ሃንደበት ኣብ ጐልጎል ክትዓልብ ዝተገደደት ነፋሪት ሩስያ

170 ሰባት ኣሳፊራ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ሩስያ፡ ስርዓተ ‘ሃይድሮውሊክስ’ ደው ምስበለ ኣብ ሓደ ጐልጎል ክትዓልብ ተገዲዳ፤ በቲ ሓደጋ ግን ዝተጎድአ ሰብ የለን።

እታ ዋንነታ ናይ ዩራል ዝዀነት ኤ320 ነፋሪት ኣብ ግዝኣት ሳይበርያ፡ ኖቮሲቢሪስክ ኣብ ዝርከብ ኣግራብ ከም ኣዕሪፋ።

ኣብራሪ እታ ነፋሪት ናብ ኦሚስክ ይጉዓዝ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ‘ሃይዱራሊክ’ ምስራሕ ስለዝኣበዮ ኣብቲ ጎልጎል ክዓርፍ ከምዝመረጸ በዓል ዋና እታ ነፋሪት ዝዀነ ዩራል ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ እቲ መገዲ ኣየር ነታ ነፋሪት ግቡእ ጽገናን ምሕዳስን ኣየገበረላን ጸኒሑ ንዝብል ነቐፌታ ነጺግዎ’ዩ።

እታ ነፋሪት ኣብቲ ጐልጎል ዓሊባ፤ ኣብ ግዜ ሓደጋ ጥራይ ዝኽፈቱ መዓጹ ተኸፊቶም ሰባት ድማ ዕጉግ ኢሎም እንከለዉ ዘርእዩ ኣሳእል ተዘርጊሖም ኣለዉ።

ካልእ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘሰጋገር ዘሎ ቪድዮ ድማ፡ ርጋጽ እታ ነፋሪት ንመሬት ኣመና ስለዝፈሓሮ ሚዛና ስሒታ ከምዝነበረት የርኢ።

ትካል ኣቭየሽን ሩስያ [ሮዛቫይቲሳ] ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ “ኣብ ዘይሰዓቱ ዝተገበረ መዓልቦ” ትማሊ ሰሉስ ቅድሚ ቀትሪ ከምዘጋጠመ ኣፈፍሊጡ።

እቲ መዕለቢ ቦታ ኣብ ጥቓ ካሜንካ ክኸውን ዝተወሰነ ካብ ሰማይ ከምዝኾነ እቲ ትካል ወሲኹ ገሊጹ። ካብቶም ተሳፈርቲ ሕክምናዊ ረድኤት ዝጠለበ ከምዘይነበረ’ውን ተፈሊጡ።

ትካል ኣቭዮሽን ሩስያ ነቲ ሃንደበታዊ ምዕላብ ነፋሪት ይምርምሮ ከምዘሎ ክገልጽ እንከሎ፡ ዩራል ብወገኑ ምርመራ ክሳዕ ዝዛዘም ንሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ካብ ስርሖም ከምዝኣገዶም ኣፍሊጡ።

ሓላፊ መገዲ ኣየር ዩራል ሰርጌ ሱክራቶቭ፡ ናይታ ነፋሪት ሓደ መሳርሒ ‘ሃይድሮውሊክ’ ምስራሕ ደው ከምዘበለ ብምግላጽ፡ ‘እታ ነፋሪት ሓዊ ክትነድድ ጀሚራ ነይራ’ ንዝብል ሓበሬታ ግን ነጺግዎ’ዩ።

እንተዀነ ሰብ ሞያ ኣቭዮሽን እታ ሃገር፡ ‘ሃይድሮውሊክ’ ምስራሕ እንተኣብዩ መሐለወታ ዝኸውን ተወሳኺ ከምዘለወን ብምግላጽ፡ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ክዓልቡ ዝወሰንሉ ምኽንያት ኣይተዋሕጠሎምን።

ሩስያ ምስ ዩክረይን ብዝተሓሓዝ ካብ ምዕራባውያን እገደታታት ገጢምዋ መለዋወጢ ኣቝሑ ነፈርቲ ክትርከብ ተጸጊማ ምህላዋ ክንገር ጸኒሑ እዩ።