ነታንያሁ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገሩ ዘየቃደዎም ጉዳይ ቓዛ እንታይ እዩ?

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ መንግስቲ ድሕሪ ኲናት ምስ ጉዳይ ቓዛ ብዝተሓሓዝ ንዝለዓል ሕቶታት ክምልስ ከምዘይክእል ብምንቃፍ ቅሉዕ ቍጥዐኡ ኣስሚዑ።

እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ካቢነ ኲናት እስራኤል ኣብ ዛዕባ ኣንፈት ወተሃደራዊ ወፍሪ እታ ሃገር ምፍልላይ ከምዘሎ ዘርኢ ምልክት’ዩ።

ዮኣቭ ጋላንት፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ሲቪላውን ወተሃደራውን ምሕደራ ክትሕዝ መደብ ከምዘይብላ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ብግልጺ ክእውጅ ከምዘለዎ እዩ ኣተሓሳሲብዎ ዘሎ።

"ካብ ጥቅምቲ ጀሚረ ነዚ ጉዳይ ብቐጻሊ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ከልዕሎ ጸኒሐ ዝዀነ መልሲ ግን ኣይረኸብኩን" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ብወገኑ "ንሓማስውያን ብፋታሓውያን ንምልዋጥ ድሉው ኣይኰንኩን" ክብል ንተነሓናሕቲ ፍልስጤማውያን ጕጅለታት ሓማስን ፋታሕን ብምጥቃስ ተሪር ምላሽ ሂቡ።

ዘይምውሳን ኣብ ቓዛ ክልተ ሕማቕ ኣማራጺታት ጥራይ ከም ዝገድፍ ዘጠንቀቐ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ ንሳቶም ምሕደራ ሓማስ ወይ ወተሃደራዊ ምሕደራ እስራኤል ከምዝዀኑ ጠቒሱ።

ወይ’ውን "ንወተሃደራዊ ዓወታትና ዝሽርሽር፡ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ዝግበር ጸቕጢ ዘዳኽምን ምሩኻት ንምፍታሕ ዝሕግዝ ቅጥዒ ናይ ምዕዋት ዕድላት ዝጭውን እዩ" ይብል ሚስተር ጋላንት።

ካልእ ኣብ ሕሉፍ እውን ምስ ነታንያሁ ዘይሰማማዕ ዝነበረ ኣባል ካቢነ ሚኒስተራት ኲናት ዝዀነ ቤኒ ጋንትዝ፡ ምስ ሓሳብ ሚኒስተር ምክልኻል ብምውጋን "ጋላንት ሓቂ እዩ ዝዛረብ። ዝተኸፈለ ዋጋ ይከፈል ንሃገር ቅኑዕ ነገር ምግባር ናይቲ መሪሕነት ሓላፍነት'ዩ" ክብል ገሊጹ።

ጋላንት፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ምክልኻል፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ወራር ኣጋር ሰራዊት ካብ ዝጀመረትሉ ምሸት ኣትሒዙ ናብ ካቢነ ሚኒስተራት ውጥን ኲናት ከምዘቕረበ ይሕብር።

እቲ ውጥን፡ "ከባቢያዊን ተጻባኢ ዘይኮነን ኣማራጺ ምሕደራ ፍልስጤም ንምቛም" ዝቐረበ እማመታት ከምዘጠቓልል ኣረዲኡ።

ብድሕሪ ሓማስ ዝህሉ ኵነታት “ፍልስጤማውያን ውዳበታት ብዓለምለኻውያን ኣካላት ተሓጊዞም ንቓዛ ምስ ዝቈጻጸሩ ጥራይ እዩ ክዕወት” ኢሉ።

እቲ ንሱ ብዝመርሖ ብምክልኻል ሃገር ዝቐረቡ እማመታት ዝዀነ ክትዕ ከምዘይተገበረሎምን ኣማራጺታት እውን ከምዘይቀረቡን ወሲኹ ገሊጹ።

ሚስተር ጋላንት፡ ውጥን ዘይምቕማጥ ንእስራኤል ናብ ወተሃደራውን ሲቪላውን ምሕደራ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘጠቓልል "ሓደገኛ መስመር" ይመርሓ ከምዘሎ ኣነጺሩ’ሎ።

እዚ ኣካይዳ፡ “ንሃገረ እስራኤል ብስትራተጂያዊን ብወተሃደራዊን መዳይ ብዓይኒ ጸጥታን ኣሉታዊ ከምኡ’ውን ሓደገኛ ኣማራጺ” ከምዝኸውን ኣጠንቂቑ።

“ደጊመ ክገልጽ እደሊ። ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ ምሕደራ እስራኤል ክምስረት ኣይሰማማዕን እየ። እስራኤል ኣብ ቓዛ ሲቪላዊ ምሕደራ ክትምስርት የብላን” ክብል ብትሪ ተቓዊሙ።

“ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ውሳነ ክህብ ከምኡ ድማ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ወሽመጥ ቓዛ ሲቪላዊ ቍጽጽር ከምዘይትገብርን ወተሃደራዊ ምሕደራ ከምዘይትምስርትን ክእውጀ ጻውዒት የቐርበሉ” ክብል’ውን ኣተሓሳሲቡ።

ማዕከናት ዜና እስራኤል ኣብዚ ቀረባ እዋናት ካብ ዘቃልሓኦም ጸብጻባት እቲ ሓደ፡ መራሕቲ ሰራዊት እታ ሃገር ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ንቓዛ ዝኸውን ግብራዊ ውጥን ዘይምህላዉ ከቢድ ጥርጣረ ከምዘለዎም ዝገልጽ ይርከቦም። ሚስተር ጋላንት ትማሊ ምሸት ዝሃቦ ርእይቶ ድማ ነቶም ምጥርጣራት ናብ ቃልዕ ዘውጽኦም ኰይኑ’ሎ።

ብረቡዕ ናብ ዩክረይን ምብጻሕ ዝገበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እስራኤል ንመጻኢ ቓዛ ንጹር ትልሚ ከተውጽእ ከምዘለዋ ምዝራቡ ይዝከር።