ብሩዋንዳ ዝድገፉ ተቓወምቲ ኮንጎ፡ ኣገዳሲት ከተማ ተቘጻጺሮም

ምስ ኤም-23 ዝዋጋእ ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ምስ ኤም-23 ዝዋጋእ ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ

ብሩዋንዳ ከም ዝድገፉ ዝንገረሎም ኤም-23 ዝብሃሉ ተቓወምቲ መንግስቲ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ኣገዳሲት ንግዳዊት ከተማ ንዝዀነት ሚኖቫ ከም ዝተቘጻጸሩ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ገሊጾም።

በዚ ድማ እቶም ተቓወምቲ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ሩዋንዳ ናብ እትርከብ ዓባይ ከተማ ጎማ 40 ኪ.ሜ ጥራሕ ርሒቘም ክቕመጡ ገይሩዎም ኣሎ።

ኣብዚ ብማዕድን ዝሃብተመ ዞባ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ሓድሕዶም ጽዕጹዕ ውግእ እዩ ክካየድ ጸኒሑ።

ሰራዊት መንግስቲ ነታ ኣቐዲማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ተቓወምቲ ዝኣተወት ከተማ ማሲሲ ንምቍጽጻር ዳግመ-መጥቃዕቲ ኣካዪዱ ኣይሰለጦን።

ከም ውጽኢቱ ድማ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ካብ ቤተ-ንብረቶም ክመዛበሉ ተገዲዶም።

ሮይተርስ ንሓላፊ ኪዳን ፈለግ ኮንጎ (ንኤም-23 ዘጠቓለለ) ኮለኔል ናንጋ ኣብ ዝተወከሶ፡ "ሚኖቫ ኣብ ኢድና ኣላ፡" ክብል ከም ዘረጋገጸሉ ጸብጺቡ።

ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ዣን ጃክ ፑሩሲ'ውን ንምትሓዝ እታ ከተማ ከም ዘረጋገጸ ሮይተርስ ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ውግእ ኣብ ከተማ ጎማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ብዝሒ ዝሕከሙ ውጉኣት ሰባት ከም ዝተራኣዩ፡ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንሰበስልጣን ቀይሕ መስቀል ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ሓይልታት መንግስትን ኤም-23ን ዝዋግእሉ ዘለዉ ምብራቕ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ
መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት መንግስትን ኤም-23ን ዝዋግእሉ ዘለዉ ምብራቕ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ 2021 ጀሚሩ፡ እዞም ተቓወምቲ መንግስቲ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ክዋግኡን ዝተፈላለየ ቦታታት ክቈጻጸሩን ጸኒሖም እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣሽሓት ሰባት ተፈናቒሎም።

ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኽልተኦም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝቕመጥሉ ቦታታት መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም ዓቢይ ዕንወት ከም ዝወረደ ወቒሱ።

ኤም-23 ብመንግስቲ ኮንጎ ኰነ ሕቡራት ሃገራት ከም ናይ ውክልና ሓይሊ ሩዋንዳ ዝግለጽ እኳ እንተዀነ፡ ሩዋንዳ ግን ነዚ መግለጺ ወትሩ እያ ትነጽጎ።

እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 4,000 ወተሃደራት ሩዋንዳ ኣብ ጐድኒ እቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ከም ዝተሰለፉ ንዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሩዋንዳ ክትነጽጎ ኣይተርኣየትን።

ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብዝሒ ኣብቲ ውግእ ዝሳተፍ ዘሎ ሰራዊት ሩዋንዳ ልዕሊ ናይቶም ተቓወምቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ።

ብኻልእ ወገን፡ ዩጓንዳ'ውን ነዚ ተቓዋሚ ሓይሊ ደገፍ ከም እትገብረሉ እዩ ዝግለጽ።

ነዚ ግጭት'ዚ ንምፍታሕ ብኸም ኣንጎላ ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ብዙሕ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶታት እኳ እንተ ተኻየዱ እናሻዕ ፈሺሎም እዮም።

እዛ ክንዲ ምዕራብ ኣውሮጳ ዝኸውን ስፍሓት ዘሎዋ ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት እታ ዝዓበየት እያ። ብማዕድን፡ ማይ፡ ሓይሊ-ማይ፡ ዝሕረስ መሬት፡ ብዙሕነት ስነህይወት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ዓለም ብዕቤቱ ካልኣይ ዝስራዕ ጫካን ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ዝተዓደለት እያ።

ይዅን'ምበር፡ ህዝባ ካብ ሃብቲ ሃገሩ ኣይጥቀምን፣ ብኣንጻሩ፡ ኣደዳ ምምዝባል ስደትን ክኸውን እዩ ተገዲዱ። ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ካብተን ሓሙሽተ ዝደኸያ ሃገራት ዓለም እያ።