ፕረዚደንት ዩክረይን ብሉፅ ሰብ መጽሔት ታይም 2022 ኰይኑ

ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, TWITTER/@TIME

መጽሔት ታይም ንፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ “መንፈስ ዩክረይን” ብምባል ብሉፅ ሰብ ዓመተ 2022 ገይሩ ሰምይዎ።

እዚ ሽልማት ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ኣብ ዘጋጠሙ ዓለማዊ ፍጻመታት ልዑል ጽልዋ ንዝፈጠረ ሰብ ወይ ፍጻመ ዝወሃብ እዩ።

ተቓወምቲ ኢራን፡ መራሒ ቻይና ዢ ጂንፒንግን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካን’ውን ካልኦት ኣብ መወዳእታ ብርኪ ዝበጽሑ ሕፁያት 'ቲ መጽሔት ኰይኖም።

ኣሰናዳኢ ታይም፡ እዚ ውሳነ “ንዝኽሪ ፍጹም ንጹር ዝዀነ ’ዩ” ኢሉ።

ኤድዋርድ ፈልሰንታል፡ “ኣብዛ እናመቓቐለት ዝመጽአት ዓለም፡ ንመንፈስ ሓድነት 'ታ ሃገር ዘደንፍዕ እዩ” ክብል ጽሒፉ።

ንሱ ወሲኹ፡ “መንፈስ ዩክረይን” ንዅሎም ዩክሬናውያን፡ እንተላይ ነቶም ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ኰይኖም ዝቃለሱን ዝገልጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ነቲ ንብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ዩክሬናውያን ብዘይ ክፍሊት ዝመገበ ከሻኒ ኢቭገን ክሎፖቴንኮን፡ ነታ ብሩስያ ተማሪኻ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ዝተፈትሐት ዶክተር ዩሊያ ፓዬቭስካን ዘጠቓልል እዩ።

መጽሔት ታይም፡ ዘለንስኪ ንዩክሬናውያን ከም ዘነቓቕሖምን ንወራር ሩስያ ንምቅላስ ብዘርኣዮ ትብዓት ብብርኪ ዓለም ኣፍልጦ ከምዝረኸበን ገሊጹ።

“ዘለንስኪ ከም መራሒ እዋን ኵናት ዝረኸቦ ዓወት፡ ተሰጋጋሪ ኣብ ዝዀነ ትብዓት ዝተደረኸ’ዩ” ብምባል፡ ነቲ መራሒ መጕሱ።

ኣብቲ ኵናት ንዝተጐድኡ ዩክሬናውያን ንምሕጋዝ ናብ ዩክረይን ዝኸደ ብሪጣንያዊ ሓኪም መጥባሕቲ ደቪድ ኖት፡ ኣብ ሽፋን ገጽ መጽሔት ታይም ካብ ዝቐረቡ ብዙሓት ኰይኑ ኣሎ።

ደቂ ኣንስትዮ ኢራን ጀጋኑ መጽሔት ታይም 2022 ክዀና እንከለዋ፡ ባንድ ኬ-ፖፕ (K-pop) ብላክፒንክ ድማ፡ ብሉጻት ኣዘናጋዕቲ መጽሔት ታይም (Time's Entertainer) ተባሂለን ተሓርየን።

ኣሜሪካዊ ተጻዋታይ በይዝቦል ኣሮን ጀጅ፡ ብሉጽ ኣትለት እዚ ዓመት ክኸውን እንከሎ፡ ማሌዥያዊት ተዋሳኢት ሚሸል ዮህ ድማ ናይዚ ዓመት ብልጽቲ ትእምርቲ (Icon of the Year) መጽሔት ታይም ኰይና ኣፍልጦ ረኺባ ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲ ዝነበረ ኤሎን መስክ፡ ኣብዚ ዓመት’ውን ናይ መወዳእታ ሕጹይ ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2021 እቲ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሕ መኪና ዘፍሪ ተስላ፡ ኣብ ዓለም እቲ ክቡር መኪና ዘፍሪ ትካል ዝብል ኣፍልጦ ናይቲ መጽሔት ተጐናጺፉ'ሎ።

መጽሔት ታይም፡ ኣብ 1927 እዩ፡ ብሉጽ ሰብ እዚ ዓመት ዝብል ኣፍልጦ ምሃብ ዝጀመረ።

መዝገብ ታሪኽ ብሉጻት ሰባት መጽሔት ታይም ንድሕሪት ተመሊስና ምስ እንርኢ፡ ጀርመናዊ ውልቀ መላኺ ኣዶልፍ ሂትለር ኣብ 1938 ፣ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ 2007 ተዓወትቲ ታይም ኰይኖም ንረኽቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝነበሩ ተዓወትቲ

  • 2021 - ኤሎን መስክ
  • 2020 - ጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስን
  • 2019 - ገርታ ተንበርግ
  • 2018 - ‘ዘ ጋርድያን’፡ ጀማል ኻሾጊ ዝርከቦም ጕጅለ ጋዜጠኛታት
  • 2017 – “ሰባሪ ስቕታ” (The silence breakers) ምንቅስቓስ #MeToo ዝጀመራ ደቂኣንስትዮ
  • 2016 - ዶናልድ ትራምፕ
  • 2015 - ኣንገላ መርኸል
  • 2014 – “ተቓለስቲ ኢቦላ” (Ebola Fighters)፡ ለበዳ ኢቦላ ኣብ ኣፍሪቃ ንምግታእ ዝተቓለሱ ዶካትር
  • 2013 - ጳጳስ ፍራንሲስ
  • 2012 - ባራክ ኦባማ