ኲናት ቓዛ፡ ሕቡራት ሃገራት ንሞት ቈልዓ ሰበይቲ ዝምልከት ንምንታይ’ዩ ዝተፈላለየ ጸብጻባት ኣውጺኡ?

ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ኲናት ቓዛ ሞይቶም ዝተበሃሉ ፍልስጤማውያን ቈልዓ ሰበይቲ ዝምልከት ኣውጺእዎ ዝነበረ ጸብጻብ ዳግማይ ብምኽላስ ሓድሽን ዝተፈለየ ቍጽሪ ምውታትን ዝሓዘ ጸብጻብ ኣውጺኡ ኣሎ።

እቲ ጸብጻብ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ጸብጻብ ዝሞቱ ሰባት ዝምልከት’ዩ።

ሕቡራት ሃገራት ብ6 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካብቶም ዝተቐተሉ ፍልስጤማውያን እቶም 69 ሚእታዊት ቈልዓ ሰበይቲ’ዮም ኢሉ’ኳ ጸብጻብ ኣውጺኡ እንተነበረ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ቁጽሪ ዝተቐተሉ ቆልዓ ሰበይቲ 52 ሚኢታዊት ከምዝኾኑ ዝገልጽ ካልእ ጸብጻብ ኣውጺኡ።

ሕቡራት ሃገራት ቁጽሪ ኣብ ቓዛ ናይ ዝተቐተሉ ሰባት ልዕሊ 35 ሽሕ ከምዝኾኑ ኣብ ክልቲኡ ጸብጻብ’ኳ ኣንተገለጸ: እቲ ሚኢታዊት ናይ ዝሞቱ ቀልዓ ሰበይቲ ክቕየረሉ ዝደረኸ፡ ኣብ መጀመርታ ዘይእኹል ጸብጻብ ስለዝተረከበ መዃኑ ኣብሪሁ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ጸብጻቡ ኣብ ዘውጽኣሉ ኣብ ክንዲ ካብቲ ብሓማስ ዝመራሕ ቤት ጽሕፈት ሚድያ ካብቲ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስተሪ ጥዕና ይምርኮስ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል እቲ መጀመርታ ብሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ጸብጻብ ጌጋ ከምዘለዎን ሕቡራት ሃገራት “ካብ ግበረሽበራውያን ዝተረኸ ጌጋ” መወከሲ ተጠቂሙ ብምባል ተቓውምኦኡ ኣስሚዑ ነይሩ’ዩ።

ቍጽሪ ምውታት ብኸመይ’ዩ ዝምዝገብ?

ክሳብ ሕጂ እቲ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስተሪ ጥዕናን ቤት ጽሕፈት ሚድያን ዝተፈለላየ ጸብጻባት’ዮም ከውጽኡ ጸኒሖም። እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚድያ ክውከስ ዝጸንሓ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ነቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ተመርኲሱ ጸብጻብ ከውጽእ ጀሚሩ ኣሎ።

እቲ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ጸብጻባቱ ካብ ሆስፒታላት ካብ ዝረኸቦም ሓበሬታታት’ዩ ዝምርኮስ ነይሩ፤ እቲ ቤት ጽሕፈት ሚድያ ግን ካብ ሕዳር ኣትሒዙ ካብ ሆስፒታላትን ጸብጻባት ሚድያን ኣገናዚቡ’ዩ ክስንድ ጸኒሑ።

ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ግን እቲ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና’ውን ንጸባጻባት ቤት ጸሕፈት ሚድያ ከም መወከሲ ብምውሳድ ብስድራቤቶም ዝተመዝገቡ ቍጽሪ ምውታት ኣብ ‘ኦንላይን’ ክምዝግብ ጀሚሩ ኣሎ።

ስለዚ እቲ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ሆስፒታል ዝተመዝገቡ ቍጽሪ ምውታት፡ ብስድራቤታት ዝተሓበሩ ቍጽሪ ምውታት ከምኡ ከኣ ካብ ተኣመንቲ ሚድያታት ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም መወከሲ ብምውሳድ’ዩ ቍጽሪ ኣብ ቓዛ ዝተቐተሉ ሰባት ይጽብጽብ ኣሎ።

እንተዀነ እዚ’ውን ቍጽሪ ታሴራን ዕለተ-ልደትን ስለዘይምዝገቦም ነቶም ዝሞቱ ብዕድመኦም ንምፍላይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከምዝዀነ’ዩ ዝንገር።

ብዙሕ ግዜ ኣብ ኲናት ሰለማውያን ሰባት ምስ ዝሞቱ ብልሙድ ቈልዓ ሰበይቲ እናተበሃሉ ስለዝግለጹ ነቲ ዝወሃብ ግምታት ከዛብዖ ጸኒሑ ኣሎ።

በንያሚን ነታንያሁ ቅድሚ ቅሩብ ግዜ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ኣብ ቓዛ ኣስታት 30 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ብምግላጽ፡ ካብኦም እቶም 14 ሽሕ ‘ግብረሽበራውያን’ እቶም 16 ሽሕ ከኣ ሰለማውያን ሰባት ከምዝዀኑ ገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ ነቲ ዝገለጾ ቍጽሪ ከእምን ዝኽእል ሰነዳት ኣየቕረበን።

ኣብ እዋን ኲናት ቍጽሪ ምውታት ብንጹር ክትፈልጦ ኵሉ ግዜ ኣጸጋሚ’ዩ፤ ካብዚ ብምብጋስ ዝተፈላለየ ጸብጻባት ክወጽእ ንቡር ከምዝዀነ ተመራማሪት ኲናት ፕሮፌሰር ኤሪካ ቻርተርስ ትሕብር።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመሉ ኣብ መጀመርታ ቍጽሪ ናይቶም ብሓማስ ዝተቐተሉ እስራኤላውያን 1400 ተባሂሉ’ኳ ተገሊጹ እንተነበረ ድሒሩ ግን እቲ ቍጽሪ 1200 ከምዝዀነ ተሓቢሩ።

ኣብቲ እዋን ሰብመዚ እስራኤል ነቲ ቍጽሪ ክቀያየር ዝደረኸ ነገር፡ኣብ መጀመርታ እቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝሓረሩ ሬሳታት ንምልላይ ስለዘይተኸኣለ ከምዝዀነ ምግላጾም ይዝከር።

ሕቡራት ሃገራት ንምንታይ’ዩ መወከሲኡ ቀይሩ?

