እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጽኑዕ ምሕዝነት ኣመሪካን እስራኤልን ንፋስ ይኣትዎ ከምዘሎ ይግለጽ
ኣጽዋራት ውግእ መሰረት ኪዳን ምሕዝነት ኣመሪካን እስራኤልን እዩ፤ ሎሚ ግን ድሕሪ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ንፈለማ እዋን ነቓዕ ዝተፈጥረ ይመስል።
ጆ ባይደን ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ቀጻሊ ጸቕጢ ክግበረሉ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ቓዛ ሰብኣዊ ቅልውላው ከይጋደድ ክሕግዝ ዝፅውዕ ፀቕጢ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ናብታ ኣብቲ ዞባ ስትራተጂያዊ መሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት እስራኤል፡ ምልኣኽ ኣጽዋር ደው ከብል ወሲኑ ።
እዚ ስጕምቲ’ዚ ድሕሪ ፕረዚደንት ሮናልድ ሬገን ኣብ 1980ታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ፈላማይ ስጕምቲ’ዩ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ሚስተር ባይደን ኣብ መንጎ ብዘይ ሕቶ ንእስራኤል ዝድግፍ ሪፓብሊካዊ ሰልፍን ናይ ገዛእ ርእሱ ብዕምቆት ዝተመቓቐለ ዲሞክራስያዊ ሰልፍን፡ ፖለቲካዊ ምፍልላያት ተቐርቂሩ እዩ ፀኒሑ።
ተንታኒ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ነበርን ገዲም ተደራዳሪ ሰላም ማእከላይ ምብራቕን ኣሮን ዴቪድ ሚለር ከምኡ ይኣምን።
ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ፕረዚደንት ንዝምድና ኣመሪካን እስራኤልን ዝጐድእ ነገር ከይገብር ዝተጠንቀቐ ይመስል፡ ይብል ሚስተር ሚለር።
እስራኤላውያን ንራፋሕ ንምውራር ምድላዎም ምዝዛሞም ግን ንመርገጺ ሚስተር ባይደን ዝቐየሮ ይመስል።
ዝሓለፈ ሰኑይ፡ እስራኤል ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ከተማ "ዕላማ ዝገበረ ንጥፈታት" ይጅምሩ ነይሮም፡ ታንክታት እስራኤል ድማ ተጠርኒፈን ተራእየን።
ነበርቲ፡ ቀጻሊ ድምጺ ተዅሲ ከምዝተሰምዐን፡ ዳርጋ ሆስፒታላት ብውጉኣት ከምዝተዋሕጠን ገሊጾም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብቲ ውግእ ከምዝሃደሙን፡ ዘስካሕኽሕ ሕጽረት መጽለሊ፣ መግቢ፣ ማይን ኣገልግሎት ጽሬትን ከምዘጋጥሞምን ይገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብታ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ዝነብሩላ ከተማ ምሉእ መሬታዊ ወራር ክካየድ ተሓኒዩ እዩ።
ኣብኡ ተሓቢአን ዘለዋ ዝተረፋ ኣርባዕተ ቦጦሎኒታት ሓማስ ንምጥፋእ ዓቢ ስርሒት ከምዘድሊን፡ ዝዀነ ይዅን ናይ ተዅሲ ደው ምባል ዝርርብ ብዘየገድስ፡ እቲ ወራት ክካየድ ምዃኑ ይዛረብ።
ሚስተር ሚለር፡ ወራር ራፋሕ "እቲ ኲናት ንምህዳእን ምሩኻት ነጻ ናይ ምውጻእን ዝዀነ ይዅን ዕድል ብመሰረቱ ከዳኽሞ እዩ" ይብል።
እቲ ፕረዚደንት ምስ ጐረቤት ሃገር ግብጺ ግጭት ከይፍጠር እውን ዝደለየ ይመስል።
እቲ ወራር እንተቐጺሉ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ዝያዳ ምፍንጫልን ምፍልላይን ከስዕብ ከም ዝኽእል ሓደጋ እውን ከምዘሎ ይዛረብ።
ሚስተር ሚለር፡ “ስለዚ እዩ [ባይደን] መጠንቀቕታ ሰዲዱ” ይብል።
ሚስተር ባይደን ኣብቲ ብረቡዕ ዝገብሮ ቃለ መሕትት፡ ኣመሪካ ናብ እስራኤል ኣብ ዝለኣኽ ዝነበረ ጽዕነት ቦምባታት ኣጽዋር ደው ክብል ከምዝገበረ ተዛሪቡ።
ሓደ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን ኣብ ኣጠቓቕማ እቶም ኣፅዋራት’ውን ስክፍታ ከምዘለዎ እዩ ዝገልፅ።
እቲ 2000 ፓውንድ ዝምዘን ቦምባታት፡ ካብቶም ኣዝዮም ኣዕነውቲ ተተኮሲ እዮም።
ወተሃደራት እስራኤል ከምዚ ዓይነት ተተኮስቲ ንሓማስ ንምድምሳስ ኣድላዪ ምዃኑ ይምጉት።
ብዘይካዚ፡ ካልእ ናብታ ሃገር ከምርሕ ተዳልዩ ዝነበረ ኣፅዋር ውግእ’ውን ተኣጊዱ ከምዘሎ እቲ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ገሊጹ።
ብዓርቢ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብሚስተር ባይደን ዝተኣዘዘ ጸብጻብ ኣውጺኡ።
