ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ውድብ ምስራዙ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፡ መፍትሒኡ ኸ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንፍርቂ ዘመን ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓብይ ግደ ዝጸንሖ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንኻልኣይ ግዚኡ ኣፍልጦ ተኸሊኡ'ሎ።
ቦርድ መረጻ ረቡዕ 6 ግንቦት/2017 [ግእዝ] ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብመሰረት እቲ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሕጋዊ ሰብነት እቲ ውድብ ከምዝተሰረዘ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ኲናት ትግራይ ሕጋዊ ስብነቱ ዝሰኣነ ህወሓት፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝቐረበ መፍትሒ ሓሳብ ምርድዳእ ብዘይምህላዉ መሊሱ ካብ ምዝገባ ተሰሪዙ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ መፈለምታ 2013፡ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ ህወሓት ኣብ ብዕጥቂ ኣብ ዝተደገፈ ቃልሲ ተዋፊሩ ብዝብል ካብ ምዝገባ ውድባት ፖለቲካ ሰሪዙ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።
እቲ ኲናት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብቂዑ ሰላም ምስተፈረመ ድማ ህወሓት ካብ መዝገብ ራዕዳዊ ጕጅለ ስለዝተናገፈ እቲ ውድብ ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሰሉ ሓቲቱ'ዩ።
ቦርድ መረጻ ብወገኑ፡ ዝተሰረዘ ሰልፊ መሊስካ ንምምዝጋብ ዘኽእል ሕጋዊ ማእቀፍ ከምዘየለ ብምጥቃስ ንሕቶ ህወሓት ነጺግዎ።
ድሕሪ ብዙሕ ክትዕ መንግስቲ ፌደራል ነቲ ሕጊ ብምምሕያሽ ህወሓት ኣብ ትሕቲ "ፍሉይ ኩነታት" ክምዝገብ ፍቓድ ሂብዎ። እንተኾነ እዚ ኣማራፂ ብህወሓት ተቐባልነት ኣይረኸበን።
እቲ ውድብ ብፍሉይ ኵነታት ክምዝገብ ከምዘይደሊ፣ ኣብ ክንድኡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ነባር ሕጋዊ ኣፍልጦ ክምለሰሉ ከምዝደሊ ገሊፁ ኣሎ።
እዚ ምስሕሓብ እዚ እናሃለወ ቦርድ መረጻ ንህወሓት ብፍሉይ ኵነታት ከምዘመዝገበ ብምግላጽ በቲ ዝጸደቐ ሓድሽ ኣዋጅ መሰረት ናይ ምዝገባ ወረቐት ምሃቡ ዝፍለጥ'ዩ።
እቲ ንህወሓት ዝተዋህበ ሕጋዊ ኣፍልጦ ግን ኣካታዒ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ህወሓት፡ ንቦርድ መረጻ ዘቕረቦ ሕቶ፡ ነቲ ዝነበሮ ሕጋዊ ሰብነት ናብ ንቡር ክምለስ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ከም ብሓድሽ ዝተዋህቦ ኣፍልጦ ከምዘይቅበሎ ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ።
ቦርድ መረጻ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓት ድሕሪ ምምሕያሽ እቲ ኣዋጅ ዘቕረቦ ሕቶ ካብቲ ዝሓለፈ "ዝተፈለየ" ምዃኑ ኣፍሊጡ። መግለጺ እቲ ቦርድ፡ እቲ ኣብቲ ኣዋጅ ዝተገብረ ምምሕያሽ "ብሕጊ ኣብ ትሕቲ 'ፍሉይ ኵነታት' ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምምዝጋብ ክቐርብ ዝጠልቦ ዝርዝር ሰነዳት" ዘጠቓልል'ዩ ይብል።
ቦርድ መረጻ፡ "ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ቦርድ ተረኺቦም፡ ብጥንቃቐ ገምጊሞም፡ ኣንቢቦም፡ ተሰማሚዖም፡ ነቲ ምስክር ወረቐትን ደብዳበን ፈሪሞም" ክብል ኣፍሊጡ።
