እስራኤል-ቓዛ፡ ረድኤት ብእስራኤላውያን ሰልፈኛታት ተዛሕዚሑ፡ ሰራሕተኛ ሕቡራት ሃገራት ተቐቲሉ

እስራኤላውያን ሰልፈኛታት ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ልዕሊ ናብ ቓዛ ዘቕንዕ ዝነበረ ቃፍላይ ረድኤት መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

እቲ ቃፍላይ ካብ ዮርዳኖስ ተበጊሱ ናብቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ሕጽረት መግብን ረድኤትን ዘጋጥሞም ቓዛ ሓገዝ ከብጽሕ ዝዓለመ ነይሩ።

ይዅን’ምበር እቶም ሰልፈኛታት መንገዲ ዓጽዮም፡ እተን መካይን ዝጸዓንኦ ዕሹግ መግቢ ናብ ጽርግያ ከምዝደርበዩን ካሻታት እኽሊ ቀዲዶም ከምዝበተኑን’ዩ ተገሊጹ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ "ምዝማት" ቃፍላይ ረድኤት "ፍጹም ናዕቢ" ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ብድሕሪ እቲ ተቓውሞ ዘሎ ጕጅለ፡ ኣብ ቓዛ ቀጻሊ ተኣሲሮም ዝርከቡ እስራኤላውያን ጅሆታት ብዘይምፍትሖም ሰልፊ ተቓውሞ የካይድ ከምዘሎ’ዩ ዝዛረብ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ዘይተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ሰልፈኛታት ካብ መካይን ጽዕነት ዕሹጋት ናብ መሬት ክድርብዩን ምስ ወደቑ ድማ ክረግጽዎምን የርኢ።

ገለ ቪድዮታት ድማ ምሸት መካይን ብሓዊ ክቃጸላ ዘርኢ ይመስል። እንተዀነ ቢቢሲ ነዞም ቪድዮታት ብናጻ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ጕጅለ ኣክቲቪስት ጻቭ 9 ነቲ ተቓውሞ ንምውዳብ ሓላፍነት ከምዝወሰደ ይሕብር።

ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ እስራኤላውያን ጅሆ ተታሒዞም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ናብ ቓዛ ዝግበር ምትሕልላፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከብል ዝጽዕር የማናዊ ጕጅለ ምዃኑ ይገልጻ።

ኣብቲ እተን መካይን ዝኸዳሉ ዝነበራ ከባቢ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት ኣብ ብዙሓት ማሕበረሰብ ዓለም ከቢድ ስክፍታ ክፈጥር ምጽንሑ ይፍለጥ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን "ምሉእ ጥሜት" የጋጥሞም ከምዘሎ ከምዘጠንቀቐ ይፍለጥ።

ኣብቲ ዝበዝሑ ፍልስጤማውያን ዕቝባ ዝሓተቱሉ ደቡብ ድማ እቲ ሰብኣዊ ኵነታት ዝገደደ እዩ።

ብኻልእ ሸነኽ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሓደ ካብ ኣባላት ሰራሕተኛታቱ ከምዝተቐተለን ካልእ ድማ ከምዝቘሰለን ኣፍሊጡ።

እቶም ሰራሕተኛታት ብመኪና ሕቡራት ሃገራት መኪና ናብቲ ኣብ ጥቓ ራፋሕ ዝርከብ ሆስፒታል ኣውሮጳ እናተጓዕዙ እንከለዉ፡ እታ መኪና ከምዝተሃርመት’ዩ እቲ ትካል ዝሕብር።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ በቲ መጥቃዕቲ መን ተሓታቲ ከምዝዀነ ኣይጠቐሰን።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ ናይ መጀመርታ መርመራኡ፡ እታ መኪና ኣብ ንጡፍ ዞባ ውግእ ከምዝተሃርመት ከምዘመልክት ገሊጹ።

እታ መኪና ናበይ ሸነኽ ትኸይድ ከምዝነበረት ከምዘይፈልጥ’ውን ጠቒሱ።

ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ከባቢ ራፋሕ ክልተ ሰራሕተኛታቱ ከምዝቘሰሉ ዝገልጽ ጸብጻብ ካብ ክፍሊ ድሕነትን ጸጥታን ሕቡራት ሃገራት ከምዝበጽሖ ኣረጋጊጹ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ወሲኹ እቲ ፍጻመ ይምርመር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብዛዕባ ሞት እቲ ሰራሕተኛ ምስ ፈለጠ ከምዝሓዘነ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ፡ እቲ "ዋና ጸሓፊ ንዅሉ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ይኹንኖን ምሉእ መርመራ ክካየድ ይጽውዕን" ኢሉ።

ጉተረዝ ኣብ ዝሃቦ ካልእ መግለጺ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ልዕሊ 190 ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

እስራኤል ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ዝተኻየደ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ፡ ንሓማስ ንምጥፋእ ዝበለቶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዝጀመረት ይፍለጥ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 35,090 ሰባት ከምዝተቐትሉ ክንገር ጸኒሑ እዩ።