እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባይደን ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ናብ እስራኤል ክልእኽ ወጢኑ
ርክብ እስራኤልን ኣመሪካን ንፋስ ዶ ይኣትዎ ይህሉ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን፡ ዋይት ሃውስ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ንእስራኤል ክልግስ ከምዝደሊ ንኮንግረስ ከምዝሓበረ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
እቲ ጥሙር ሓገዝ ኣጽዋራት፡ ታንክታት፡ ሞርታራትን ወተሃደራዊ መካይንን ዘጠቓልል ምዃኑ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
እቲ ውጥን ብኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ዝተረጋገጸ ኰይኑ- ብኣባላት ባይቶ ንኽጸድቕ ክቐርብ እዩ።
እዚ፡ ምምሕዳር ባይደን ዝሓለፈ ሰሙን ናብ እስራኤል ዝግበር ምስግጋር ኣጽዋር ደው ካብ ዘብሎ ንፈለማ እዋን እዩ።
እቲ ሓገዝ፡ 700 ሚልዮን ዶላር ዝግመቱ ተተኮስቲ ታንክታት፡ 500 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ተሽከርከርትን 60 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሞርታርን ከምዘጠቓልል ማዕከን ዜና ኣሶሼይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ እስራኤል ኣብ ከተማ ራፋሕ ሰፊሕ ወራር እንተጀሚራ፡ ናብ እስራኤል ዝለኣኽ ኣጽዋር ደው ከብሎ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ከምኡ ድማ፡ 900 ኪሎ ግራም ዝምዘን ቦምባታት ናብ እስራኤል ምልኣኽ ከምዘደናጐዮም ዝዝከር እዩ።
ብዛዕባ እቲ ምድንጓይ ብሲኤንኤን ዝተሓተተ ሚስተር ባይደን፡ "ብሰንኪ እቶም ቦምባታት ንጹሃት ተቐቲሎም ‘ዮም" ዝብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ብሰሉስ ታንክታት እስራኤል ናብ መንበሪ ከባቢታት ደቡባዊ ምብራቕ ራፋሕ ኣትየን ከምዝገስገሳ ፍልስጤማውያን ንሮይተርስ ሓቢሮም።
ብዓርቢ ድማ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ንእስራኤል ዝተለገሱ ገለ ኣጽዋር ኣመሪካ፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ኣረጋጊጹ።
እቲ ጸብጻብ ንገለ ስርሒታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝነቅፍ እንተነበረ’ኳ፡ "ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ዓለምለኻዊ ሕጊ ጥሒሱ እዩ" ንምባል ግን ኣይደፈረን ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኮንግረስ ንእስራኤል፡ ዩክረንን ታይዋንን 95 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ዝህብ እማመ ምጽዳቑ ዝዝከር እዩ።
ናብ እስራኤል ዝልገስ ዘሎ ኣጽዋር ውግእ፡ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር 2024 ንዝካየድ መረጻ ዋይት ሃውስ፡ ንሚስተር ባይደን ፖለቲካዊ ቍስሊ ኰይኑዎ ኣሎ።
ዜና ናይዚ ናይ ሕጂ ወተሃደራዊ ሓገዝ ዝስማዕ ዘሎ ግን፡ ኣብ ሜሪላንድ ኣብ ዝተኻየደ መባእታዊ ፕረዚደንታዊ መረጻ ምስ ተዛዘመ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ።
ኣብ ኮንግረስ ዝርከቡ ኣባላት ባይቶ ሪፓብሊካን፡ ናብ መሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት እስራኤል፡ ምልእኽ ኣጽዋር ደው ከይብል ዝከላኸል ዝዓለመ ሕጊ ኣተኣታትዮም።
በቲ ሒዝዋ ዝነበረ ቅዋሙ ምስ ቀዳማይ ሚኒሰተር ነታንያሁ ምስሕሓብ ዝፈጠረ ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ኣብ መንጐ ዝተቐርቀረ ይመስል።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ኣብዚ ሰሙን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ክፍሊ ምክልኻልን "ቅልጡፍ ምብጻሕ" ወተሃደራዊ ናውቲ ከረጋግጹ ዝጠልብ ስጕምቲ ድምጺ ክህብ እዩ።
ዋይት ሃውስ ነቲ እማመ ከጽድቕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ፤ መጀመርታ ሰነት ከሕልፎ እንተኽኢሉ እዩ።
እንተዀነ እዚ ዘይከውን ይመስል።
እስራኤል፡ ጕጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመመ፡ ሕነ-ንምፍዳይ እያ ወተሃደራዊ ወፍሪ ጀሚራ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 35,170 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።