እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ከተማ ይሓይሽ እንተበልናስ. . . ይገድድ’ - ኣዛነይቲ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም
ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ዝሰርሐ ሰብ፡ ‘ድኻም ወይ ጸቕጢ’ እንተተሰምዖ ዘይልሙድ ኣይኰነን።
ድኻም ወይ ጸቕጢ ክስመዓና እንከሎ ድማ ገለ መዛነዪ ክንረክብ ደስ ይብለና።
እነሆ ብዞም 10 ኣዛነይቲ ኣሳእል፡ ብዛዕባ መነባብሮ እንስሳታት ዘገዳም እናሓሰብና ድኻምና ኣፍኩስ ነብል።
ክሪስቶፈር ኮሎምቦስ ብ1494 ኣብ ካሪብያን ኣብ ዝገበሮ ጉዕዞ፡ ቀጠልያ ኣባ ጎብየታት ካብ ምብዝሖም ዝተለዓለ፡ መራኽቡ ዳርጋ ረጊጻቶም ደው ከም ዝበለት ይንገር። ሎሚ ግን እዞም እንስሳ ኣብ ሓደጋ ይርከቡ።
ምጹጽላያት መብዛሕትኡ ግዜ ግዳይ ጉንጓ እዮም። እዚኣ ግን ኣብ ቅድሚ ሃደንታ፡ እሞ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝአን ምዝላላ፡ ነተን ጉንጓታት ዘደንጸወን ይመስል።
ኣብ ኣዕዋፍ፡ ኣደታት ንጫቚተን ካብ ኣፈን ምምጋብ ልሙድ’ኳ እንተዀነ ጫቚት ግን ክሳብ ጐሮሮ ኣዲኣ ኣትያ መግቢ ክትእልሽ ከላ፡ ማዕረ ክንደይ እንተጠመየት ክኸውን ይኽእል?
ኣብ ወደብ ጎልድ ሃርበር ኣመሪካ፡ ፐንጉን ብሰልፊ ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ብቤን ክራንከ ተሳኢሎም።
ኣብ ከባቢኣ ብሰንኪ ዘሎ ጥሜት ናብ ከተማ ዝገዓዘት እዛ ጉንጓ፡ “ ኣብ መንጎ ጐሓፍ እውን ገለ ዝብላዕ ዝጠፍዓሉ ግዜ እዩ መጺኡ” ክትብል ንማዕከን ዜና 00 ኣብ ዝሓበቶ ቃል ገሊጻ። ኣብ ከተማ ዘሎ ዝምልከቶ አካል እውን ሓገዝ ክገብር ተማሕጺና።
እንታይ’ሞ ይገበር? እዚ ብኢርማ ስዛቦ ዝተሰኣለ ኮርሞራንት፡ ካርና ዝጠመየን ንምድርዳር ግዜ ዘለዎን ኣይመስልን።
ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ መብዛሕትኦም እንስሳታት ሕጽረት መግቢ የጋጥሞም’ዩ። እዚ ማለት ብዙሓት ዓይነታት እንስሳታት፡ እንተላይ እዚ ቀይሕ ወኻርያ፡ መግቢ ንምርካብ ካብቲ ንቡር ዝያዳ ሓደጋታት ይወስዱ - ገሊኦም ድማ ‘ክስርሓ ኢለን ዝወጻ፡ ተነጽየን መጻ’ ዘብል ኵነታት ይገጥሞም።
ዝዀነ ይኹን ለውጢ ሓባራዊ ጻዕሪ ይሓትት። እዞም ዘደንቑ ጻጸ ኩሉ ግዜ ግድን ኣይቀትሉን’ዮም፤ ንገለ ሓሳኹ ካብ በላዕትን ጽግዕተኛታትን ይከላኸልዎም’ዮም። ንኣብነት ‘ሊፍ ሃፕርስ’ ጽማቝ ተኽልታት ዝመጥጡ ሓሳኹ ኰይኖም፡ ንሳቶም ዘውጽእዎ ምቁር ጽማቝ ንጻጸታት’ውን ይተርፍ’ዩ። ስለዚ እዞም ጻጸታት ኣብ ልዕሊ ‘ሊፍ ሃፕርስ’ ጉድኣት ከይበጽሕ ክከላኸሉ ተራእዮም’ዮም።
ክልተ ጻጸ ዝሞተ ንእሽቶ ሕንጅጅ ንምስካም ይተሓባበሩ፤ ኣብ ሞንተቨርደ ኮስታሪካ ብሮማን ዊሊ ተሳኢሎም።
ሓንቲ ግስላ ኣደ ኣብ ልዑል ቦታ ኰይና ግዳይ ክትእልሽ ከላ፡ ጻወታ ዝፈቱ ኩርኩር ወዳ ድማ ንኣዲኡ ከምስል ይፍትን። ኣብ ሓደ እዋን ዳርጋ ክሳብ ዝጠፍኡ ዝተሃደኑ ግስላታት፡ ሳላ ፍሉይ ስጉምትታት ምክልኻል ናብ ንቡር እናተመልሱ ይርከቡ።