መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝወስዶ ስጕምቲ 'ተመጣጣኒ' ክኸውን ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, EYSTONE/EHRC
ዓለምለኻዊ ኮምሽን ጕጅለ ሰብሞያ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጊ ንምኽባር ዝወስዶ ስጕምቲ ተመጣጣኒ ክኸውን ጸዊዑ።
እቲ ኮምሽን ኣብ ሰሜን ምዕራብ እታ ሃገር ብፍላይ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ከምዘሻቐሎ ሓቢሩ።
ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጠመ ጐንጺ ንምቍጽጻር ህጹጽ እዋን ከምዝኣወጀ ዘዘኻኸረ እቲ ኮምሽን፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተተግበሩ ኣዋጃት ህጹጽ እዋን፡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ነይሩ ኢሉ።
መንግስቲ ነዚ ህጹጽ እዋን ኣብ ዘፈጽመሉ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ቃል ኪዳን መሰላት ሲቪልን ፖለቲካን ዓንቀጽ 4፡ ኣድላይነት ኣፈጻጽማ እቲ ኣዋጅ፡ ተመጣጣንነትን ሓደ ወገን ፈሊኻ ናይ ዘይምጥቃዕን መትከላት ክኽተል ኣለዎ ኢሉ።
ጕጅለ ሰብሞያ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ጐንጺ ዝሳተፉ ዘለዉ ኵሎም ኣካላት፡ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩን ግጭት ደው ኣቢሎም ፍልልዮም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሑን ጸዊዑ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያ፡ ጃፓንን ኒውዚላንድን ኣብ ዘውጽኣኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልቲአን ክልላት ዘጋጠመ ግጭት ጠንቂ ሞት ሞት ሰላማውያን ሰባትን ዘይምርግጋእን ከምዝዀነ ሓቢረን ኣለዋ።
እቲ ጕጅለ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ተፈጺሞም ዝተባህሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዘይሻራ ክምርምር ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት ዝተወሃቦ እዩ።
እቲ ኮምሽን ውጽኢት ዘካየዶ ምርመራ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ዕላዊ ገይሩ ነይሩ።
ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለትን ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃምን ዝኣመሰሉ ገበናት ከምዝተፈጸሙ እቲ ጸብጻብ ኣቃሊዑ።
እቲ ኮምሽን፡ እቶም ዝተፈጸሙ ገበናት፡ ገበናት ኲናትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ከምዝዀኑ ይኣምን።
ውጽኢት እቲ ምርመራ ኣብቲ እዋን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቘጠዐ ኰይኑ፡ እቲ ምርመራ ሞያዊ ሓላፍነት ዘየማልአን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝኸሓድን ክብል ነጺግዎ።
ጕጅለ ሰብሞያ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ስራሕ እዋኑ ክሳብ ታሕሳብ 2016 ኣግ ተናዊሑ ክቕጽል ከምዝተገበረ ዝዝከር እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣሜሪካን እንግሊዝን ዝርከብአን ሃገራት ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን ዘሎ ግጭት ከም ዘሻቐለን ገሊጸን።
ኣብተን ክልላት ኣብ ዝተወልዑ ግጭታት ዝዋስኡ ዘለዉ ኵሎም ወገናት፡ ድሕነት ሰላማውያን ዜጋታት ከረጋግጹ፡ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩን ፍልልያቶም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሑን እተን ሃገራት ሓቲተን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝተፈጠረ ግጭት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ኣውሪዱን፣ ኣብቲ ክልል ዘይምርግጋእ ፈጢሩን እዩ።
ኵነታት ጸጥታ እቲ ክልል ዘሻቐለን ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ካብተን ዜጋታተን ናብ ክልል ኣምሓራ ከይከዱን ኣብኡ ዘለዉ ኸኣ ክጥንቀቝን ዘተሓሳሰባ ሃገራት እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







