ሓላፊ ምምሕዳር ኣብረርትን ሆስተስን መገዲ ኣየር ኢስተርን ኣማኑኤል ሰፋኒ

ሰራሕተኛ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነበር ኣማኑኤል ሰፋኒ፡ ኣብቲ ዘገልግሎ ትካል ብልቡ ተወፍዩ ለይትን ቀትርን የገልግልን ስለ ዝነበረ፡ መሓዙቱ ኣብታ ናይ ዕረፍቲ ግዜኤ ብሓባር ክዘናግዑ ክሓቱዎ እንከለው ‘ምናልባት ብስራሕ እንተደለዩኒኸ’ ብዝብል ምኽንያት ቆጸራ ኣይገብርን ነይሩ።

ኣማነኤል፡ “ካብ ስራሕ ወጻኢ ካልእ ህይወት ዘሎ ኣይመስለንን ነይሩ” በሃሊ’ዩ።

ተወፋይነትን ስነ ምግባርን ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ እቲ ትካል ብቐጻሊ ብኣገልግሎቱ ክስለምን ካብ ኣፍሪቃ ብሉጽ መገዲ ኣየር ኰይኑ ንኽቕጽልን ከም ዘኽኣሉዎ ይምስክር።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሰራሕተኛታቱ ልዑል ናይ ስራሕን ስነ ምግባርን ተወፋይነትን ባህሪ ስለ ዘማዕበለ ዝምስገን ዓወታት ከምዘመዝገበ ሰራሕተኛታቱ ይዛረቡ።

“ናብ ስራሕ ክልተ ደቒቕ ደንጒየ እንተኣትየ ብዙሕ ስራሕ ተበላሽዩ ዝጸንሓኒ ኰይኑ እዩ ዝስመዓኒ ነይሩ” ዝብል ኣማኑኤል ሰፋኒ ንነብሱ ብሞያን ስነ ምግባርን ዘዕበየ ክኢላ እዩ።

እንተዀነ እቲ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ክሪው ማናጀር ኰይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ኣማኑኤል፡ ብ04 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ግጭት ምስ ተኸስተ፡ ሞያዊ ኣበርክቶኡ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ኣብ ሕቶ ምልክት ስለ ዝኣተወ፡ ኣዝዩ ከም ዝተተንከፈን ንሰሙን ካብ ስራሕ ከም ዝተኣገደን ይገልጽ።

ኣብቲ እዋን፡ ሰራሕተኛታት እቲ ኣባል ስታር ኣላያንስን ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየን መገዲ ኣየርን ዝዀኑ ተጋሩ ሰራሕተኛታት፡ ‘ክሳብ እንጽውዓኩም ኣብ ገዛኹም ጽንሑ’ ዝብል መወዳእትኡ መዓስ ምዃኑ ዘይፍለጥ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ተዋሂቡዎም ነይሩ።

ኣቐዲሙ፡ ካብ ኣብረርትን ኣሳሰይቲ በረራን ክቐርብ ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ናይ ዘይዕግበት ቅሬታ፡ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ካብ ስራሕ ንክእገድ ከም ምኽንያት ከም ዝቐረበሉ ይገልጽ።

ኣማንኤል ግን እቲ ስጉምቲ ብመንነቱ ከም ዝተወስደ እዩ ዝኣምን።

"ብምኽንያት መንነተይ ኣብ ገዛ ኴንካ ስራሕ ተባሂለ፤ እቲ ስጉምቲ ኣብ ስርሐይ ብዘርኣኹዎ ጉድለት ዘይኰነ ብመንነተይ ዝተገብረ ኣድልዎ ስለ ዝዀነ እሓዝን። ምኽንያቱ ዝዀነ ሰብ ክሾመኒ፣ ክነቕፈኒ እንተዀይኑ ብስርሐይ እምበር ብብሄረይ ክኸውን የብሉን ኢለ ስለ ዝኣምን ተጠንቂቐ እየ ዝሰርሕ ነይረ።

