ምሩጻት ኣሳእል ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን 19-25 ግንቦት

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ስታድዮ ብህዝቢ ተዓጂቡ ካብ ስታድዮም እናወጽአ

ምንጪ ስእሊ, J.COUNTESS/GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽንብል መበል 32 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ስታድዮም ብህዝቢ ተዓጂቡ ካብ ስታድዮም እናወጽአ

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝነበሩ ክስተታት ንገለ ዝሓቖፈ ስእልታት ንቐደም በሉ፤ እዚ ኣሳእል ካብ 19 ክሳብ 25 ግንቦት ኣብ ዝሓቘፈት ሰሙን ዝተሳእለ'ዩ።

ብባንዴራ ኤርተራ ዝወቐበ ክሳንን ንጻላን ዝተኸደነት ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ባንዴራ ሒዛ ሓጎሳ እናገለጸት

ምንጪ ስእሊ, J.COUNTESS/GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ብባንዴራ ኤርትራ ዝወቐበ ክዳንን ነጸላን ዝተኸደነት ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ባንዴራ ሒዛ ሓጐሳ እናገለጸት
ኣብ ርእሰ ከተማ ኣይቮሪኮስት ዝኾነተ ኣቢጃ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተየቲ ብርከት ዝበለ ዝተወደኣ ጎማታት ናይ ማይ ተሸኪማ ኣንከላ ትርአ [ሰሉስ 23 ግንቦት]

ምንጪ ስእሊ, ISSOUF SANOGO/AFP

መግለጺ ስእሊ, ርእሰ ከተማ ኣይቮሪኮስት ዝዀነት ኣቢጃ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብርከት ዝበለ ዝተወድአ ጎማታት ማይ ተሰኪማ እንከላ ትርአ [ሰሉስ 23 ግንቦት]
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ መንእሰይ ኣብ ልዕሊ ገንኢ ናይ ማይ ኮይኑ ማይ እናመልአ፡ መንግስቲቲ እታ ሃገር ኣብታ ሃገር ሕማም ሸቶኽ ድሕሪ ምክሳቱ ሰባት ካብ ናይ ቡንባ ማይ ከይሰትዩ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, MICHELE SPATARI/AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ መንእሰይ ኣብ ልዕሊ ገንኢ ማይ ኰይኑ ማይ እናመልአ፤ መንግስቲ፡ ኣብታ ሃገር ሕማም ሸሮኽ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ሰባት ካብ ቡምባ ማይ ከይሰትዩ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ ይርከብ።
እዛ ሰኔጋላዊት ጓል ኣንስትቲ ኣብታ ዳካር ኣብ ስነ ስርዓት ምኽፋት ፋብሪካ እምነበረድ እታ ተሳኢላ

ምንጪ ስእሊ, BENOIT DOPPAGENE/AFP

መግለጺ ስእሊ, እዛ ሰኔጋላዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ዳካር ኣብ ስነስርዓት ምኽፋት ፋብሪካ እምነበረድ ተሳኢላ
ኣብ ናይጀርያ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መጻረዪ ነዳዲ ኣብ ዝተኸፈተሉ ሰልጣን ካኖን ኦኒን ኣብቲ ኣብ ሌጎስ ዝተገበረ መኽፈቲ ስነስርዓት ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ኮፍ ኢሉ ተራእዩ

ምንጪ ስእሊ, SAMUEL ALABI/AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናይጀርያ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መጻረዪ ነዳዲ ኣብ ዝተኸፈተሉ ሱልጣን ካኖን ኦኒን ኣብቲ ኣብ ሌጎስ ዝተገበረ መኽፈቲ ስነስርዓት ኣብ ጐድኒ ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ኮፍ ኢሉ ተራእዩ
ኣብ ሰኔጋል፡ ብጾታዊ ዓመጽ ዝተኸሰሰ ላዕለዋይ ሓላፊ ተቓዋሚ ሰልፊ ኦሰማነ ሶንኮ ኣብ ቀይዲ ከይኣቱ ንምቅዋም ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ጽርገያ ብምዕጻው ተቓውሞታት ተኻይዱ ነይሩ፡ ሓደ ካብኡ ከኣ እዚ ኣብ ስእሊ ንርእዮ ዘለና'ዩ

