‘ከተማ ይሓይሽ እንተበልናስ. . . ይገድድ’ - ኣዛነይቲ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም
ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ዝሰርሐ ሰብ፡ ‘ድኻም ወይ ጸቕጢ’ እንተተሰምዖ ዘይልሙድ ኣይኰነን።
ድኻም ወይ ጸቕጢ ክስመዓና እንከሎ ድማ ገለ መዛነዪ ክንረክብ ደስ ይብለና።
እነሆ ብዞም 10 ኣዛነይቲ ኣሳእል፡ ብዛዕባ መነባብሮ እንስሳታት ዘገዳም እናሓሰብና ድኻምና ኣፍኩስ ነብል።

ምንጪ ስእሊ, Thomas Peschak / Wildlife Photographer of the Year
ክሪስቶፈር ኮሎምቦስ ብ1494 ኣብ ካሪብያን ኣብ ዝገበሮ ጉዕዞ፡ ቀጠልያ ኣባ ጎብየታት ካብ ምብዝሖም ዝተለዓለ፡ መራኽቡ ዳርጋ ረጊጻቶም ደው ከም ዝበለት ይንገር። ሎሚ ግን እዞም እንስሳ ኣብ ሓደጋ ይርከቡ።

ምንጪ ስእሊ, Makoto Ando
ምጹጽላያት መብዛሕትኡ ግዜ ግዳይ ጉንጓ እዮም። እዚኣ ግን ኣብ ቅድሚ ሃደንታ፡ እሞ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝአን ምዝላላ፡ ነተን ጉንጓታት ዘደንጸወን ይመስል።

ምንጪ ስእሊ, Brian Matthews
ኣብ ኣዕዋፍ፡ ኣደታት ንጫቚተን ካብ ኣፈን ምምጋብ ልሙድ’ኳ እንተዀነ ጫቚት ግን ክሳብ ጐሮሮ ኣዲኣ ኣትያ መግቢ ክትእልሽ ከላ፡ ማዕረ ክንደይ እንተጠመየት ክኸውን ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Ben Cranke/Bird Photographer of the Year
ኣብ ወደብ ጎልድ ሃርበር ኣመሪካ፡ ፐንጉን ብሰልፊ ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ብቤን ክራንከ ተሳኢሎም።

ምንጪ ስእሊ, Kerry Wu/BPOTY
ኣብ ከባቢኣ ብሰንኪ ዘሎ ጥሜት ናብ ከተማ ዝገዓዘት እዛ ጉንጓ፡ “ ኣብ መንጎ ጐሓፍ እውን ገለ ዝብላዕ ዝጠፍዓሉ ግዜ እዩ መጺኡ” ክትብል ንማዕከን ዜና 00 ኣብ ዝሓበቶ ቃል ገሊጻ። ኣብ ከተማ ዘሎ ዝምልከቶ አካል እውን ሓገዝ ክገብር ተማሕጺና።

ምንጪ ስእሊ, Irma Szabo
እንታይ’ሞ ይገበር? እዚ ብኢርማ ስዛቦ ዝተሰኣለ ኮርሞራንት፡ ካርና ዝጠመየን ንምድርዳር ግዜ ዘለዎን ኣይመስልን።

ምንጪ ስእሊ, Fahad Alenezi
ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ መብዛሕትኦም እንስሳታት ሕጽረት መግቢ የጋጥሞም’ዩ። እዚ ማለት ብዙሓት ዓይነታት እንስሳታት፡ እንተላይ እዚ ቀይሕ ወኻርያ፡ መግቢ ንምርካብ ካብቲ ንቡር ዝያዳ ሓደጋታት ይወስዱ - ገሊኦም ድማ ‘ክስርሓ ኢለን ዝወጻ፡ ተነጽየን መጻ’ ዘብል ኵነታት ይገጥሞም።

ምንጪ ስእሊ, Minghui Yuan/Wildlife Photographer of the Year
ዝዀነ ይኹን ለውጢ ሓባራዊ ጻዕሪ ይሓትት። እዞም ዘደንቑ ጻጸ ኩሉ ግዜ ግድን ኣይቀትሉን’ዮም፤ ንገለ ሓሳኹ ካብ በላዕትን ጽግዕተኛታትን ይከላኸልዎም’ዮም። ንኣብነት ‘ሊፍ ሃፕርስ’ ጽማቝ ተኽልታት ዝመጥጡ ሓሳኹ ኰይኖም፡ ንሳቶም ዘውጽእዎ ምቁር ጽማቝ ንጻጸታት’ውን ይተርፍ’ዩ። ስለዚ እዞም ጻጸታት ኣብ ልዕሊ ‘ሊፍ ሃፕርስ’ ጉድኣት ከይበጽሕ ክከላኸሉ ተራእዮም’ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Roman Willi
ክልተ ጻጸ ዝሞተ ንእሽቶ ሕንጅጅ ንምስካም ይተሓባበሩ፤ ኣብ ሞንተቨርደ ኮስታሪካ ብሮማን ዊሊ ተሳኢሎም።

ምንጪ ስእሊ, Amit Eshel
ሓንቲ ግስላ ኣደ ኣብ ልዑል ቦታ ኰይና ግዳይ ክትእልሽ ከላ፡ ጻወታ ዝፈቱ ኩርኩር ወዳ ድማ ንኣዲኡ ከምስል ይፍትን። ኣብ ሓደ እዋን ዳርጋ ክሳብ ዝጠፍኡ ዝተሃደኑ ግስላታት፡ ሳላ ፍሉይ ስጉምትታት ምክልኻል ናብ ንቡር እናተመልሱ ይርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







