ኣብ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ብዕትብቲ ኣደኣ ብተኣምር ዝተረፈት ህጻን

ኣፍራ፡ ኣብ ትሕቲ'ቶም ብሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዓነዉ ህንጻታት ሶርያ ክትርከብ እንከላ፡ ዕትብታ ምስታ ንዕኣ ድሕሪ ምግልጋላ ዝሞተት ኣደኣ ተጣቢቝ’ዩ ነይሩ።
መስርሕ ድሕነታን ህሉው ኵነታትን እዛ ድሕሪ'ቲ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ካብ መላእ ስድራ እንኮ ብሂወት ዝተረፈት ህጻን ዘርኢ ቪድዮ፡ ንመላእ ዓለም ኣገሪሙ ይርከብ።
እታ ህጻን ኣብዚ እዋን፡ ዘገርም ሕውየትን ምዕባለን ተርኢ ከምዘላ እዩ ዝንገር ዘሎ።
ኣፍራ፡ ኣብዚ እዋን ጓል ሽድሽተ ወርሒ ኰይና፣ ሕጕስትን ጥዕይትን እያ።
ሓትኖኣን ኣኮኣን፡ ኣብታ ካብ ዶብ ቱርኪ ነዊሕ ዘይትርሕቕ ሶርያዊት ከተማ ጂንዳይሪስ ምስ ሸውዓተ ደቆም የዕብይዋ ኣለዉ።
ኣኮኣ ኸሊል ኣ'ሳዋዲ፡ “ሕጂ’ውን ገና ንእሽተይ እያ ዘላ። ግን ንኣቦኣን ንሓፍታ ናዋራን እያ ተዘክረኒ፤ ብፍላይ ከኣ ፍሽኽትኣ። ኣብቲ ምንቅጥቓጥ ምድሪ’ዮም ሞይቶም። ዝበዝሕ ግዜ ምሳና የሕልፍዎ ነይሮም” ይብል፡ ነቲ ኣፍራ ዝተቐመጠትሉ ሰለል መበሊ እናነቕነቐ።

ኣብ ምብራቓዊ ቱርክን ሰሜናዊ ሶርያን ብ 06 ለካቲት ዘጋጠመ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ልዕሊ 44 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ።
እዚ ከቢድ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ንከተማ ጂንዳይሪስ ክወቅዕ እንከሎ፡ ወላዲት ኣፍራ ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ነይራ።
ኣብ ትሕቲ'ቲ በዚ ሓደጋ ዝፈረሰ ገዛኣ ድማ ንኣፍራ ተገላጊላ። እንተዀነ ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን እንከይረኸብዋ ሞይታ።
ዕሸል ኣፍራ፡ ካብ መላእ ስድራ ብሂወት ዝተረፈት እንኮ ውጻእ-መዓት እያ። ኣቦኣ ኣቡ ሩዳይናን ኣርባዕተ ኣሕዋታን’ውን ምስ ወላዲታ’ዮም ሞይቶም።
ኸሊል፡ ነቲ ህሞት ንድሕሪት ተመሊሱ እንክዝክሮ፡ ገዛ ኣቡ ