ኣንቶኒ ብሊንከን መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ዝጸዓቐሉ ናብ ዩክረይን ኣትዩ

መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎ እዋን፡ ካብ ዶብ ፖላንድ ብባቡር ንዩክረይን ዝኣተወ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ተራኺቡ።

ብሊንከን ኮንግረስ ሃገሩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 61 ቢልዮን ፓውንድ ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ምስ ኣጽደቐ እዩ ምስ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዝራኸብ ዘሎ።

ዩክረይን ነቲ ሓገዝ እናተጸበየት ኣብ ቅድመ ግንባር ክትቃለስ ጸኒሓላ።

ሩስያ ብዓርቢ ናብ ካርኪቭ ገጻ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ክትፍጽም እንከላ ሓይልታት ዩክረይን ድማ ኣብ ምብራቓዊ ግንባር ከቢድ ውግእ ይቕጽሉ ኣለዉ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ፡ ካብቲ ሓድሽ ዝተሰማምዑሉ ጥሙር ወተሃደራዊ ሓገዝ ገሊኡ ኣጽዋር ናብ ቅድመ ግንባር ክበጽሕ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ መዳፍዕ ከምኡ’ውን ዒላማኡ ፈልዩ ዝወቅዕን ነዊሕ ርሕቀት ዝኸይድን ሚሳይላት ዘጠቓልል’ዩ።

ብሊንከን ንዩክሬናውያን ኣብ ኣጸጋሚ ህሞት ረዚን መረጋገጺ መልእኽቲ ከምዘመሓላልፍን፡ ንወተሃደራዊ ልዕልና ሩስያ ክትቅልብሶ ነታ ሃገር ኣብ ምሕጋዝ ከምዝዘራረብን እቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ኣብ ኪቭ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምስ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ተራኺቡ ኣሎ።

ክልቲኦም ከኣ ኣብቲ ሚድያታት ዝተረኸባሉ ክፍሊ ከለዉ ሓጺር መግለጺታት ሂቦም።

ዘለንስኪ ንዩክሬናውያን "ተዋጋእቲ" ብፍላይ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር "ከቢድ እዋን" ከምዝነበረ ገሊጹ። ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኮንግረስ ኣሜሪካ ዘሕለፎ “ወሳኒ ጥማር” ወተሃደራዊ ሓገዝ ከኣ ንብሊንከን ኣመስጊኑ።

እቲ ፕረዚደንት “ነዚ ድማ ዩክሬናውያን ንኣሜሪካውያን ዓቢ ሞሳ ነቕርብ” ኢሉ።

ወሲኹ እቲ ኣጽዋር ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ክበጽሕ ወሳኒ ምንባሩ ሓቢሩ።

ቀንዲ ድሌታት ዩክረይን ብዝምልከት መብርሂ ዝሃበ ዘለንስኪ ኣብ ምክልኻል ኣየር “ዝዓበየ ሕጽረት” ከምዘሎ ብምሕባር ካርኪቭ ዝያዳ ምክልኻል ኣየር ከምዘድልያ ገሊጹ።

ብሊንከን ብወገኑ ን“ኣዝዩ ፍሉይ ጽንዓት” ዩክረይንን ን“ጥንካረን መሪሕነትን” ዘለንስኪን ዘለዎ ናእዳ ኣቕሪቡ። ንዩክረይን "በዳሂ ግዜ" ምንባሩ ቅቡል ብምግባር ከኣ ኣብ ዓውደ ውግእ ወሳኒ ለውጢ ከምዝመጽእ ዝኽእል ሓገዝ ኣሜሪካ "ኣብ መንገዲ" ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ብሊንከን ሓያል፡ ነጻን ምዕብልትን ዩክረይን እታ ዝሓየለት “መግናሕቲ ፑቲን” ምዃና ገሊጹ’ሎ።

ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሩስያ ሓይልታታ ናብታ ኣብ ጥቓ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ዩክረይን ካርኪቭ እትርከብ ዶባዊት ከተማ ቮቭቻንስክ ከምዝኣተዉ ድሕሪ ምግላጻን ዳግማይ ወጥሪ ኣብ ዝሓየለሉን እዋን’ዩ ዘካይድ ዘሎ።

ሰራዊት ዩክረይን ግን “ንጸላኢ” ካብ ሰሜናዊ ወሰን እታ ከተማ "ከም ዝደፍኦ" ብምሕባር ኣብ ሓያሎ መዳያት "ታክቲካዊ ዓወታት" ከም ዝረኸበ ይገልጽ።

ብኣሜሪካ ዝምወል ኣጽዋር ቅድሚ ምምጻእ ብሊንከን ናብ ቅድመ ግንባር ይበጽሕ ከምዘሎን እዚ ድማ ንመከላኸሊ ኣየር ዝዓግቱ መሳርሒታት፡ መዳፍዕን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላትን ከምዘካትትን ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ኣመልኪቱ።

ብተዛማዲ ዜና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዴቪድ ካሜሮን ሃገሩ ንዩክሬን ክሳብ ዘድሊ ኣብ ዓመት 3 ቢልዮን ፓውንድ (3.75 ቢልዮን ዶላር) ክትህብ ምዃና ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ገሊጹ ነይሩ።

ብተወሳኺ ኣጽዋር እንግሊዝ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ምውሳን ናይ ዩክሬን ምዃኑ ኣፍሊጡ። ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ ብ3 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ሃገር ኣብ መሬት ሩስያ ዒላማታት ናይ ምውቃዕ መሰል ከምዘለዋ’ውን ብጽኑዕ ሓቢሩ።

ካብቶም ናብ ዩክረይን ብሓገዝ ዝቐርቡ ዘለዉ ኣጽዋር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ልዕሊ 250 ኪ.ሜ (155 ማይልስ) ርሕቀት ዝውንጨፉ ‘ስቶርም ሻዶው ክሩዝ ሚሳይላት’ ከምዝርከብዎም ይግለጽ።