"ኣብ ስራሕ ቦታ ኣምሓርኛ ወይ ኢንግሊዘኛ ስለ እትዛረብ ትግራዋይ ምዃነይ ዝፈልጥ ሰብ’ውን ዝነበረ ኣይመስለንን ነይሩ፡” ይብል ኣማኑኤል።

ኣብቲ እዋን’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ነቶም ኣብ ዶባትን ድፋዓትን ንዓመታት ሓቢሮምዎም ዝነበሩ ሰራዊት ሰሜን እዝ ብለይቲ ሓደጋ ከም ዘውደቑሎም ከሲሱዎም ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ካልእ እዝታት ሰራዊት፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፖሊስን ኣገደስቲ ትካላት መንግስትን ዝሰርሑ ዝነበሩ ትግራዎት፡ ንገሊኦም ንግዚኡ ካብ ስርሖም ከደስክሉዎም እንከለው ንብዙሓት መኮንናት ከኣ ዕጥቆም ኣሕዲጎም ንገሊኦም ኣብ ገዛውቶም ንገሊኦም ከኣ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ቀይዶሞም ነይሮም።

ኣማኑኤል፡ ድሕሪ 11 ሰሙናት ናብ ስርሑ እኳ እንተተመልሰ ከምቲ ናይ ቀደም ናጽነት ስለ ዘይተሰመዖ ነቲ ትካል ገዲፉ ካብ ሃገር ወጺኡ።

ኣብ ሕዳር 2020 ግጭት ትግራይ ምስ ጀመረ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ጥራሕ፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ናብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ከም እተሰዱ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

እቲ ኲናት እናበርትዐ ምስ ከደ ከኣ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኰነ ካልኦት ኣብ ውልቃዊ ንግድን ምንቅስቓስን ዝዋስኡ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተጋሩ ብመንነቶም ይእሰሩ፣ ካብ ስራሕ ይእገዱ፣ ትካል ንግዶም ይዕጾን ይንከላበቱን ስለዝነበሩ ከቢድ ስክፍታን ሻቕሎትን ሰፊኑ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት፡ ካብ ትግራይ ጥራሕ ዘይኰነ ካብቲ ክልል ወጻእ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታትን ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ ብብዝሒ ካብታ ሃገር ወጺኦም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኬንያ፣ ዩጋንዳን ሩዋንዳን ይኣትው ነይሮም። ኣማኑኤል ድማ ናብ ኣሜሪካ ተሰዲዱ።

“ናይ ስደት ጽቡቕ የለን፤ ግን ተወዳድሮ ምስ ዘለኻዮ እዩ፤ ድሕሪ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ትግራዋይ ከም ካልኣይ ዜጋ’ውን ኣይቑጸርን ነይሩ፤ ትግርኛ ብነጻነት ምዝራብ ኣይክኣልን ነይሩ። ሽዑ ኣብ ስደት ናብራ ሓደ ኢለ ክጅምር እንከለኹ፡ እቲ ዘኻዕበትኩዎ ስራሕ ልምዲ’ውን ብባዶ’ዩ ክባዛሕ ኢለ ንኣእምሮይ ከእምኖ ነይሩኒ” ይብል።

“ትዕግስቲ ተማሂረሉ’የ”

ኣማኑኤል፡ ካብ 2010 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ጀሚሩ ን11 ዓመታት እዩ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣገልጊሉ።

ኣብ መገዲ ኣየር ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ ጽቡቕ ውጽኢት ሒዙ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ ብ’ኣፕላይድ ስታቲስቲክስ’ ምስ ተመረቐ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ንሰለስተ ሰሙን ጸኒሑ’ዩ።

“ሽዑ (ብ2010) መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 28/ 30 ነፈርቲ እየን ነይረንኦ፤ ቑጽሪ ኣብረርትን ኣሳሰይትን ተደሚሩ ድማ 1,500 ኣይመልእን ነይሩ። ክሳብ ዝወጽኣሉ ግዜ፡ እተን ነፈርቲ 130 ፓይለትን ሆስተስን ተደሚሩ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ’ዩ በጺሑ።”

ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ከም ዝሰርሐ ዝዛረብ ኣማኑኤል፤ ካብቲ መገዲ ኣየር ቅድሚ ምውጽኡ ንዘለዋ ኣርባዕተ ዓመታት ኣካያዲ ስራሕ ክፍሊ ምደባ ኣብረርትን ኣሳሰይቲ በራረን ዝዀነ ‘ክሪው ስኬጁሊንግ’ ኰይኑ ምጽንሑ ይጠቅስ።

እዚ ክፍሊ ብቐንዱ፡ መን ኣየናይ፣ ናይ መዓዝ በረራ፣ ናበይ ነፋሪት ሒዙ ይኺድ፣ ከም ምቅይያር ኣባላት በረራ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ጉዳያት በረራ የማእኽል።

“ብስራሕ ምስ ልዕሊ 4 ሽሕ ሰራሕተኛ ስለ እትራኸብ ከም መልክዕና ባህሪና’ውን ዝተፈላለየ እዩ። ሓደ ሰራሕተኛ ኣበል ዘለዎ በረራ ቀይርካ ኣበል ዘይብሉ በረራ ክትህቦ ትኽእል። ንስኻ፡ ዝኸፈለ መንገደኛ ሒዙ’ዩ ዝኸይድ ብዝብል ስራሕ ኢኻ ትርኢ፤ ኩሉ ክስራሕ ስለ ዘለዎ። ነቲ እትምድቦ ሰብ ግን ከምዚ ኣተኣኻኺለ ዝዀነ ክገብር እየ ስለ ዝብል ክትቅይሮ እንከለኻ ኣብ ህይወቱ ኣቲኻ ኢኻ ተበላሽወሉ ዘለኻ”።

በዚ ብዙሓት ክሓርቁ ግድን እዩ።

“ኣነ ግን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዙሕ ነገር ተማሂረሉ፣ ትዕግስቲ ንክህልወኒ ገይሩኒ’ዩ። ካብ ኩሉ ብሄር ዝተወጻጽኡ ሰራሕተኛታት፣ ልዕሊ 200 ዜጋታት ወጻእ እዮም ነይሮም። እዚ ብዙሕ ዓይነት ባህሊ፣ ኣተሓሳስባ፣ ዲስፕሊን ክመሃር ገይሩኒ’ዩ፤ ናብ ስራሕ ክልተ ደቒቕ ኣርፊደ እንተኣትየ ስራሕ ተበላሽዩ ዝጸንሓኒ ይመስለኒ ነይሩ” ይብል።

ትሸዓተ ኣብያተ ትምህርቲ እናቐያየረ ዝዓበየ ኣማኑኤል

ኣዲኡ ነፍሰ ጾር ኰይና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ደርግ ንምእላይ ኣብ ዝተገብረን 17 ዓመታት ዝወሰደን ዕጥቃዊ ቃልሲ ትግራይ ተጋዳሊት ስለ ዝነበረት፡ ኣማኑኤል ሰፋኒ ብ1982 ዓ.ም ኣብ ገድሊ’ዩ ተወሊዱ።

ኣብቲ ንሱ ዝተወልደሉ ግዜ፡ እቶም ተጋደልቲ ኣብቲ እዋን ህቡብ ዝነበረ ኣብ ዙርያ ‘ራምቦ’ ሓደ ኣሜሪካዊ ኣባል ሰራዊት ዝነበረ ወተሃደር ዘተኰረ ፊልም ይርእዩ ስለ ዝነበሩ፡ ወለዱ ራምቦ ኢሎም’ዮም ሽም ኣውጺኦምሉ።

