እስራኤል፡ ውግእ ራፋሕ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ተወሰኽቲ ነበርቲ ክወጹ ኣዚዛ

እስራኤል፡ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ወተሃደራዊ ወፍርታት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፡ተወሰኽቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ካብ ራፋሕ ክወጹ ኣዚዛ።

ካብ ኣየር ዝተደርበዩ በረርቲ ጽሑፋትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ጽሑፋትን፡ ነበርቲ እታ ምብራቓዊት ከተማ ናብቲ እስራኤል፡ ‘ሰፊሕ ሰብኣዊ ኮሪደር’ ኢላ እትጽውዖ ጸቢብ ገማግም ባሕሪ - ኣል-ማዋሲ- ክግዕዙ ሓቢሮም።

ብደቂ ዓድን ካብ ካልኦት ከባብታት ዝገዓዙ ተመዛበልትን ዝመልኡ ጐደናታት ራፋሕ፡ ናብ ዘፍርሕ ኵነታት ተቐዪሮም ኣለዉ።

ኣመሪካን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራትን፡ እቲ መጥቃዕቲ ሰፊሕ ሲቪላዊ ክሳራን ሰብኣዊ ቅልውላውን ከስዕብ ከምዝኽእል የጠንቅቓ'ኳ እንተሃለዋ፡ እስራኤል እቲ ኣብ ራፈሕ ዝጀመረቶ ወፍርታታ ክትቅጽለሉ ምዃና ገሊጻ ኣላ።

ዝሓለፈ ቀደም፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሓማስ ጅሆ ዝወሰዶም ሰባት እንተፈቲሑ፡ ንጽባሒቱ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ምባል ከምዝከኣል ገሊጹ ነይሩ።

" 'እስራኤል ናይ ሓማስ ጉዳይ'ዩ' ኢላ ኣላ፤ ክገብሩዎ እንተኸኽኢሎም ውግእ ጽባሕ ክነቋርጽ ንኽእል ኢና" ክብል ኣብ ሲያትል ኣብ ዝተኻየደ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ መደብ ተዛሪቡ።

እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ብሓማስ ጅሆ ካብ ዝተታሕዙ ናይ 128 ሰባት ዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይብላን፡ ካብዚኦም እቶም 36 ሞይቶም ክዀኑ ከምዝኽእሉን ትግምት።

ብቐዳም ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ዕጉግ ዝብል ሓያል ትኪ ክለዓል ዘርእዩ ምስልታትን ኤኤፍፒ ዝጠቐሶም መሰኻኽር ዓይንን ኣብ ከባቢ ናብ ግብፂ ዘሳግር ዶብ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝተፈጸመ ሓቢሮም።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰራዊቱ ኣብ ራፋሕ ምስ ተዋጋእቲ ሓማስ ‘ኢድ-ብኢድ’ ከምዝተዋግኡ ገሊጹ።

ሰራዊት ምክልኻል እሰራኤል ወሲኹ፡ ወተሃደራት ኣብቲ ከባቢ "ብዙሓት ትሕቲ መሬት ዕርድታት" ከምዝረኸቡ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ፡ ኣብ ምድረበዳ ቓዛ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ መጥቃዕትታት ኣየር እስራኤል ከምዝተኻየደን፡ ሰራዊት እስራኤል ትሕተ ቅርጺ ‘ግብረሽበራውያን’ ንዝበሎም ዒላማ ከምዝገበረ ገሊጹ።

ትማሊ ቀዳም ምሸት ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል "ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ከባቢ ጃባሊያ" ኣብ ርሑቕ ሰሜን ምድረበዳ ቃዛ ንዝርከቡ ዕላማታት ራዕዲ ሓማስ ይሃርም ከምዘሎ ገሊጹ።

ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ሓያሎ ሮኬታት ሓማስ ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብታ ካብ ዶብ ቃዛ ንሰሜን ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ኣሽከሎን ከምዝተተኩሱ ይሕብራ።

እስራኤል፡ ኣማኢት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ኣብ ካልእ ቦታታት ናይቲ ግዝኣት ካብ ምውጋእ ዕቝባ ዝሓተቱሉ - ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ምድረበዳ ቓዛ- እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ዓለማዊ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ኣብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ክውዕል ዝኽእል ከቢድ ኣጽዋር ንእስራኤል ከምዘየቕርብ ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ፡ ብኣመሪካ ዝቐርብ ከበድቲ ኣጽዋር ድሮ ኣብ ቓዛ ሲቪላት ከምዝቐተለ ብምግላጽ፡ እስራኤል ኣብተን ማእከላት ህዝቢ ወተሃደራዊ ስርሒታት እንተድኣ ኣካይዳ ደገፍ ዋሽንግተን ከምዘይትረክብ ኣጠንቂቑ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዴቪድ ካሜሮን ብሪጣንያ ነቲ ኣብ ራፋሕ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ከም እትቃወሞ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ መሸጣ ኣጽዋር ንእስራኤል ክትገትኦ ተኽእሎ ከምዘየለ ሓቢሩ።

ብዓርቢ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ምስ ባይደን ዘለዎ ፍልልይ ከጽብብ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ፤ እንተዀነ ነቲ ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ዝፍጽሞ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንቕድሚት ክቕጽሎ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

"ኣድላዪ እንተኾይኑ... በይንና ደው ክንብል ኢና። ግድን እንተዀይኑ’ውን ብጽፍርና ክንቃለስ ኢና" ኢሉ ሚስተር ነታንያሁ።

ትካላት ረድኤት ኣብ ደቡባዊ ቃዛ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል፡ ፍልስጤማውያን ብዘይ ዝኾነ ናይ ድሕነት ቦታታት ክተርፉ ምግባር ማለት ምዃኑ ይገልፁ።

ብቀዳም፤ ኣብ ልዕሊ ሓደ ገዛ ስድራቤት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብውሕዱ 10 ኣዝማዳ ከምዝሰኣነት ዝገለጸት ነባሪት ራፋሕ ኪታም ኣል-ካቲብ፡ "ኣብ ቓዛ ውሑስ ቦታ ከምዘየለ" ንሮይተርስ ገሊጻ።