እስራኤል ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣብ እዋን ኲናት ቓዛ ብኣመሪካ ዝቐርብ ኣጽዋር ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ረብሓ ኣውዒላ ክከውን ከምእትኽእል ዘኣንፍት እዩ።
ዲሞክራሲያዊ ሰነተር ክሪስ ኩንስ፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ እስራኤል ኣብ ራፋህ መጥቃዕቲ እንተቐፂላ ወተሃደራዊ ሓገዝ ገደብ ክግበር ጸዊዑ ዝነበረ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ንሚስተር ናታንያሁ ክገትእ "ተደጋጋሚ" ፈቲኑ'ኳ እንተገበረ፡ እቲ መራሒ እስራኤል ኣብ ፖለቲካዊ ደገፍ ናይቶም ፍልስጤማውያን ካብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ክባረሩ ዝደልዩን ኣዝዮም ‘ሕሉፋት’ ስለዝምርኮስ፡ እቲ ወጥሪ እናገደደ ምምፅኡ ኩንስ ይኣመን።
ሚስተር ኩንስ፡ "እዚ ፈላማይ ነቓዕ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል።
እዚ፡ ብሓማስ ተታሒዞም ዘለዉ ጅሆታት ንምፍታሕ፡ ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ዝግበር ፈተነታት’ውን እዩ ዘጋጥም ዘሎ።
ኣብ ካይሮ ዝካየድ ዝፀንሐ ዝርርብ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ብዘይ ርኡይ ፍታሕ ተበቲኑ ኣሎ።
ገለ እስራኤላውያን ወሃብቲ ርእይቶ፡ እዚ ስጉምቲ ሚስተር ባይደን ነቲ ናይ ጅሆ ድርድር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ’ዩ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
እቲ ዝካየድ ዝርዝርግን መብዛሕትኡ ኣብ ዕፁው ገዛ ብምኳኑ ነዚ ኣበሃህላ መሊእኻ ንምግምጋም ኣጸጋሚ ይገብሮ።
እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ድማ፡ እቲ እስራኤል ትነጽጎ፡ ሓማስ እቲ ኲናት ብቐዋምነት ከብቅዕ ዝሓተቶ ሕቶ’ዩ።
'ይፈትወካ እየ፤ ግን በቲ እትብሎ ዘለኻ ረሳሕ ነገር ኣይሰማማዕን’የ'
ኣብ መንጎ ሚስተር ባይደንን ሚስተር ናታንያሁን ዘሎ ርክብ ንሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ንድሕሪት ዝኸይድ እዩ።
ክልቲኦም መንእሰያት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ሚስተር ባይደን፡ ኣብ ጣውላ ሚስተር ነታንያሁ ኮፍ ኢሉ፡ “ቢቢ፡ ይፈትወካ፤ ግን በቲ እትብሎ ዘለኻ ረሳሕ ነገር ኣይሰማማዕን’የ” ዝብል ጽሑፍ ከም ዘስፈረ ይዝረብ።
ሚስተር ነታንያሁ ነቲ ፕረዚደንት ንእስራኤል ብዝገበሮ ደገፍ ብዙሕ ግዜ ይንእዶ እኳ እንተነበረ፡ ምስ ፍልስጤማውያን ብዝተኣሳሰሩ ዓበይቲ ናይ ፖሊሲ ጉዳያት ግን ብተደጋጋሚ ይፈላለዩ ነይሮም።
ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ሚስተር ባይደን ናብ እስራኤል በሪሩ፡ ንሚስተር ናታንያሁ ኣብ ተልኣቪቭ ሓቚፉ ስዒሙዎ።
ሚስተር ባይደን ምስ መራሒ እስራኤልን ካቢነ ኲናት ካብ ዝገበሮ ኣኼባ ወጺኡ ኣብ ፖድዮም ደው ኢሉ ንእስራኤል ዘለዎ ዘይሕለል ደገፍ ከረጋግጽ ከሎ ኣብኡ ነይረ።
ግን መጠንቀቕታ ሂብዎ፡ 'ድሕሪ መጥቃዕቲ 9/11 መስከረም ዝገበርናዮ ጌጋታት ከይትደግሙ' ዝብል።
እንታይ ማለቱ ምዃኑ ድማ ብጽሑፍ ኣቐሚጡ፡ “ህዝቢ ፍልስጤም እውን ኣዝዩ ይሳቐ ኣሎ፡ ንሕና ድማ ከም መላእ ዓለም ህይወት ንጹሃት ፍልስጤማውያን የሕዝነና እዩ”።
ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝያዳ ተሪር ዝምድና ኣመሪካን እስራኤልን ዳርጋ ተራእዩ ዘይፈልጥ ክብተኽ ዝጀመረ ይመስል።
ሚስተር ባይደን ምቁራጽ ኣጽዋር ድሕሪ ምግላጹ፡ ብሓሙስ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንጸቕጢ ኣመሪካ ዝጻረር ተሪር መልሲ ሂቡ።
“በይንና ደው ክንብል እንተድኣ ኣድልዩና በይንና ደው ክንብል ኢና። ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ብጽፍርና ክንቃለስ ኢና” ኢሉ።
ሰነተር ዲሞክራት ክሪስ ኩንስ፡ ንመግለጺ ሚስተር ነታንያሁ ኣመልኪቱ፡ "ብጽፍሮምስ ምቅላስ ኣየድልዮምን እዩ" ኢሉ።
"ብብዙሕ ኣጋጣሚታት ምሳና ብሓባር ዘማዕበልዎ፡ ዘመናዊ ስርዓታት ኣጽዋር ክጥቀሙ እዮም፡ ክቃለሱ ድማ ይግባእ"።
"ግን ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዝወርድ ክሳራ ብዘጉድል መንገዲ ክገብርዎ ይግባእ"።