ቦርድ መረጻ ነዚ ኣፍልጦ ምስ ሃበ ድማ ህወሓት ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ኣብ ታሕሳስ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ለካቲት፡ እቲ መምርሒ ከምዘይተተግበረ ብምጥቃስ፡ "ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምክያድ ዘኽእሎ መሰናድኦ ክሰርሕ ከምዘለዎ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ሂቡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ስራሕ ኣጊድዎ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ "እቲ ውድብ ሕጋዊ ግዴታኡ ከፈጽም ብዘይምኽኣሉ ካብ 5 ግንቦት 2017 [ግ] ጀሚሩ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ከምዝተሰረዘ" ኣፍሊጡ።
'ምስራዝ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣይኮነን'
ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገብረሉን ብሰንኪ ሞያዊ ሓላፍነቱ ሽሙ ክርቋሕ ፍቓደኛ ዘይኮነ ክኢላ ሕግን መረጻን፡ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኣፍልጦ ምስራዝ ማለት "ልክዕ ከምቲ ህይወቱ ዝሓለፈ ሰብ ምዉት ማለት'ዩ" ኢሉ።
ኣብ 2011 [ግ] ዝወጽአ ኣዋጅ መረጻ፡ ምዝገባ ፖለቲካዊ ውድባትን ስነ-ምግባርን፡ ፖለቲካዊ ውድባት ብሰለስተ መንገዲ ክቕህማ ከምዝኽእላ ይድንግግ።
ኣብቲ ኣዋጅ ካብ ዝተዘርዘሩ ኵነታት ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ብወለንታኡ ካብ ምዝገባ ክእለ ምስ ዝሓትትን ቦርድ መረጻ ምስ ዝውስንን ይርከብዎም። እቲ ሳልሳይ ኵነታት ድማ "ቤት ፍርዲ ብመሰረት እዚ ኣዋጅ ውሳነ ምስራዝ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክህብ ከሎ" እዩ።
ክልተ ግዜ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝሰኣነ ህወሓት፡ ክልቲኡ ግዜ ብውሳነ ቦርድ መረጻ'ዩ ካብ ምዝገባ ተኣልዩ።
እቲ ክኢላ ሕግን መረጻን "ህወሓት ሕጂ ዝተሰረዘሉ ምኽንያት፡ ብመሰረት እቲ ኣዋጅን መተሓዳደሪ ደንቢ እቲ ውድብን ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ስለዘይከኣለ'ዩ" ክብል የብርህ።
እዚ ስጕምቲ እዚ ነቲ ኣዋጅን መተሓዳደሪ ደንቢ እቲ ውድብን ዝጥሕስ ምዃኑ እውን ኣመልኪቱ። ይኹን እምበር፡ ቦርድ መረጻ ነቲ ሰልፊ ንምስራዝ ዝወሰዶ ስጕምቲ "ናይ መወዳእታ ውሳነ" ከምዘይኮነ'ዩ ዝገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, NEBE
እቲ ብውሳነ ቦርድ መረጻ ፖለቲካዊ ውድባት ክቕህማ ዝኽእላሉ ምኽንያት ዝዝርዝር ምዕራፍ ናይቲ ኣዋጅ፡ ዝተሰረዘ ውድብ ፖለቲካ ነቲ ውሳነ ተቓዊሙ ይግባይ ናይ ምባል መሰል ከም ዘለዎ ይድንግግ።
እቲ ሕጊ፡ "ንውሳነ ቦርድ መረጻ ዝቃወም" ፖለቲካዊ ውድብ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ይግባይ ናይ ምባል መሰል ከም ዘለዎ ይሕብር።
እዚ ይግባይ እዚ እቲ ውሳነ ካብ ዘይተቐበለ ወገን ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክቐርብ ከምዘለዎ እውን እቲ ኣዋጅ ይሕብር።
ይዅን እምበር፡ እቲ ጥርዓን ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት እንተዘይተቐሪቡ፡ እቲ ውድብ ፖለቲካ ነቲ ጉዳይ ብወለንታኡ ከም ዝገደፎ ይቑጸር።
ካብ ፖለቲካዊ ውድብ ምስራዝ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ?
