ወጥሪ እስራኤልን ኢራንን ዘሻቐለን ሃገራት ዜጋታተን ካብ ሊባኖስ ክወጽኡ ኣተሓሳሲበን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጐ ኢራንን እስራኤልን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ዘስግአን ሃገራት ምዕራብ ዜጋታተን ካብ ሊባኖስ ብህጹጽ ከወጽኡ የተሓሳስባ ኣለዋ።
ኣብ ቤሩት ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ዜጋታቱ "ብዝረኸቡዎ ትኬት" ኣቢሎም ካብ ሊባኖስ ክወጽኡ ኣጠንቂቑ። ብሪጣኒያ ብወገና፡ እቲ ዞባዊ ኩነታት "ብቕልጡፍ ክሓምቕ ይኽእል'ዩ" ኢላ።
ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራን ንዝተፈጸመ ቅትለት ሓላፊ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ንእስራኤል ተሓታቲት ዝገበረት ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰፍ ዘይብል ሕነ ከም እትፈዲ ቃል ኣትያ'ያ።
ሓላፊ ሓማስ እስማዒል፡ እስራኤል ንኣዛዚ ሒዝቦላህ ፉዓድ ሹከር ኣብ ቤሩት ድሕሪ ምቕታላ ኣብ ዝነበረ ናይ ሰዓታት ኣፈላላይ እዩ ተቐቲሉ።
ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሒዝቦላህ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕነ ምፍዳይ ከቢድ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእልን እዚ ድማ ብግዲኡ ከቢድ ምላሽ እስራኤል ከለዓዕል ከም ዝኽእልን ይስጋእ።
ሒዝቦላህ ብቀዳም ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ናብ እትርከብ ከተማ ቤት ሂለል ዓሰርተታት ሮኬታት ኣወንጪፉ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ሓይሊ ምክልኻል ኣየር እስራኤል ነተን ሮኬታት ከም ዘምከነን የርኢ።
ዛጊድ ዝበጽሐ ጉድኣት ከም ዘየለ ድማ ተገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዮርዳኖስ’ውን ነቶም ኣብ ሊባኖስ ዘለዉ ዜጋታቱ ብቕልጡፍ ክወጽኡ ብምሕባር፡ ካልኦት ናብኡ ከይገሹ ኣጠንቂቑ።
ካናዳ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ዜጋታታ ናብ ሊባኖስ ከይገሹ ዝጸንሐ መጠንቀቕታ፡ ናብ እስራኤል'ውን ከይገሹ ኣጠንቂቓ ኣላ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ 'እቲ ኩነታት ብዘይ መጠንቀቕታ ዝያዳ ክኸፍእ ስለ ዝኽእል’ዩ’ ኢላ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ሊባኖስ ክጸንሑ ዝመረጹ "ናይ ህጹጽ እዋን ውጥናት ከዳልዉ" ከም ዘለዎምን፡ "ንዝተናውሐ ግዜ ኣብ ቦታኦም ክዕቆቡ" ክዳለዉን ከም ዘለዎም ገሊጹ።
ሓያሎ መገዲ ኣየራት በረራታተን ከም ዝሰረዛ ዝሓበረ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ "ካብ ሊባኖስ ንምውጻእ ንግዳዊ መጓዓዝያ ኣማራጺታት ከም ዘለዉ" ሓቢሩ።
ሓይልታት ምክልኻል ኣመሪካ [ፔንታጎን] እስራኤል ካብ ኢራንን ወከልታን ክፍጸማ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምክልኻል ተወሳኺ ናይ መራኽብን ነፈርትን ውግእ ናብቲ ዞባ የዋፍር ከም ዘሎ ገሊጹ።
ዓባይ ብሪጣንያ ዜጋታታ ንምውጻእ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ኣባላት፡ ቈንስላዊ ሰራሕተኛታትን ሰበስልጣን ሓይሊ ዶብን ትሰድድ ከም ዘላ ክትገልጽ እንከላ፡ "ንግዳዊ በረራታት ከየቋረጹ እንከለዉ" ግን ካብ ሊባኖስ ክወጸኡ አኣተሓሳሲባ።
ድሮ ክልተ ወተሃደራዊ መራኽብ እንግሊዝ ኣብቲ ዞባ ከም ዘለዋ ተሓቢሩ።
ሚኒስተራት እስራኤል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ መራኸቢ እታ ሃገር መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ርክባት ከይቋረጽ ብዝብል ሳተላይት ቴሌፎናት ሒዞም ነናብ ቤቶም ክኸዱ ከም ዝተገበረ ተገሊጹ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኢራን 170 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ 30 ክሩዝ ሚሳይላትን ብውሕዱ 110 ባሊስቲክ ሚሳይላትን ተጠቒማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ'ያ።
ነዚ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ደማስቈ ዝርከብ ኤምባሲ ኢራን ደብዳብ ፈጺማ።
ግዝያዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓሊ ባከሪ ካኒ ብዓርቢ ምስ ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፕ ቦረል ኣብ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ኢራን ንእስራኤል "ክትቀጽዕ ባህርያውን ሕጋውን መሰላ ክትጥቀም" እያ ኢሉ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣቕራቢ ዜና መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኢራን፡ "ዓለም ዘይተለምደ ክስተት ክትዕዘብ እያ" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ንእስራኤላውያን "በዳሂ መዓልቲታት ኣብ ቅድሜና ኣሎ... ካብ ኩሉ ወገን ናይ ምፍርራሕ ድምጺ ሰሚዕና ኣለና። ንዝዀነ ፍጻሜታት ድማ ድሉዋት ኢና" ክብል ተዛበቡ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







