ኢትዮጵያ፡ ‘ታሪኻዊ’ ልቓሕ ገንዘብ ረኺባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት እትገብሮ ቁጠባዊ ጽገናታት ንምድጋፍ 3.4 ቢልዮን ዶላር ዶላር ልቓሕ ኣጽዲቑ።
ኢትዮጵያ ምስ ሕዱር ሕጽረት ባጤራ ወጻኢን ናህሪ ዋጋታትን ክትቃለስ ጸኒሓ እያ። እዚ ድማ ብዓቢኡ ብሰንኪ እቲ ኣብ 2022 ዝተዛዘመ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ትግራይ ዝተበገሰ እዩ።
"እዚ ንኢትዮጵያ ታሪኻዊ ህሞት'ዩ" ክትብል ዳይረክተር ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ክሪስታሊና ጆርጂቫ ገሊጻ። "ኢትዮጵያ ኣብ ለውጢ ዘምጽእ ጽገና ዘለዋ ጽኑዕ ተወፋይነት ምስክር'ዩ።"
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኢትዮጵያ ዋጋ ባጤራኣ (ብር) ከተውርድ ምውሳና ዝዝከር እዩ። እዚ ስጉምቲ ድማ ነዚ ልቓሕ ኣብ ምውሓስ ቁልፊ ስጉምቲ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።
ነቲ ውሳኔ ስዒቡ ሓድሽ ስርዓተ ንግዲ ሸርፊ ወጻኢ ወግዓዊ ድሕሪ ምዃኑ ብር ኢትዮጵያ ምስ ዶላር ክነጻጸር እንከሎ ካብ ዝነበሮ ዋጋ ዳርጋ ብሲሶ ዓቕሙ እዩ ወሪዱ።
ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ፡ ኢትዮጵያ “ዘድልያ ሚዛን ክፍሊት ንምሕጋዝን ንባጀት ደገፍ ንምሃብን” ብቕጽበት ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ከምዝፍነወላ ገሊጹ ኣሎ።
ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይቲ ሃገር ዝዀነት ኢትዮጵያ፡ ዕዳኣ ዳግመ ውደባ ንምግባር ምስ ዓለምለኻዊ ኣለቃሕታ ክትዘራረብ ጸኒሓ’ያ።
ልኡላዊ ልቓሕ ብዘይምኽፋል ድማ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ሳልሰይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኰይና ነይራ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኲናት ምስተዛዘመ፡ ካልኦት ኣብ ኦሮምያን ኣምሓራን ዝተፈጠሩ ግጭታት ኣብ ልዕሊ እቲ ዝዳኸም ዘሎ ቁጠባ ጸቕጢ ኣስዒቦም እዮም።
ኢትዮጵያ ካብ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ዝረኸበቶ ሓዱሽ ቁጠባዊ መደብ፡ ብውልቀ ጽላት ዝምራሕ ዕብየት ንምንቕቓሕ ዝዓለመ’ዩ።
ብመሰረት ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ፡ እዚ መደብ ኣብ ከም ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ወፍርን ማሕበራዊ ድሕነትን ዝኣመሰሉ መዳያት ዝያዳ ወጻኢታት ንኽትግበር ዘኽእል እዩ።
እቲ ትካል እቲ መደብ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ጽገና ኣጀንዳ ኰይኑ፡ ሽፋን ምስፍሕፋሕን ናብቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝዀኑ ስድራቤታት ደገፍ ንምውሳኽን ዝዓለመ ምዃኑ ይሕብር።
ዳይረክተር ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ፡ "ነዚ ጻዕርታት ብምድጋፍ፡ እቲ ቁጠባ ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዝያዳ ህያው፡ ርጉእን ንኹሉ ዝሓቁፍን ክኸውን ክሕግዝ ብሃንቀውታ ይጽበ" ኢላ።
ብተወሳኺ "ካብ መሻርኽቲ ልምዓት ተወሳኺ ግዳማዊ ፋይናንስ ንምልዕዓል ክሕግዝን ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ዳግመ ውደባ ዕዳ ብዓወት ንምዝዛም " ትጽቢት ይግበር ይብል እቲ መግለጺ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ።
ኢትዮጵያ ካብ ከም ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ዝኣመሰሉ ዓለምለኻውያን ትካላት ፋይናንስ ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ደገፍ ንምርካብ ክትጽዕር ምጽናሓ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







