ሓይልታት ሶማልያ ን30 ሰዓታት ዝቐጸለ ከበባ ሆቴል ከምዘብቅዕ ገሊጾም

ሓይልታት ሶማልያ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝርከብ ሆቴል ብምቍጽጻር ህይወት ሰባት ንዘጥፍኡ ዕጡቓት ከምዝሰዓርዎም ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ን30 ሰዓታት ዝቐጸለ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 12 ሰባት ከምዝሞቱ ዝግለፅ ኮይኑ፡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ግን እቲ ቁጽሪ ሞት ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብራ ኣለዋ።

እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት፡ ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ ሆቴል ሓያት ንዝነበሩ ኣጋይሽ ንሓደ ለይቲ ጅሆ ቅድሚ ምሓዞም ናብኡ መእተዊ ንክኾኖም ኣብ ኣፍደገ ነታጒ ኣፈንጂሮም’ዮም።

እስላማዊ ኣኽራሪ ጕጅለ ኣልሸባብ ድማ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።

ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሓይልታት ጸጥታ ሕጂ ነቲ ከበባ ተቘጻጺሮምዎ ኣለዉ፤ እቶም ዕጡቓት ድማ ሞይቶም። ኣብ ዝሓለፈ ሰዓት ካብቲ ህንጻ ዝስማዕ ተዅሲ ኣይነበረን" ኢሉ።

እቲ ሆቴል ብዓርቢ ምሸትን ቀዳምን ብሓይልታት ጸጥታ ጽዑቕ ደብዳብ ምስተኻየዶ፡ ብኸቢድ ዝዓነወ ኰይኑ፡ ካብ ናሕሲ እቲ ህንጻ ፍንጀራን ትክን ዘርእዩ ቪድዮታት ይዝርግሑ ነይሮም።

ቢቢሲ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተዛዘመ ካብ ነፃ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

እቶም ዕጡቓት ብዓርቢ ምሸት ናብቲ ሆቴል ንምእታው ነቲ ናይ ቅድሚት መከላኸልን ኣፍደገን ዒላማ ዝገበሩ ክልተ ናይ መኪና ቦምባታት ከምዝተጠቕሙ ሓደ ኣባል ፖሊስ ንሮይተርስ ሓቢሩ።

ድሕሪ ምጅማር እቲ መጥቃዕቲ ድማ ​​ሓደ ምስ ኣልሸባብ ዝተኣሳሰር መርበብ ሓበሬታ፡ ጕጅለ ዕጡቓት ናብቲ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፌደራል ከምዝራኸቡሉ ዝግለፅ ሆቴል "ብሓይሊ ድሕሪ ምእታዎም ብኣልማማ ይትኩሱ" ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣባል ስለያ እታ ሃገር መሓመድ፡ "ክሳብ ሕጂ ዝበዝሑ ሲቪላት ዝርከብዎም 12 ሰባት ከምዝሞቱ ኣረጋጊጽና ኣለና" ክብል ትማሊ ቀዳም ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ተዛሪቡ።

እቶም ቍጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ጅሆ ሒዞም ዝነበሩ ዕጡቓት፡ ንመእተዊ ዘድልዮም መደያይቦታት ብቦምባታት የዕንው ስለዝነበሩ፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ህንፃ ንምእታው ኣርባዕተ ሰዓታት ከምዝወሰደሎም ይግለፅ።

ዳይረክተር ኣብ ሞቓዲሾ ናይ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ሆቴል ብዝተፈጸመን ኣብ ካልእ ክፋል እታ ርእሰ ከተማ ብዝነበረ ናይ ሞርታር መጥቃዕትን ዝቘሰሉ ብውሕዱ 40 ሰባት ኣብ ሆስፒታሎም ይሕክሙ ከምዘዉ ኣረዲኡ።

ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎም ኣልሸባብ፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል ነዊሕ እዋን ኣብ ዝጸንሐ ግጭት ተጸሚዱ ኣሎ።

እቲ ጕጅለ ንመብዛሕትኡ ክፋል ደቡባውን ማእኸላይን ሶማልያ ዝቆፃፀር እኳ እንተኾነ፣ ናብቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝመደበሩ መንግስቲ ዝቈጻጸሮ ከባቢታት ፅልዋኡ ከስፍሕ ክኢሉ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት’ውን ምስቲ ጕጅለ ምትእስሳር ዘለዎም ዕጡቓት ኣብ ዶብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት መጥቃዕቲ ምፍጻሞም፡ ኣልሸባብ ሓድሽ ስልትታት ክኽተል ከምዝኽእል ስክፍታታት ዝፈጠረ ነይሩ።

እቲ ናይ ዓርቢ መጥቃዕቲ፡ ​​ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኣብ ወርሒ ግንቦት ድሕሪ ምምራጹ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ንፈለማ እዋን ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኰይኑ’ሎ።