሓፍቱ ሓደ ካብቶም ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ዝተጠረዙ ምዃኑ ንቢቢሲ ይሕብር።

ንሱ ከም ዝገልጾ ወዲሓፍቱ ዝርከቦም ሓያሎ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ከሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ ዝተታሕዙ፣ ገለ ካብኦም ድማ ኣብ ከተማታት እታ ሃገር - ቱርኪ - መንበሪ ፍቓዶም ከይተሓደሰ ወይ ዘይብሎም ብምጽንሖም ተታሒዞም ዝተኣስሩን እዮም።

ንሱ፡ ንወዲ ሓፍቱ፡ ፈለማ - ቅድሚ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይደን ምግዓዙ ይረኽቦ ከምዝነበረን፡ እቲ ኣተሓሕዛኦም ሰብኣውነት ዝጐደሎን ብማህረምቲ ዝተሰነየን ምንባሩ ከምዝሓበሮን ይገልጽ።

ሻም ዝተባህለ ነባሪ ነርወይ’ውን፡ ወዲ 17 ዓመት ትሕቲ ዕድመ ሓዉ ኣብቲ መዳጐኒ ማእከል ተኣሲሩ ከምዘሎ ይሕብር።

ካብ ክቱር ሻቕሎት ናብቲ ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ክበጽሖ ከይዱ ምንባሩን፡ ኣተሓሕዛ እቶም እሱራት ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑን'ዩ ዝጠቅስ።

“እቶም ሓለዋ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብክቱር ንዕቀት እዮም ዝርእይዎም። እኹል መግቢ ኣይህብዎምን እዮም ሰብነቶም ኣብ ነዊሕ እዮም ዘሕጽብዎም። እቲ ዝኸፍአ ድማ ናይ ቋንቛ ጸገም ኣሎ ኣብ መንጐም። እንግሊዝኛ ኣይዛረቡን እዮም ኵሉ እቲ ናይ ወረቓቕቲ ጽሑፍ ብቋንቋኦም ስለዝዀነ ነቶም ወላሓንቲ ከይተረድኦም ብሓይሊ ክፍርሙ እዮም ዘፈራርሕዎም።” ብምባል እቲ ኣብቲ ቦታ ብዓይኑ ዝተዓዘቦ ኵነታት ኣዝዩ ኣስጋኢ ምዃኑን ቅልጡፍ ኣተኵሮ ረኺቡ መፍትሒ ምስ ዘይግበር ኣዝዩ ከቢድ ሰባዊ ግህሰት ከምዝቕጽልን ይገልጽ።

"ስድራ ከብዶም ሓቚፎም ኣለዉ፤ ብሂወት ዘሎ ከማን ኣይመስሎምን እዩ፡" ብምባል ነቲ ዘለዎም ሻቕሎት ኣረዲኡ።

መንእሰያት ኣብ ስደት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓያለ ኤርትራውያን፡ ገለ ብሕክምና ገለ ድማ ብስራሕ፡ ትምህርትን ካልእን ናብ ቱርኪ ከም ዝገሹ ይፍለጥ። ብዘይካ'ዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ብመገዲ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋውያን ደላሎን ኣሰጋገርቲ ሰባትን፡ 'ጨደዳ' ብዝብልዎ ኣገባብ ብዝተሰንዐ ፓስፖርት ናብታ ሃገር ምስ ኣተዉ ንቱርኪ ከም መሰጋገሪ ባይታ ክጥቀሙላ ጸኒሖም ኣለዉ።

እዚ መሰርሕ'ዚ ካብ 8-10ሽሕ ዶላር ከምዝሓትት ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ይሕብሩ።

ወዲ ሓፍቱ ንኣቶ ብሩኽ እውን ፈለማ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብስግረዶብ ቀጺሉ እውን ናብ ዩጋንዳ ምስ ኣተወ፡ ብመንገዲ ግሪኽ ኣቢሉ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ንምእታው ንደላሎ ገንዘብ ከፊሉ ናብ ቱርኪ ዝኣተወ ኤርትራዊ መንእሰይ እዩ።

ኣቶ ብሩኽ ከምዝገለጾ፡ እቲ መስርሕ ምጥራዝ ብምትሕብባር ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ቈንስል ኤርትራ ከምዝግበር እዩ ዘረድእ።

ብፍላይ እቶም ብዝተፈላለየ ስኑዕ ሰነዳት ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ኤርትራውያን ድዮም ኣይኰኑን ንምፍላይ እቲ ቈንስል ቃለመሕትት ከምዝካየደሎም፤ ንሰበስልጣን ቱርኪ ነቶም ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ምጥራዝ ዝዀነ ኣስጋእነት ከምዝይብሉ ከምዝገልጹሎም ዝተፈላልዩ ቢቢሲ ዘዘርረቦም ስድራ ግዳያት ይሕብሩ።