እቲ ክኢላ ሕግን መረጻን ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ካብ ምዝገባ ምስ ዝእለ "ህላወ ሕጋዊ ሰብነቱ የቋርጽ" ይብል።
"ሕጋዊ ሰብነት ዝሃቦ ኣካል ሕጋዊነቱ እንተሰሪዝዎ ንኣብነት ህወሓት ዝተባህለ ውድብ ድሕሪ ደጊም ብሕጊ ኣፍልጦ ኣይወሃቦን፣ ምስ ሕጋዊ ስብእናኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ መሰላት ከም ንብረት ምፍራይ፣ መራሕቱ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምውፋር፣ እቲ ሽም ምጥቃም ከቋርጽ እዩ" ይብሉ።
ኣብ 2011 ዝጸደቐ ኣዋጅ መረጻ፡ ካብታ እቲ ሰልፊ ዝተሰረዘላ ዕለት ጀሚሩ "ብሽም እቲ ውድብ ኮነ ብመራሕቱ ክዋሳእ ኣይክእልን" ይብል።
ከምቲ ክኢላ ሕግን መረጻን ዝገልጾ፡ "እቲ ውድብ ስለዝተሰረዘ መሪሕነት ህወሓት ኣይክህሉን እዩ። ብስም እቲ ውድብ ደብዳበታት ክጽሕፉ ወይ ማሕተሞም ክጥቀሙ ኣይክእሉን እዮም። ስረዛ እቲ ውድብ ብደብዳበ ንህዝቢ ተኣዊጁ ኣሎ። ብስም እቲ ውድብ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ክህልዎም ኣይክእልን" ኢሉ የረድእ።
ቦርድ መረጻ እቲ ሰልፊ ምስራዙ ብዕሊ ኣብ ዘፍለጠሉ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ "ኣብ ልዕሊ ህወሓትን መራሕቱን ክፍጸም'ዩ" ክብል ገሊጹ ኣሎ።
ካልእ ኣብቲ ኣዋጅ ዝተጠቕሰ ሳዕቤን ንሃብቲ እቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝምልከት እዩ። ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክስረዝ ከሎ፡ ብሽም እቲ ውድብ ዝተመዝገበ ሃብቲ እንተልዩ "ዕዳታቱ ንምሽፋን" ከም ዝውዕል ይገልጽ።
እቲ ኣዋጅ እቲ ዝተሰረዘ ውድብ ዕዳታቱ ከፊሉ ምስወድአ፡ ዝተረፈ ንብረት እንተሃልይዎ "እቲ ዝተረፈ ገንዘብን ንብረትን ንሲቪካውን መረጽትን ትምህርቲ ክውዕል'ዩ ዝግበር" ይብል።
እዚ ስጕምቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2013 ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተወስደ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ክኢላ ሕግን መረጻን፡ ህወሓት ምስተሰረዘ ሽዑ ንሽዑ ተግባራዊ ኮይኑ ከምዝነበረ የዘኻኽር።
ቦርድ መረጻ፡ ህወሓት ድሕሪ ኲናት ናይ ምስራዝ ውሳነ ክለዓል ዘቕረቦ ሕቶ ኣብ ግንቦት 2015 እዩ ነይሩ። እዚ ጉዳይ እዚ እውን ኣብቲ ውሳነ ተጠቒሱ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ናብቲ ውድብ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ቦርድ፡ ንብረት እቲ ሰልፊ "ውጽኢት ውሳነ ምስራዝ ህወሓት" ንሲቪካውን መረጽትን ትምህርቲ ይውዕል ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ ንመራሕትን ንብረትን እቲ ሰልፊ ብዝምልከት ዝወሃቡ ውሳነታት "ሓድሽ ዳግመ ግምት ከምዘይግበረሎም" ገሊጹ።
እቲ ክኢላ ሕግን መረጻን፡ ነቲ ብዛዕባ ንብረት ዝምልከት ሕጊ ንምትግባር "ዕዳ ዘጻሪ ኮሚተ ክጣየሽ" ምዃኑን፡ እዚ ኣካል ድማ "ኣብ ባንክታት ዘሎ ገንዘብ ኢሉ'ውን ተንቀሳቓስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ናይ ምእጋድ ሓላፍነት ከምዘለዎ" ይገልጽ። ብተወሳኺ ዕዳ እንተሃልዩ እዚ መስርሕ ምርግጋጽ ምስተዛዘመ ክፍሊት ከምዝፍጸም ኣረዲኡ።
ይዅን'ምበር፡ ጉዳይ ምትግባር እዚ ዕማም ምስ ህወሓት ብዝምልከት ዝተሓላለኸ ከምዝኾነ'ዩ ዝጠቅስ።
"እቲ ቀዳማይ ኣፍልጦ ይሕተት ስለዝነበረ፡ ገለ መራሕቲ ህወሓት ድማ ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ኵነታት ምስ ተመዝገበ ስለዝቕበልዎ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ከመይ ዓይነት ኣፍልጦ ከምዝነበረ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ካብቲ ኣፍልጦ ናብዚ ኣፍልጦ ዝተሰጋገረሉ ኩነታት ብዙሕ ኣይፈልጥን እየ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ መፍትሒ ድኣ እንታይ እዩ?