ምንጪ ስእሊ, MUHAMADOU BITTAYE/AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰኔጋል፡ ብጾታዊ ዓመጽ ዝተኸሰሰ ላዕለዋይ ሓላፊ ተቓዋሚ ሰልፊ ኦሰማነ ሶንኮ ኣብ ቀይዲ ከይኣቱ ንምቅዋም ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ጽርግያ ብምዕጻው፡ ተቓውሞታት ተኻይዱ ነይሩ፤ ሓደ ካብኡ ከኣ እዚ ኣብ ስእሊ ንርእዮ ዘለና'ዩ።
ኣብ ኣርጀንቲና ዋንጫ ዓለም ትሕቲ 20 ይካየድ ኣሎ፡ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋልን ጃፓንን ኣብ ዝገጥማሉ ዝነበራ እዋን ደጋፊ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ባንዴራ ሃገሩ ሑዙ ንጋንትኡ እናደገፈ ይርአ፡ ኣብ ሓደ ምድብ ተመዲበን ዘለዋ ሰኔጋልን ጃፓንን ኣብ ዝገበረኦ ግጥም ጃፓን ሓደ ን 0 ስዒራ።

ምንጪ ስእሊ, HECTOR VIVAS/GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣርጀንቲና ዋንጫ ዓለም ትሕቲ 20 ይካየድ ኣሎ፤ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋልን ጃፓንን ኣብ ዝገጥማሉ ዝነበራ እዋን፡ ደጋፊ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ባንዴራ ሃገሩ ሒዙ ንጋንታኡ እናደገፈ ይርአ። ኣብ ሓደ ምድብ ተመዲበን ዘለዋ ሰኔጋልን ጃፓንን ኣብ ዝገበራኦ ግጥም ጃፓን 1 ብ 0 ተዓዊታ።
ቲና ሰንከተን ጃን ደላሚኒን ዝተብሃለ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ኣብቲ ብሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጸዓኢ ኣየርላድ ዓመታዊ ኣብ 25 ግንቦት ዝብዓል መዓልቲ ባህሊ ኣፍሪቃ ተረኺበን ዝተሳእለዎ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, BRIAN LAWLESS/PA WIRE

መግለጺ ስእሊ, ቲና ሰንከተን ጃን ደላሚኒን ዝተበሃላ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ኣብቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣየርላንድ ዓመታዊ ኣብ 25 ግንቦት ዝበዓል መዓልቲ ባህሊ ኣፍሪቃ ተረኺበን ዝተሳእላኦ ስእሊ።
ኣብ ርሰ ከተማ ኣልጀርያ ሓያለ ደቂ ኣንስትዮ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምምስራት ናይቲ ንምዕራብ ሳህራ ሓራ ንምውጻእ ዝተመስረት ግንባር ፖኣሊሳርዮ ተኣኻኺበን።ኣብዚ እዋን 80 ሚኢታዊት ካብ ምዕራብ ሳህራ ሞሮኮ ክትቖጻጸሮ እንሀላ ነዚ ዝተረፈ ግንባር ፓሊሳርዮ'ዩ ሒዝዎ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ኣልጀርያ ሓያለ ደቂ ኣንስትዮ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምምስራት ናይቲ ንምዕራብ ሰሃራ ሓራ ንምውጻእ ዝተመስረት ግንባር ፖሊሳርዮ ተኣኻኺበን። ኣብዚ እዋን 80 ሚእታዊት ካብ ምዕራብ ሰሃራ ሞሮኮ ክትቖጻጸሮ እንከላ፡ ነቲ ዝተረፈ ግንባር ፓሊሳርዮ'ዩ ሒዝዎ ዘሎ።
ሓደ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ኣብ ደሴት ካናሪ ናይ ዓዲ ጣልያን ካብ ጃልባ ምስ ወረደ፡ 138 ስደተኛታት ንሓያለ መዓልታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰሉስ ብመርከብ ናይ ስጳኛ ናብ ደሴት ካናሪ ተራጊፎም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ኣብ ደሴት ካናሪ ዓዲጥልያን ካብ ጃልባ ምስ ወረደ፡ 138 ስደተኛታት ንሓያለ መዓልታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሰሉስ ብመርከብ ስጳኛ ናብ ደሴት ካናሪ ተራጊፎም።