“ኣማኑኤል ናይ ክርስትና ሽመይ እዩ፤ ኣቦ ሓጎይ’ዮም ናብ ገዛ መጺኦም ብራምቦ ክጽዋዕ ምስ ሰምዑ፡ ‘ዝወደይ ክምርቐካ ትደሊ ዲኻ?’ ኢሎምኒ፤ እወ ኢለዮም። እምበኣር ሽምካ ቀይር ኢሎምኒ። ካብ ሻምናይ ክፍሊ ንድሓር ድማ ሽመይ ተቐይሩ” ይብል።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስርዓት ለውጢ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ብርክት ዝበላ ካብ ቃልሲ ዝወጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ኣብ መቐለ ሕጂ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዝ ኣብ ዝርከበሉ ቀጽሪ ትምህርቲ ከም ዝጅምራ ስለ ዝተገብረ ኣዲኡ’ውን ኣብኡ ትምህርቲ ጀሚራ።

ኣማኑኤል፡ ብ1989 ዓ.ም ተመሃሪ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኰይኑ፤ እንተዀነ፡ እቶም ኣብ ውግእ ዝነበሩ ወለዱ ነዊሕ ከየዕረፉን ናብርኦም ከይቀየሩን፤ ንሱ’ውን ግዜ ቁልዕነቱ ከየስተማቐሮ እንከሎ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ተወሊዑ።

“ኣብ መቐለ መዓርፎ ነፈርትን ዓይደርን ምስ ተደብደበ ኣብ ኲሓ ‘ኣረጊት ከተማ’ ዝብሃል ኣሎ ጫካ - ኣብኡ እናተሓባእና ነሕልፎ ነይርና። ካብኡ ኣብ መፋርቕ 1991 ዓ.ም ግን እቲ ቦታ ወተሃደራት ክኣትውዎ እዮም ተባሂሉ ኣብኡ ዝነበራ ስቪል ክወጽኣ ተነጊሩወን” ይብል።

በዚ ምኽንያት ትምህርቱ ተሰናኺሉ፤ ኣዲኡ ናብ ሽረ ንሱ ድማ ትምህርቱ ክውድእ ናብ ኣራጉረ ከይዶም።

ኣብዚ፡ ሓደ ሰዓት ብእግሩ እናኸደ ናይ ራብዓይ ክፍሊ ትምህርቱ ወዲኡ ናብ ሽረ ከም ዘቕንዐ ይዝክር።

“ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ጭንቂ ወለድና ክሳብ ሕዚ ኣብ ኣእምሮይ ኣሎ። ንሽረ ምስ ከድኩ’ውን ሓያል ውግእ ስለ ዝነበረ ብጣዕሚ ብዙሕ ወተሃደር ይሓልፍ ነይሩ፤ ብዙሕ ዕግርግር ነይሩ” ብምባል ኣብ ግዜ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝነበረ ተዘክርኡ የውግዕ።

በዚ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምንቅስቓስ ዝጀመረ ናብራ ስድርኡ ስዒቡ ኣማኑኤል ክሳብ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቱ ዝውድእ ኣብ መቐለ፣ ሸረ፣ ናዕደር፣ ዓዴትን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ዝርከባ ትሸዓተ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ እዩ ተማሂሩ።

“ኵሉ፡ ኲናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ዘንቀሎ እዩ፤ ዳርጋ ሙሉእ ትግራይ እናዀለልኩ’የ ዓብየ”።

ወሲኹ፡ “ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተኹ ኣብ ኩሉ ቦታ ዝፈልጦም ብዙሓት ሰባት እየ ዝረክብ። ቤት ትምህርቲ ነናሻብ ይቕይር ስለ ዝነበርኩ ግን ናይ ልቢ ዝብሎም ብዙሓት ኣዕርኽቲ የብለይን። ብዙሕ ሰብ ምፍላጠይ ግን ብዙሕ ኣተሓሳስባ ክፈልጥ ገይሩኒ’ዩ። ብዙሕ ግዘ ክኣ ካብ ሰባት እቲ ዝጠቕመኒ እየ ዝወስድ” ኢሉ።