እቲ ናይ ቀደም ሕጋዊ ኣፍልጦ ናብ ንቡር ክምለሰሉ ብቐጻሊ ዝሓተተ ህወሓት ከም ሓድሽ ሰልፊ ምምዝጋብ "ካብ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ ዝተፈልየ ይገብሮ" ኢሉ።
ህወሓት ነቲ ሓሳብ ዘለዎ ተቓውሞ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ከም ሓድሽ ክንምዝገብ ምስምማዕ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ክንክሕድ ዘገድደና እዩ" ክብል ገሊጹ።
ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ውድብ "ዝነበሮ ሕጋዊ ኣፍልጦ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ጉዳይ ብቐንዱ ፖለቲካዊ ውሳነ ምዃኑ ብምጥቃስ ዝኽልክል ሕጊ እውን ከምዘየለ" ኣመልኪቱ።
ብተወሳኺ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ "ኣብ 'ልዕልና ሕጊ' ዘሎ እምነት ዝሽርሽር ፖለቲካዊ መርገጺኡ ቀጺልሉ" ክብል ነቒፉ።
ህወሓት ኣብቲ ትማሊ ኣማስዩ ዘውጽኦ መግለጺ "ቦርድ መረጻ እቲ ሕዚ ዘሎ ሕጋዊ ኣፍልጦ ምስክር ወረቐት ብቕንዕና ክወሃብን ብጉልባብ ሕጊ ዘካይዶ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸወታ ክገድፎን ሓቲቱ ኣሎ።"

ምንጪ ስእሊ, TPLF
ብቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝተገበረሉ ክኢላ ሕግን መረጻን ብወገኑ "ቦርድ ምረጻ ብመሰረት ሕጋዊ ኣገባባት ተዋሲኡ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ" ይብል።
እቲ በዓል ሞያ ኣስዒቡ "ስራሕ ቦርድ መረጻ ቴክኒካዊ እዩ። ሕጊ ኣሎ፡ ሕጊ እንተዘይሃልዩ ሕጊ ወፂኡ ብመሰረት ሕጊ ይትግበር" ኢሉ።
ጉዳይ ኣፍልጦ ህወሓት ብዝምልከት "እቲ ሕጋዊ መዳያት ተጸንቂቑ ኣብቂዑ'ዩ" ዝበለ እቲ ክኢላ ሕግን መረጻን፡ ድሕሪ ሕጂ ብሕጊ መዳይ "ብዙሕ መፍትሒታት ከምዘየለ" ይሕብር። እቲ ጉዳይ ካብ ደጊም ፖለቲካዊ ልዝብ እምበር ሕጊ ከምዘይፈትሖ ኣብሪሁ።
"ህወሓት ንውሳነ ቦርድ መረጻ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ይግባይ እንተዘይኢሉ ብሕጋዊ ኣዘራርባ ህወሓት ድሕሪ ደጊም ኣይክህሉን'ዩ። ብፖለቲካዊ መዳይ ግን ክህሉ እዩ፤ ምኽንያቱ ውዳበ ኣለዎ፣ ህዝቢ ይፈልጦን ሰራዊት'ውን ስለዘሎ።"
እቲ በዓል ሞያ ሕጊ ብተወሳኺ፡ "ኣፍልጦ ስለዘየብልኩም ድሕሪ ደጊም ኣብ ክልላዊ ፖለቲካ ክትሳተፉ ወይ ሰባት ኣኪብኩም ክተዘራርቡ ኣይትኽእሉን ክበሃሉ ይኽእሉ'ዮም። ፈደራል መንግስቲ'ውን ነዚ ውሳነ ቦርድ ክምዝምዞ ክፍትን'ዩ" ክብል።
ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ዘተ እንተዘይተገይሩ "ናብ ካልእ ጎንፂ ክሰጋገር ይኽእል እዩ" ዝብል ስክፍታ ከምዘለዎ'ውን ይገልጽ።
እቲ ፍሉይ ምዝገባ ዘፍቅድ ኣዋጅ ዝተገብረ ምምሕያሽ "ንፖለቲካዊ ውሳነ ሕጋዊ ንምግባር ዝተገብረ ስጕምቲ" ከምዝዀነ ዝካታዕ እቲ ክኢላ ሕጊ፡ ተመሳሳሊ ሕጊ ብፖለቲካዊ ምርድዳእ ክሓልፍ ከምዝኽእል ይኣምን።
"ቦርድ መረጻ ሕጊ ኣየውጽእን። ሕግታትን ኣዋጃትን ናይ ምጽዳቕ ስልጣን ዘለዎ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ'ዩ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ህወሓት ናብቲ ናይ ቀደም ኣፍልጦኡ ክምለስ ዘኽእሎ ሕጊ እንተድኣ ኣጽዲቑ፡ ቦርድ መረጻ ዝኽልክለሉ ምኽንያት ኣይክህሉን እዩ፡" ዝበለ እዚ በዓል ሞያ እቲ መፍትሒ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስትን ህወሓትን ብዝካየድ ፖለቲካዊ ልዝብ'ዩ ዝርከብ ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







