እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማልያን ኣልሸባብን፡ ዕጡቓት ንምስዓር ዝግበር ቃልሲ
ሓድሽ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ዘሳለጦ ምሃብ መዝነት፡ ሓደ እዋን ኣንጻር ሰበስልጣን ዝዋግእ ዝነበረ ዕጡቕ ኣልሸባብ ነበር ኣብቲ ካቢነ ሚኒስተራት ዘካተተ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ሞት ዘስዓበ ክባ ሆቴላት ግን ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ከቢድ ዕማም ዘሰከመ መዘኻኸሪ ኰይኑ’ሎ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ወርሒ ግንቦት ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ን15 ዓመታት ዝጸንሐ እስላማዊ ናዕቢ መዕለቢ ምግባር ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ ከም ዝዀነ ኣዊጁ ነይሩ።
ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ከኣ ኣልሸባብ ካብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓዲሾ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ብሓጺር ርሕቐት ዝርከብ ሆቴል መጥቃዕቲ ፈጺሙ።
ነቲ ሓያት ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሆቴል ን30 ሰዓታት ዝተቖፃፀርዎ ኰይኖም ኣብ እዋን እቲ ክባ ድማ ልዕሊ 20 ሰባት ከም ዝሞቱን 117 ከም ዝቖሰሉን ሰበስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ወራር ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።
ዓለምለኻውያን ዲፕሎማሰኛታት፡ ነቲ ንምውጣን ጥራሕ ብውሑዱ 18 ኣዋርሕ ዝወሰደን ብገምጋም 1200 ዕጡቓት ዘሳተፈን ዝተሓላለኸን ዝተዋደደን መጥቃዕቲ "ቀያሪ ፀዋታ" ክብሉ ይገልጹዎ።
ኣብቲ እዋን ኣዛዚ እዚ ኣሜሪካ ኣፍሪቃ [US Africa Command] ዝነበረ ጀነራል ስቲቨን ታውንሰንድ፡ እቶም ዕጡቓት ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ 150 ኪሎ ሜትር ጥሒሶም ከም ዝኣተዉ ይዛረብ።
እቲ ጉጅለ ነዚ ድፍረት ዝመልኦ መጥቃዕቲ ከካይድ ዝኸኣለሉ ሓደ ምኽንያት፡ ኣብታ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓፈሻዊ ምርግጋእን ዕብየትን ዝፀንሐት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ግጭት እናወሰኸ ምምጽኡ እዩ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሜሪ ሃርፐር፡ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኲናት ሓድሕድ ምስ ተወለዐ ነዊሕ ከይጸንሐ ሓደ ኣባል ኣልሸባብ ደዊሉለይ ትብል።
"ሓይልና ኣስጊርና ብምእታው ኢትዮጵያ ንርእሳ ከተጥፍእ ከላ ዘርእይ ትርኢት ጥራይ ኢና ነስተማቕር ዘለና" ክብል ታሕጓሱ ገሊፁ።
ኣስዒቡ ድማ "ኣብ መወዳእታ ነቲ ቀዳማይ ጸላኢና [መንግስቲ ኢትዮጵያ] እነጥቅዓሉ ግዜ ይቐርብ ኣሎ" ኢሉ ክትብል ጽሒፋ።
ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሶማልያ ነቲ መንግስቲ ዝድግፍ ሰራዊት ዘለወን ሃገራት እቲ ዞባ እያ።
ፕረዚደንት ማሕሙድ ናብ ስልጣን ክመፅእ ንኻልኣይ ግዚኡ እዩ።
ኣብ 2012 ቀዳማይ ስልጣኑ ምስ ሓዘ ኣብ ዝገበርኩሉ ቃለ መሕትት፡ ነቶም ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክስዕሮም ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።
