ብጉዳይ ስርቂ ኣዋርቕን ጥረ ገንዘብን ዝተኸሰሰ መንገዲ ኣየር

ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ኩባንያ ጸጥታ፡ ኣብ ሚያዝያ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቶሮንቶ ምስ ዝተሰረቐ ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ወርቅን ገንዘብን ብዝተኣሳሰር ንመንገዲ ኣየር ካናዳ ከሲሱ።

‘ብሪንክስ ኢንተርናሽናል’ ዝተብሃለ ትካል፡ እቲ መንገዲ ኣየር "ሸለልትነት" ከምዝነበሮን ነቲ ስርቂ ክከላኸሎ ከምዘይከኣለን ይኸስስ።

እቲ ልዕሊ 20 ሚልዮን ዶላር ካናዳ (15 ሚልዮን ዶላር) ዝግመት ወርቂ ቅድሚ ምስራቑ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዙሪክ ናብ ቶሮንቶ ኣብ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ‘ኤይር ካናዳ’ ከምዝኣተወ ይፍለጥ።

እዚ ጕሕለት፡ ኣብ ታሪኽ ካናዳ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ስርቂ ተባሂሉ’ሎ።

ካብቶም ዝተሰርቁ ኣቑሑት፡ ልዕሊ 400 ኪሎ ግራም ዝምዘኑ ባር ወርቂን 2 ሚልዮን ዶላር ጥረ ገንዘብን ይርከብዎም።

እቲ ብ14 ሚያዝያ ዝተፈጸመ ስርቂ ኣብቲ እዋን ዓለምለኻዊ ዛዕባ ማዕከናት ዜና ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ ክሳብ ሕጂ ብፖሊስ ዘይተፈትሐ ገበን’ዩ።

ኣብቲ ብ6 ጥቅምቲ ኣብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ካናዳ ዝቐረበ ክሲ፡ ብሪንክስ ዝተበሃለ ከሳሲ ኩባንያ ብባንክን ብሓደ ኩባንያ ክቡር ሓጺንን ተቘጺሩ ንጽዕነት ናይቲ ኣቑሑት የዋድድ ከምዝነበረ ኣመልኪቱ።

እቲ ንብረት ካብ ስዊዘርላንድ ናብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቶሮንቶ ካብ ዝኣተወት ነፋሪት ምስተራገፈ ድሕሪ 42 ደቓይቕ ከምዝተሰርቀ እቲ ኩባንያ ገሊጹ’ሎ።

ድሕሪ ምርጋፍ ድማ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ ናብቲ ክቡር ኣቑሑት ዝቕመጠሉ መኽዘን ከምዝኣተወ ይሕብር።

"እቲ መንነቱ ዘይተፈልጠ ውልቀሰብ ናብቲ መኽዘን ክኣቱ ከሎ ዝከታተል፡ ዝድርት ወይ ብኻልእ መንገዲ ዝቈጻጸር ዝዀነ ናይ ጸጥታ ፕሮቶኮላት ወይ መሳርሒታት ኣብቲ ቦታ ኣይነበረን" ይብል ብሪንክስ።

እቲ ሰብ ንሓደ ሰራሕተኛ ኤይር ካናዳ ምስቲ ጽዕነት ዘይራኸብ ወረቐት ብምርኣይ ክኣቱ ከምዝኸኣለ ይግለጽ።

ብድሕሪኡ እቲ መንገዲ ኣየር ነቲ ጽዕነት ናብቲ ውልቀሰብ ከም ዘሰጋገሮን፡ ንሱ ድማ "ምስ እቲ ጽዕነት ከም ዝሃደመን" እቲ ክሲ ይሕብር።

ብሪንክስ፡ እቲ ሰራሕተኛ መንገዲ ኣየር ካናዳ "ብዝዀነ ይዅን መገዲ" ትኽክለኛነት ናይቲ ወረቐት ንምርግጋጽ ፈተነ ከምዘይገበረ የመልክት። ዋጋ ናይቲ ዝተሰርቀ ኣቝሑ ድማ በቲ መንገዲ ኣየር ምሉእ ብምሉእ ክምለስ ሓቲቱ።

ኤይር ካናዳ ግን ብዛዕባ እቲ ክሲ ዛጊት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ቢቢሲ ርእይቶ ንምርካብ ናብቲ መንገዲ ኣየር ተወኪሱ ኣሎ።