እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ካብ ዝነበሩ ሰባት ናይ ሰለስተ ሬሳ ተረኺቡ
ወተሃደራት እስራኤል ሬሳታት ናይ ሰለስተ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ውልቀሰባት ኣብ ቓዛ ከምዝረኸቡ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቶም ሬሳታት ናይ ሻኒ ሉክ፣ ኣሚት ቡስኪላን ኢትዛክ ገለረንተርን ምዃኖም ዘፍለጠ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ብ7 ጥቅምቲ ተቐቲሎም ናብ ቓዛ ከምዝተመለሱ ሓቢሩ።
እቶም ሬሳታት ሓማስ ኣብ ዝጥቀመሉ ገለርያታት ከምዝተረኽበ ድማ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝኸፈቱሉ እዋን ኣስታት 1200 ሰባት ተቐቲሎም። ንኻልኦት 252 ድማ ጅሆ ሒዞም ናብ ቓዛ ተመሊሶም።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ ነቲ ዜና "ልቢ ዝሰብር" ክብል ብምግላጽ "ንዅሎም ጅሆ ዝተታሕዙና፡ ብህይወት ዘለዉን ዝሞቱን ብማዕረ ክንመልሶም ኢና" ኢሉ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቶም ሬሳታት ኣብ ሓደ ለይቲ ብዝተኻየደ ስርሒት ከምዝተረኽቡ ሓቢሩ።
ኣብ ቓዛ ተኣሲሮም ኣብ ልዕሊ ዝጸንሑ "ኣሸበርቲ ንዘካየዶ ምርመራ" ስዒቡ ብዝረኸቦ ስለያዊ ሓበሬታ ነቲ ስርሒት ከምዘካየዶ’ውን ኣፍሊጡ።
እቶም ሰለስተ ግዳያት፡ ሬሳታቶም ናብ ቓዛ ቅድሚ ምውሳዱ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ፈስቲቫል ኖቫ ዝካየደሉ ዝነበረን ጃምላዊ ቅትለት ዝተፈጸመሉን ከባቢ ኣብ ዝርከብ መስቀላዊ መንገዲ ከምዝተቐትሉ መግለጺ እቲ ሰራዊት የመልክት።
ኣብቲ ፌስቲቫል ልዕሊ 360 ሰባት ከምዝተቐተሉ ይግለጽ። ጅሆ ካብ ዝተትሓዙ ገሊኦም ዝተፈትሑ ወይ ብስርሒት ክድሕኑ ዝተገበረ ኰይኑ ኣስታት 125 ጅሆ ዝተታሕዙ ግን ዛጊድ ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጥን።
ኣብ ሕዳር ተበጺሑ ንዝነበረ ስምምዕ ስዒቡ ንሓደ ሰሙን ተዅሲ ደው ምስበለን ኣስታት 240 ፍልስጤማውያን እሱራት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ምስተፈትሑን ሓማስ ብወገኑ 105 ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ምፍትሑ ይዝከር።
ካብቶም ክሳብ ሎሚ ደሃዮም ዝተስኣኑ ሓማስ ጅሆ ዝሓዞም ሰባት ክንደይ ዝዀኑ ብህይወት ከምዘለዉ ንጹር ኣይኰነን።
ዕጡቕ ክንፊ ሓማስ ድሕሪ'ቲ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቶም ዝሓዞም ሰባት ዝመልሶም፡ "ምስ ናታቶም ወገናት ኣብ ዝፍጸም ምልውዋጥ” ጥራይ ከምዝኸውን ኣነጺሩ’ሎ።
ኣብ ግብጺ ካይሮ ንነዊሕ እዋን ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ ምቍራጽ ተዅስን ምፍታሕ ጅሆ ዝተትሓዙን ኣብዚ እዋን’ዚ ደው ኢሉ ይርከብ።
ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዝኸፈተቶ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ልዕሊ 35 ሽሕ ሰባት ከምዝቐተለትን መብዛሕትኦም ከኣ ሲቪላት ከም ዝኾኑን ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ይሕብር።
ኣብዚ እዋን ኣስታት 2.2 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጥሞም ከምኡ ድማ ህጹጽ መጽለልን ካልእ ሓገዛትን ከምዘድልዮም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።