ግን ድማ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት እውን ገና ምስ ሓይሎም ይቕፅሉ ኣለዉ።
ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝመደበሩ ትካል ድሕነት መሓመድ ሙባረክ፡ "ካብቲ ኣብ 2012 ዝነበሩዎ ዝያዳ ሓያላትን ዝተራቐቑን" ክብል ነቶም ዕጡቓት ይገልፆም።
ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያ ተመዓዳዳዊ ዝዀነ መንግስቲ ብምምስራት ሰፊሕ መሬት ተቖፃፂሩ ይርከብ።
ኣብ ውሽጢ ዝቆጻጸሮምን ዘይቆፃፀሮምን ከባቢታት ንዘለዉ ሰባት ግብሪ ዘኽፍል ኰይኑ፡ ገለ ነበርቲ ሞቓድሾ ከይተረፉ ነቲ ካብ ወግዓዊ ኣብያተ ፍርዲ ዝያዳ ስሉጥን ዝተሓተ ብልሽውናን ዝረኣየሉ ዝብልዎ ስርዓተ ፍትሒ እቲ ጉጅለ ክጥቀሙ ይመርጹ።
እቲ ጉጅለ ከም ድላዩ መጥቃዕቲ ይቕጽል ኣሎ።
ናብ ባይቶ እታ ሃገርን ናብቲ ኤምባሲታት፣ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ወተሃደራት ወጻኢን ዝርከቡሉ ጥቡቕ ሓለዋ ዝግበረሉ መዓርፎ ነፈርትን ሞርታራት ይትኩስ።
ኣልሸባብ እቲ ዝዓበየ ዕዉት ተሓባባሪ ኣልቃዒዳ ተባሂሉ ክግለጽ ምጽንሑ ዘገርም ኣይኰነን።
ፕረዚደንት ማሕሙድ፡ ኣልሸባብ ብሓይሊ ጨፍሊቕካ ጥራይ ክስዓር ከምዘይክእል ይኣምን።
መንግስቲ ነቲ ግጭት መዕለቢ ንምሃብ ዝዓለመ ሓድሽ ስትራተጂ ብምውጣን ብ2 ነሓሰ ንሓደ ካብቶም ቀንዲ ጸላእቱ ዝነበሩ ናይ ምምጻእ ከቢድ ቁማር ተፃዊቱ።
ኣብቲ እዋን ምስቶም ኣብ ሞቓዲሹ ፅርግያ ዝተዓፀዎም ኣዕሩኽተይ ኣብ ውሽጢ መኪና እየ ነይረ።
ንሓንሳብ ካብ መኪና ክንወጽእ ትእዛዝ ተዋሂብና፡ ኣብ ኣካላትና፣ ተሽከርከርትን ሳንጣታትን ብደቂቕ ፈተሻ ክካየድ ከሎ ምልክት ምስልቻው ዝገልፅ ሰብ ኣይነበረን።
ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ከፍልጥ ከሎ ኣብታ እንኮ ዝረኸብናያ ንእሽቶ ጽላሎት ኮይንና እናተጸበና፡ ኣዒንትና ኣብ ሞባይላትና ኣፍጢጥና ነበርና።
እቲ ንጽበዮ ዝነበርና ስም ከኣ ናይ ሓደ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝሰልጠነ መስራቲ ኣባል ኣልሸባብ እዩ ነይሩ።
እቲ ዝስማዕ ዝነበረ ወረ ሓቂ ኮይኑ ተረኺቡ።
ምክትል መራሕን ኣፈኛን ኣልሸባብ ዝነበረ ሙክታር ሮቦው ሚኒስተር ጉዳያት ሃይማኖት ኰይኑ ተሸይሙ።
ገሊኦም በቲ ስጉምቲ ክስንብዱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ሶማላውያን ድማ ሓደ ብኣመሪካ ኣብ ዝርዝር ኣዝዮም ተደለይቲ ኣሸበርቲ ዝነበረን ንዝሓዞ ወይ ዝቐተሎ 5 ሚልዮን ዶላር ህያብ መብፅዓ ዝተኣተወሉን ሰብኣይ ናብ መሓውር ስልጣን መንግስቲ ምእታዉ ብውዕዉዕ ስምዒት ተቐቢሎምዎ ኣለዉ።
እቲ ካብ ሓሙሽተ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ዝተረፈ ኣባል ባይቶን ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበርን ሞኣሊሙ መሓመድ እውን ኣብቲ ካቢኔ ተኻቲቱ’ሎ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ካብ ዝተፈጸመ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ተሪፉ ብሕክምና ክተርፍ ከምዝኸኣለ ይፍለጥ።
ሞኣሊሙ መሓመድ "ሽመት ሚስተር ሮቦው ብሓጎስ እየ ዝቕበሎ" ይብል።
"ከም መጠን ሓደ ጂሃዳዊ መራሒ ነበር ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣልሸባብ ብዙሕ ኣበርክቶ ክህልዎ'ዩ። ምስ ማሕበረሰብ ሃይማኖት ብምትሕብባር ንስነ-ሓሳብ ኣኽረርቲ ክቃለስን ነቶም ዕጡቓት እምነቶም ሓቀኛ መንገዲ እስልምና ከምዘይክተል ከእምኖምን ይኽእል'ዩ" ክብል የረድእ።
ሮቦው ኣብ 2013 ነይሩ ምስ ኣልሸባብ ናብ ዘይምቅዳው ዝኣተወ።