ቤት ጽሕፈት ሚድያ ቍጽሪ ዝተቐተሉ ቈልዓ-ሰበይቲ ኣብ ዝገልጸሉ ምስቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ብምንጽጻር ዝልዓለ ሚእታዊት’ዩ ዝህቦ ነይሩ።

ሕቡራት ሃገራት ብ6 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ቍጽሪ ኣብ ቓዛ ዝተቐተሉ ሰባት 34 ሽሕን 735 ከምዝዀነን ካብዚኦም እቶም 9500 ደቂ ኣንስትዮ እቶም 14 ሽሕን 500ን ከኣ ቈልዑ ከምዝዀኑ ንቤት ጽሕፈት ሚድያ ከም መወከሲ ብምውሳድ’ዩ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ክልተ መዓልታት መወከሲኡ ናብቲ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ብምቕያር ሓድሽ ጸብጻብ ኣውጺኡ።

ኣብዚ ካልኣይ ጸብጻብ ቍጽሪ ብሓፈሻ ኣብ ቓዛ ዝሞቱ ሰባት 34 ሽሕን 844 ከምዝዀነን ካብኦም እቶም 4 ሽሕን 954 ደቂ ኣንስትዮ 7 ሽሕን 797 ከኣ ቈልዑ ከምዝዀኑ’ዩ ገሊጹ። እቲ ቍጽሪ ምውታት ዝተፈላለየሉ ምኽንያት እቶም ሞቶም ክስነድ እንከሎ ዘይምሉእ ሓበሬታ ዝነበሮም ኣብቲ ጸብጻብ ስለዘይኣተዉ ከምዝዀነ’ውን ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ሚድያ ካብቶም ኣብ ቓዛ ዝሞቱ ኣስታት 70 ሚእታዊት ቈልዓ ሰበይቲ ከምዝዀኑ’ዩ ዝገልጽ።

ሕቡራት ሃገራት ካብቲ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝወጽኦ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ካብቶም 24 ሽሕን 686 ምሉእ ብምሉእ ዝተለለዩ ምውታት 52 ሚእታዊት ቈልዓ ሰበይቲ፡ 40 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ እቶም 8 ሚእታዊት ከኣ ደቂ ተባዕትዮ ድዮም ደቂ ኣንስትዮ ከይገለጸ ኣረጋውያን ከምዝዀኑ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብቲ ጸብጻብ ኣረጋውያን ተባሂሎም ተገሊጾም ዘለዉ’ውን ካብ ክንደይ ዕድመ ንላዕሊ ምዃኖም ኣይተገለጸን።

ቢቢሲ ነቲ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝወጽእ ጸብጻብ ኣብ ዝተወከሰሉ ካብቶም ዝሞቱ እቶም 52 ሚእታዊት ቈልዑን ደቂ ኣንስትዮን [ትሕቲ 18 ዝዕድመኦም ክልቲኡ ጾታ] ከምዝዀኑ ክርዳእ ክኢሉ። ብተወሳኺ 43 ሚእታዊት ሰብኡት እቶም 5 ሚእታዊት ከኣ ዕድመኦምን ጾታኦምን ዝገልጽ ሓበሬታ ዘይብሎም’ዮም።

ንቤት ጽሕፈት ሚድያ፡ እቲ ዘውጽእዎ ጸብጻብ ንምንታይ ካብቲ ናይ ሚኒስትሪ ጥዕና ብዙሕ ፍልልይ ፈጢሩ ኢልና ኣብ ዝሓተትናሉ ቀጥታዊ ዝዀነ መልሲ ክህቡና ኣይክኣሉን፤ እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና’ውን ኣብ ዝተወከስናሉ መልሲ ክንረክ ኣይክኣልናን።

ኣብ ኲናት ዝካየደሎም ከባቢታት ዓለም ቍጽሪ ምውታት ኣብ ምምርማር በዓል ሞያ ዝዀነ ፕሮፌሰር ሚካኤል ስፓጋት እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ’ኳ እንተገበረ፡ እቲ ቍጽሪ ግን ኣዝዩ ብዙሕ ከምዝዀነ’ዩ ዝሕብር። እቲ ቍጽሪ ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ክልዕል ከምዝኽእል ከኣ ስግኣቱ ገሊጹ።

ንሕቡራት ሃገራት ንምንታይ ክልተ ዝተፈላለየ ጸብጻብ ከምዘውጽአ ኣብ ዝተወከስናሉ፡ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ሚድያ ቀዲሙ ስለዝወጽአ መጀመርታ ንዕኡ ከምዝተጠቐሙ ብምግላጽ፡ “ኣብ ቓዛ ዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ድሒሩ ዘውጽኦ ጸብጻብ ዝርዝር ኣስማት ዘለዎን ዝያዳ ዝርዝራውን ኰይኑ ስለዝረኸብናዮ ዘይሻራዊ ኣካል ንኽልቲኡ ጸብጻባት ከጻርዮ ከምዘለዎ ብምግላጽ ንዕኡ ክንጥቀም ክኢልና” ዝብል መልሲ ኢና ረኺብና።