ሕጂ ድማ፡ ነቲ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ብስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዝሃድአ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት ሓድሕድ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ጸቕጢታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2022 ዓ.ም ብስደት ካብ ሃገር ክወጽእ ከም ዝተገደደ ይዛረብ።

ኣማኑኤል፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቈልዑን ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ፔንሲልቫኒያ ኣብ ዝርከብ መገዲ ኣየር ‘ኢስተርን ኤይርላይንስ’ ክሪው ሪሶርስ ማኔጀር ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

“መጀመርታ ናብዚ ሃገር ምስ መጻእኩ ግን ከምቲ ካልእ ሰብ ታሕቲ ወሪደ እየ ስራሕ ጀሚረ። በቲ ዝነበረኒ ሞያ ክቕጽል እየ ዝብል ሓሳብ ስለ ዘይነበረኒ ተማሂረ ናብ ካልእ ዓውዲ ክቕይር’የ ዝብል ግምት ስለ ዝነበረኒ ትምህርቲ ጀሚረ።

“ኣጋጣሚ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝፈልጠኒ ዝነበረ ኣሜሪካዊ ኣብራሪ ኣብቲ ዝሰርሓሉ መገዲ ኣየር ሪከመንድ ስለ ዝገበረኒ ኣብኡ ኣመልኪተ። ከቢድ ቃለ መጠይቓት’የ ሓሊፈ - 6 ግዜ ቃለ መጠይቕ ገይረ። እቲ መስርሕ ድማ ኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ወሲዱ። ኣብ መወዳእታ ማኔጀር ኰይነ ተቘጺረ፤ ዕድለኛ እየ” ይብል።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ስራሕ ባህልን ሰብን ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ተሞክሮ ሓደ ዓይነት ከም ዘይኰነ ዝገልጽ ኣማኑኤል፡ “ኣብዚ ተነሓናሒ ዓቕሚ ወይ ክእለት ጥራይ’ዩ ዝጥለብ” ብምባል ሰባት ኣብ ዝኣተውዎ ዓውዲ ብተወፋይነትን ራእን ክነጥፉ ይምዕድ።

እቲ፡ ካብ ግዜ ወለዱ ኣትሒዙ ዛንታት ኲናትን በሰላኡን ዘይተፈልዮ ኣማኑኤል ግን ናይ ኲናት ጽቡቕ ከም ዘየሎ ከዘኻኽር ይፈቱ።

“ኣብ ኲናት እንተስዒርካ’ውን ብሰብ ኢኻ ትዋጋእ ዘለኻ። ወለድና ብኲናት ሓሊፎም፣ ንሕና ቈልዑ እንከለና ዓበይቲ ኣሕዋትና ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ሞይቶም። ሕዚ’ውን ብዙሕ ዝተምሃረ ሓይሊ ስኢንና፣ ዓድና ዓንዪ፤ ሓጋዚ ዝነበረ ናብ ተሓጋዚ ንክወርድ እዩ ኰይኑ።

"ስለዚ እዚ ህዝቢ ኲናት ይኣኽለካ ክብሃል ክኽእል ኣለዎ። ዓቕሚ ሃለወ ኣይሃለወ ድሕሪ ኲናት ዓወት የለን፤ እንተስዓርካ’ውን ሰብ ገቢርካ እዩ” ብምባል ኵሎም ኣማራጺታት ሰላም ዘቐድም ኣተሓሳስባ ክህነጽ ይብህግ።

ብመሰረት ቃል ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሊቃ ኦሊሰንጕን ኦባሳንጆ ኣብቲ ኣብ ሞንጐ መራሕቲ ህወሓት ዝመርሑዎ ሓይልን ማእከላይ መንግስትን ዝተኻየደ ውገእ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

እቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝልሓመ ኲናት ድማ መሰረታዊ ትሕተ ቅርጺ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ክዓንው፣ ሚሊዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉን ተጸበይቲ ረድኤት ክዀኑን ገይሩ ኣሎ።