ሩስያ ጸረ-መጥቃዕቲ ጀሚራ ብዩክረይን ዝተታሕዘ መሬታ ተምልስ ከምዘላ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Russian defence ministry
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ሓይልታቱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዞባ ኩርስክ ሩስያ ብሃንደበታዊ ወራር ሓይልታት ዩክረይን ተታሒዞም ካብ ዝጸንሑ 10 ከባቢታት ዳግማይ ከምዘምለሱ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ “ስጕምቲታት ጸረ-መጥቃዕቲ ከም ዝጀመረትን፡ እዚ ድማ ምስ ውጥን ዩክረይን ዝሰማማዕ” ምዃኑን ተዛሪቡ።
ሩስያ፡ “ኣሃዱታት ሰሜን” ዝተባህሉ ሓይልታታ ኣብ ከባቢ ስናጎስት፡ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ናይቲ ብዩክረይን ኣብ ነሓሰ ብዝተኻየደ ውፍሪ ተታሒዞም ዝጸንሑ ከባቢታት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ከምዝመልሰቶም ገሊጻ።
ብዛዕባ’ዚ ጸረ-መጥቃዕቲ ፈለማ ብኣዛዚ ፍሉይ ሓይልታት ቸቸንያ ሜጀር ጀነራል ኣፕቲ ኣላውዲኖቭ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ሽዱሽተ በራጊድ ዩክረይን ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረደን ኣፍሊጡ።
ኣብ ዞባ ኩርስክ ዝዋጋእ ዘሎ ዩክሬናዊ መኮነን፡ ጸረ-መጥቃዕቲ ሩስያ ካብ ሱድዛ ንኣንፈት ምዕራብ ከም ዝጀመረ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ መኮነን፡ “እቲ ውግእ ከቢድ እዩ ዘሎ፤ እቲ ኵነታት ድማ ንዓና ዘወሳውስ (ብዝጥዕም) ኣይኰነን ዘሎ” ኢሉ።
ኪቭ፡ ሩስያ ናብ ምብራቓዊ ዩክረይን ንትገብሮ ገስጋስ ንምኹላፍ ዓሊማ መጥቃዕቲ ከፊታ ነይራ። ክሳብ 1300 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ግዝኣት ሩስያ ከም ዝተቘጻጸረት ድማ ትገልጽ።
እንተዀነ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ቁሸታት ምቍጽጻሮም ብምቕጻል፡ ንስትራተጂያዊት ከተማ ፖክሮቭስክ ይዓጽውዋ ኣለዉ።
ተንተንቲ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ኲናት፡ መጠን እቶም ሩስያ ትፍጽሞም ዘላ ጸረ-መጥቃዕትታት፡ ዘይንጹራት ከም ዝዀኑን ኣብ መደምደምታ ንምብጻሕ ግዚኡ ከም ዘይኰነን ገሊጾም።
ሓደ ምስ ዩክሬናዊ ብርጌድ ዝራኸብ ገጽ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ጥቓ ስናጎስት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱን ዩክሬናውያን ይምክቱ ከም ዘለዉን ሓቢሩ።
ሓይልታት ዩክረይን ናብ ዞባ ኩርስክ ካብ ዝኣተውሉ ሰሙናት፡ ንሩባ ሰይም ዝሰግሩ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ድልድላት ከም ዘዕነዉ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ ጸረ መጥቃዕቲ የካይዱ ዘለዉ ሩስያውያን ንሩባ ሰይም ይዅን ንካልኦት ንኣሽቱ ሩባታት ክሰግርዎም ከም ዝኸኣሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ምንጪ ስእሊ, Sumy prosecutor's office
ሩስያዊ ወተሃደራዊ በዓልሞያ ኣናቶሊ ማትቪቹክ፡ ልዕሊ 100 ትርብዒት ኪሎሜትር ብሓይልታት ሩስያ ከም ዝተትሓዘን፡ “ዕቝር ሃብቲ፡ ሎጅስቲካዊ ቀረብን ሓገዝን ጸላኢ ናብ ዞባ ኩርስክ ክበጽሕ ከም ዘይክእል” ንጋዜጣ ኮምሶሞሌትስ ገሊጹ።
ሰራዊት ሩስያ፡ ዩክረይን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዞባ ኩርስክ ብዝፈጸመቶ ወራር ጥናካረን መጠንን ተሰናቢዱ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ዋላ’ኳ ሓይልታት ዩክረይን ንሱድዛ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ቁሸታት ምቍጽጻር ክኢሎም እንተነበሩ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ሓይልታት ዩክረይን “ዳርጋ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ከም ዝፈሸሉ” ገሊጹ።
ሓይልታት ዩክረይን፡ ንሩስያ ንምሽቓል ከም ዝፈተኑ ዝተዛረበ እቲ ፕረዚደንት፡ “ንምህዋኽ፡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ወተሃደራት ንምልኣኽ፡ ኣብ ወሰንቲ ከባቢታት ብፍላይ ድማ ኣብ ዶንባስ እዚ መጥቃዕቲ ንምዅላፍ ፈቲኖም’ዮም” ኢሉ።
እዞም ፈተነታት ከም ዘይተዓወቱን፡ መጥቃዕቲ ዩክረይን “ንወሳኒ ዕላማ ሞስኮ” ከም ዝሓገዘ ብምሕባር፡ ንኢንዳስትሪያዊ ዞባታት ዩክረይን ዝኾኑ ዶነስክን ሉሃንስክን ከም ዝተቘጻጸሩ ገሊጹ።
ሓይልታት ሩስያ፡ ኣብዚ እዋን ካብ ፖክሮቮስክን መዳውብታ ማይኖህራድን ቁሩብ ኪሎሜትር ርሒቘም ዝርከቡ ክዀኑ እንከለዉ ከቢድ ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ዶነስክ ክልቲአን ከተማታት ብሓሙስ ለይቲ ከም ዝዓነዋን ናብ ፖክሮቮስክ ዝወስድ መስመር ማይ ከም ዝተቘረጸን ሓቢሩ።
ብኻልእ ዜና፡ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሰለስተ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ። ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ናብ ዶነስክ ረድኤት የብጽሑ ኣብ ዝነበርሉ ከም ዝተቐተሉ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ገበን ኲናት ሩስያ’ዩ ብምባል፡ ቀይሕ መስቀል ግን ኣብዚ ቅተለት መን ከም ዘሎ ኣይገለጸን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሩስያ ኣብ ሰሜናዊ ዩክረይን ከተማ ኮኖቶፕ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ 14 ሰባት ተጐዲኦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







