ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ብዛዕባ እዋናዊ ኵነታት ዝሃቦ መግለጺ እንታይ ይብል?

ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television

ህወሓት ንነዊሕ እዋን ከካይዶ ዝጸንሐ ገምጋም፡ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ግልፅነት ክህሉን ሓድነት ክረጋገፅን ዝዓለመ ከምዝነበረ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።

ንህልው እዋናዊ ኵነታት ኣመልኪቱ 12 ለካቲት 2024 ኣብ መቐለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ውድብ ውሽጣዊ ፀገማቱ ንምፍታሕን ጥዑይ ቁመና ዝሕዘሉ ኣንፈት ንምንጻርን እኹል ገምጋም ከምዝተኻደ ምግላጹ ማዕከን ዜና እቲ ክልል ሓቢረን።

ብመንግስቲ ዝመሓደር ተሌቪዥን ትግራይ ኣብ ፌስቡክ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታን ነባራት ኣመራርሓ ትግራይን ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፎም ነይሮም።

እዚ ድማ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ኣብ መንጎ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ሓድነት ንክህሉ ተራ ምጽዋቱ እዩ ተሌቪዥን ትግራይ ጸብጺቡ።

ኣይተ ጌታቸው፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረኣዩ ንኣመራርሓን ኣባላትን ሓይልታት ፀጥታ እቲ ክልል ዝምልከቱ ጸለመታት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደጋ ዘአቱ ከምዝዀኑን እቲ ህዝቢን ውድብን ክቃለስዎ ከምዝግባእን ኣስሚሩ።

ካብ ዝምስረት ፍርቂ ዘበን ዘቝጸረ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ካብ ተዋጋኢ ሓይሊ ናብ መራሕ መንግስቲ፣ ካብ መራሒ መንግስቲ ናብ ክልላዊ ምምሕዳር፣ ቀጺሉ ናብ ደባይ ተዋጋኢ፣ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ድማ ዓብላሊ ክልላዊ ኣመሓዳሪ ኰይኑ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ባይታ ንምርካብ እናተቓለሰ ይርከብ።

ምስ ምጅማር እቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝበልዐን ማእለያ ዘይብሉ ንዋታዊ ዕንወት ዘውረደ ኲናት ትግራይን ኣተኣላልያኡን ሓያሎ ወቐሳታት ዝቐርበሉ ህወሓት፡ ቅልውላው ስትራተጂያዊ መሪሕነት ከምዘጋጠሞ ኮምሽን ቍጽጽር እቲ ውድብ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ተሰሚዑ እዩ።

ነዚ ዘጋጠሞ ቅልውላው ንምፍታሕ ድማ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ሓሙሽተ ጥራይ ኣባላት ፈጻሚት፡ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ፡ መራሕቲ ሰራዊት ትግራይን ካብቲ ውድብ ዝተሰናበቱ ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ሒዙ፡ ማዕጾ ሸጊጡ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ኣኼባን ገምጋምን ምሕጋዩ ይፍለጥ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ነቲ ውድብ ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ክዝርግሑ ጸኒሖም እዮም።

“ንሓደ ወገን ፀረ ለውጢ ንኻልእ ወገን ድማ ናይ ለውጢ መሪሕ ጌርካ ንምስኣል ዓሊሙ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ሓደገኛ ፀላእቲ እውን ዝተሓወስዎ እዩ” ክብል ጌታቸው ነቲ ክቐርበሎም ዝጸንሐ ነቐፌታ መልሲ ሂብሉ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሓለፍቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ዝተፈጸሙ ዕማማትን ብርኪ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ፌደራል ከምዝገምገሙ ይዝከር።

ኣብቲ ዘተ ብመንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝሰርሖም ስራሕቲ፡ ትግበራ ውዕሊ ስምምዕ ሰላም፡ ምምለስ ሕጋዊ ኣፍልጦ ውድብ ህውሓት ከምዝተልዓሉ ይግለጽ።

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ክፍፀሙ ዝግብኦም ግን ድማ ዘይተፈፀሙ ንጥፈታት ፌደራል መንግስቲ ከምዘቕረቡ እቲ ናይ ሎሚ መግለጺ የመልክት።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ትግራይ ዛጊት ናብ መረበቶም ዘይተመለሱሉ ምኽንያት “መንግስቲ ፌዴራል ሓላፍነቱ ብዘይምውፅኡ” ምዃኑ ብግልጺ ከምዘፍለጡ ወሲኹ ይሕብር።

“ጉዳይ ምምላስ ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይን ምምላስ ተመዛበልትን እውን ዝርርብ ተገይርሉ እዩ” ይብል።

ንትግራይ ኣዝዩ ትሑት በጀት ከምዝተወሃበን ንዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ክስርሑ ዝግብኡ ጠለባት እውን መንግስቲ ፌደራል ክፈልጦም ተገይሮም ኣለዉ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ መንጎ መራሕቲ ትግራይን ፌደራል መንግስቲን ዝተለዓለ ምስሕሓብ ስዒቡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ብመንነቶም ኣብ ቀይዲ ምእታውም ይፍለጥ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ እቶም እሱራት ክፍትሑ ትጽቢት ይግበር’ኳ እንተነበረ፡ እዚ ግን ዛጊት ኣይተፈጸመን።

ምስ እዚ ብዝተኣሳሰር፡ እቶም ኣባላት መከላኸሊ ሃገር ዝነበሩ ተጋሩ ብቕልጡፍ ንክፍትሑ ኣብ ምርድድዳእ ተበፂሑ ከምዘሎ ተሌቪዥን ትግራይ ዝዘርግሖ ትሕዝቶ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

እቲ ደማዊ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ኣስታት ክልተ ዓመት ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ መሃያ ከምዘይተኸፈሎም እውን ኣብቲ ዘተ ተላዒሉ።

እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ትግራይ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 80 ቢልየን ዶላር ዕንወትን ከምዘስዓበ'ውን ፕረዚደንት ጌታቸው ከምዝሓበረ ተገሊጹ።

ኣብ ቀፃሊ ወርሒ መጋቢት ወከልቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን፡ ተወከልቲ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪካን ደቡብ ኣፍሪካን ኣብ ዝተረኸብሉ ጉዳይ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ክግምግም ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ ኣሎ።