ንሱ ነቲ ጉጅለ ብግልጺ ዘውገዘ ኮይኑ፡ ዋላ’ውን ኣብ ጥቅምቲ 2017 ኣብ ሞቓዲሾ ኣብ ዓቢ ናይ ጽዕነት መኪና ብዝተፃወደ ቦምባ መጥቃዕቲ ምስተፈጸመ ደም ለጊሱ ነይሩ።
በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 600 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይግለፅ።
ኣብ ታሕሳስ 2018 ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ ክሳብ ሚኒስተር መንግስቲ ኮይኑ ዝምዘዝ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ፀኒሑ።
ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ ስልኪ ከም ዝተደወሎ ድማ ሓቢሩ።
እቲ ክኢላ ጸጥታ ዝዀነ ሙባረክ፡ ሽመት ሚስተር ሮቦው "ብመንፅር ጸረ-ሽበራዊ ኣካይዳ ክረኣይ ከሎ ብሉጽ ሓሳብ እዩ" ክብል ይገልፅ።
"ንሱ ወሳኒ መሳርሒ'ዩ። ብፍላይ ብመንጽር ስነ-ሓሳብ፡ ኣንጻር ኣልሸባብ ሓያል ሰረተ-እምነታዊ ፀቕጢ ክፈጥር ዓቕሚ ኣለዎ። ከም መስራቲ ኣባል ናይቲ ጉጅለ ብውሽጢን ብደገ እዩ ዝፈልጦም። ከመይ ከም ዝሓስቡን ብኸመይ ከም ዝሰርሑን ይፈልጥ'ዩ" ይብል።
ካልኦት ድማ ንሽመት ሮቦ ብጭንቀት ምላሽ ዝሃቡ ኮይኖም ኣብቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ሶማልያ ካብ መቕጻዕቲ ወይ ተሓታትነት ነፃ ናይ ምዃን ካልእ ተርእዮ ከምዝኾነ ይወስድዎ።
ማሕበራዊ መራኸቢታት ብነቐፌታ ኣዕለቕሊቑ ኣሎ። ኣብ ትዊተር ካብ ዝተዋህበ ርእይቶታት እቲ ዝበዝሕ ፅልኣት ዝገልፅ ነይሩ። ገሊኦም፡
"ሶማልያውያን ንቑሓት እንተዝኾኑ ነይሮም ሮቦው ብዕሊ ምተቐትለ ነይሩ"
"ምሻም ናይዚ ርህራሀ ዘይብሉን ጨካን ቀታሊን ሓደ ነገር ጥራይ ዘመልክት እዩ። ንሱ ድማ ኣልሸባብ ብወግዒ ናብ መሓውር መንግስቲ ሶማልያ ሰሊዅ ኣትዩ'ሎ ማለት እዩ"
ኣልሸባብ፡ ምክትል መራሒኡ ነበር ናይ መንግስቲ ስራሕ ምቕባሉ ናይ መወዳእታ መቕጻዕቲ ዝግብኦ ጽዩፍ ገበን ምዃኑ ይኣምን።
ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ ዓሊ ድሂረ ኣብቲ ናይ 10 ደቓይቕ ዝተቐድሐ መግለጺ "ሮቦው ከሓዲ እዩ። ደሙ ምፍሳስ ይፍቀድ እዩ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ማሕሙድ፡ ሽመት ሮቦም ምስቲ ዝተሓደሰ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ተደሚሩ፡ ንኣል-ሸባብ ብእኹል መልክዑ ከዳኽሞን ናብ ዝርርብ ክመፅእ ዘገድዶን ምዃኑ ይኣምን።
ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝመደበሩ ትካል ፀጥታ መሓመድ ሙባረክ "ኩሉ ኣብ ፖለቲካዊ ድሌት እዩ ዝምርኮስ" ይብል።
"ውድቀት ኣልሸባብ ዝመጽእ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ናይ ወጻኢ ሓይልታትን፤ ፌደራላውን ክልላውን ሰራዊት፤ ከምኡ'ውን ናይ ውሽጢ ሃገር ሚሊሻታት ኩሎም ክተሓባበሩ ከለዉ ጥራይ'ዩ። ሽዑ ጥራይ'ዮም ክደራደሩን ስምምዕ ክገብሩን" ክብል እውን ወሲኹ ይገልፅ።
ዕጡቕ ዝነበረ ሚኒስተር ሮቦው ኣብዚ እዋን ብዛዕባ ሰላምን ይቕረታን ኣብ ምዝራብ ይርከብ።
ምስ እስላማውያን ሊቃውንቲ ብምትሕብባር ሰባት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ተግባር ዘይእስላማዊ ምዃኑ ብምእማን ካብ ኣልሸባብ ክወጹኡ ንምግባር ከምዝሰርሕ እውን ይዛረብ።
እቲ መንግስቲ ዝገብሮ ጠላዕ ፍረ ክህልዎ ድዩ ወይስ ኣልሸባብ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሮ ዓቕሙ ኣደልዲሉ ክቃለስ ክፍትን ዝብል ግን ንጹር ኣይኰነን።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኣዩ ፍጻመታት ዘመልክትዎ ግን ነቲ ዳሕረዋይ እዩ።