ጡብ ኣጥቢኺ ብዝብል ካብ መሐንበሲ ጋብላ ዝተባረረት ኣደ

ሳራ ላፒን ናይ ወላድን እግሪ ተኽሊን መደብ ምሕንባስ እናካየደት ነይራ

ምንጪ ስእሊ, SARAH LAPPIN

ሓንቲ ኣደ ጡብ ኣጥቢኺ ብዝብል ካብቲ መሐንበሲ ጋብላ ክትባረር ስለዝተገብረት ከምዝተዋረደት ገለጻ።

ሳራ ላፒን ኣብ ደንቢግሻየር፡ ብሪጣንያ፡ ስልጠና ምሕንባስ ወለድን ዕሸልን እናተሳተፈት እንከላ እያ ንወዲ ሓሙሽተ ወርሒ ወዳ ካሌል ጡብ ክተጥብው ጀሚራ።

ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምጥባው ሕጋዊ ክነሱ፡ እቲ ሰራሕተኛ ህይወት ኣድሕን ግን፡ ነታ ጓል 31 ዓመት ኣደ ካብቲ መሐንበሲ ክትወጽእ ሓቲትዋ።

ሓለፍቲ ናይ እቲ መሐንበሲ ጋብላ ዝርከበሉ መዘናግዒ ማእከል ራይል፡ ነታ ኣደ ስለዘጕሃይዋ ይቕረታ ሓቲቶም እዮም።

ሚስ ላፒን ወዳ ንመጀመርታ ግዘ ይሕንብስ ከምዝነበረ ትገልጽ።

"ካሌል ንመጀመርታ ግዚኡ ስለዝነበረ ተረቢሹ። ስለዝኾነ ድማ ከም ኣደ ጡብ ከጥብዎ ጀሚረ፡" ትብል።

ንኹሎም ሓሙሽተ ደቃ ኣብቲ መሐንበሲ ጋብላ ተጥብዎም ከምዝነበረትን ሽዑ “ሕጊ እዩ” ብዝብል ክተቋርጽ ክንገራ እንከሎ ከምዝሰንበደትን ሓቢራ።

"ከምኡ ዝብል ሕጊ የለን" ብምባለ ከኣ ንወዳ ምጥባው ቀጺላ።

"እንደገና ኣፋጺዩ ምጥባው ክቕጽል እንተደልየ ካብቲ መሐንበሲ ክወጽእ ከምዘለኒ ነጊሩኒ፡" ትብል።

"ህድእ ኢለ፡ 'ወደይ ክጠብው ስለዝጀመረ ኣየቋርጽን' ኢለ መሊሰሉ። ሽዑ ኩሉ ሰብ ክርእይ ጀሚሩ።"

ሚስ ላፒን ነቲ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ጥርዓን ኣቕሪባትሉ። ንሱ ድማ ምስ'ቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ክትዘራረብ ከምዘለዋ ነጊርዋ።

"ኣዝዩ ውርደት ተሰሚዑኒ። ጡብ ብምጥባው ዝሕበንን ንሓሙሽተ ደቀይ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ዘጥበኩን ኣደ እየ።

"ሓንቲ ንውሉዳ ተጥቡ ኣደ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ጠባይ ከጋጥማ ርእየ ኣእፈልጥን፡" ኢላ።

ንቲ ራይል ሌዠር ሰንተር ምኽንያት ዝተፈጥረ በደል እንተሃልዩ ይቕረታ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Google

"ገለ ሰባት ከም ዕርቃን ምውጻእ ክመስሎም ይኽእል እዩ፤ ወይ ብብሕቲ ወይ ድማ እንተ ወሓደ ብኮቦርታ ተሸፊንካ ወይ ኣብ መጥበዊ ኽፍሊ ተሓቢእኻ ክግበር ከምዘለዎ ዝሓስቡ ይህለዉ፡" ትብል።

"ሓንቲ ኣደ ባህርያዊ ነገር ንምግባር ክትሕባእ ከም ዘለዋ ጌርካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ። ከም ኣንስቲ መጠን ንህጻውንትና ኣብቲ እንደልዮ ቦታ ኽንምግቦም መሰል ኣለና፣ ከመይሲ ምንጪ ምግቢ ጥራይ ዘይኰነስ ምቾቶምን ድሕነቶምን እዩ።"

ወሲኻውን "ወደይ ክምግብ ከለኹ ርእሰ ምትእምማን እኳ እንተ ነበረኒ፡ ኹሉ ሰብ ክርኢ ምስ ጀመረ ቍሩብ ሓፊረ።... ግና ሓዳስ ኣደ እንተትኾን ብሓቂ ከበሳጭዋን ጻዕራ ከበላሽዎን ይኽእል ነይሩ።"

ኣብ መሐንበሲ ጋብላ ጡብ ምጥባው ጥዕናዊ ሳዕቤናት ኣለዎ ንዝብል ሓሳብ ኣይትቕበሎን።

ንማእከል ምዝንጋዕ ራይል ዘመሓድር 'ደንቢግሻየር ለይዠር' ግና ጡብ ምጥባው ከምዘበራትዕ ይገልጽ።

"ኣብ ትካልና ዝኾነ ይኹን ሰብ ጡብ ኸየትቡ ኣይንኽልክልን። እዚ ግን ኣብ ውሽጢ ማይሰ ስለዝኾነ እዩ።” ይብል ወሃቢ ቃል እቲ ትካል።

"ሓደ ዕሸል ኣብ መሐንበሲ ጋብላ ክጠቡ ይኽእል እዩ ኣይኽእልን ዝብሉ ስግኣት ጥዕና ዝምልከቱ ዝተዋቕዑ ሐሳባት ኣለዉ። ኣብቲ መሐንበሲ ንዓቐብ እንተኢልዎም ድማ፡ እቲ ጋብላ ኽዕጾ ይኽእል እዩ።"

ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዘማኽሩን ኣድላዪ ለውጢ ከምዝገብሩን እውን ወሲኹ ገሊጹ።

"በዚ ምኽንያት ዝተፈጥረ በደል እንተሃልዩ ይቕረታ ንሓትት፡" ኢሉ እቲ ወሃቢ ዋል።