ይዅን እምበር ቢቢሲ ንሰበስልጣን እቲ ቈንስል ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።

እቶም ግዳያት ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤተሰቦም ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ ሓደ ንድሕነቱ ስሙ ዘይንጠቕሶ ካልእ ኤርትራዊ መንእሰይ፤

'በጃኹም እንተተኻኢሉ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ቱርኪ ትግብሮ ዘላ ኣስገዳድ ምጥራዝ ከተቛርጽ ክምሕጸን ድምጺ ኵኑና። ምጥራዝና ዘይተርፍ እንተዀይኑ ግን ናብ ሩዋንዳን ወይ ዩጋንዳ ዝኣመሰላ ሳልሳይ ሃገር እምበር ናብ ኤርትራ ከይሰዱና' ክብል ዝስማዕ ኰይኑ፡ ናብታ ብብዙሕ መከራ ዝወጽኡላ ኤርትራ ምምላስ ንሂወቶም ኣዝዩ ኣስጋኢ ምዃኑ ይምሕጸን።

እዚ ይዅን ግን፡ ንሱ'ውን ምስቶም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቅነቱ ዘረጋገጾ ናብ ኤርትራ ናይ ምጥራዝ ዕጫ ዝበጽሖም ሓደ ኰይኑ ከምዘሎ ቤተሰቡ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

እቶም ናብ ኤርትራ ዝተመልሱኸ ኣበይ ኣተዉ?

ኣቶ ብሩኽ “ካብቶም ወዲ ሓፍተይ ዝርከቦም ኣብ ዳሕረዋይ እብረ ዝተጠረዙ 180 ኤርትራውያን፡ ካብ ቱርኪ ናብ ኣስመራ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ምስ ኣእተዉዎም፡ ነተን ብሕጋዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ናብ ቱርኪ ዝኣተዋ ፓስፖርት ዝነበረን ደቂኣንስትዮ ናብ ቤተን ሰዲዶመን።

"ነቶም ዝተረፉ ካብ ውትህድርና ዝኸዱን ካልኦትን ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ እዮም ወሲዶምዎም። ካብኣቶም'ውን እቶም ዘይተዓለሙ ዝነበሩ ናብ ታዓሊም እቶም ከም ወዲሓፍተይ ዝኣመሰሉ ካብ ውትህድርና ዝወጹ ግን ካብ ዓዲ ኣበይቶ ናብ “ማይ ዕዳጋ” ወሲደሞም፡” ብምባል ናብ ዝተፈላልየ ኣብያተ ማእሰርቲ ይወስድዎም ከም ዘለዉን ስድራቤታት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝርከቡን፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለዉ ቤተሰብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ምርኩስ ገይሩ ነቲ ኵነታት ይገልጽ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ብወገኑ ኣቐዲሞም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ስደተኛታት መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገር ብዘይሕጋዊ መገዲ ወጺእኩም ብምባል ብዘይፍርዲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝዳጐኖም ይሕብር።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ካብ ማልታ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከምዝተጠረዙ ዝዝከር ኰይኑ ናብ ሃገሮም ምስ ኣተዉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተዳጐኑን፡ ናብ ኣሃዱታት ሰራዊት ከምዝተመደቡን ጸብጻባት የመልክቱ።

ካልእ ኣብ ዩጋንዳ ዝነብር ኤርትራዊ ስደተኛ ሓዉ ሓደ ካብቶም ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኣይዲን ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ምዃኑ ንቢቢሲ ብምሕባር ስድራቤት ብሻቕሎት ሰንፈላል ኰይኖም ከም ዘለዉ ይገልጽ።

ንሱ፡ ሓው ብለካቲት ምስ ተኣሰረ ክሳብ ሕጂ ተኣሲሩ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ናብ ኤርትራ ከይምለሱ ከቢድ ስግኣት ከምዘለዎምን ኣቓልቦ ዝተፈላለያ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ክወሃቦም ይምሕጸን።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ብወገኑ እቶም ሕጂ ኣብ ኣይዲን ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝዀነ እዋን ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ከምዝኽእሉን ብተሌፎን ንመቕርቦም ከምዝሓበሩ ኣብዚ ሓድሽ ጸብጻቡ ኣቃልሑ እዩ።

ብተወሳኺ እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንኸይጥረዙ ዝማጐትሉ ሕጋዊ ዕድል ከምዘይተወሃቦም ብምጥቃስ፡ ኣብ ማእሰርቲ ብሕጽረት ማይ፡ መግቢን ሕክምናን ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከምዝርከቡ ሻቕሎቱ ገሊጹ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝውቀሳ ሃገራት ከምዝዀነት ይፍለጥ።

ኣብታ ሃገር ብዘይክስን ፍርድን ንሓያለ ዓመታት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ተራ ዜጋታትን ከምዘለዉ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።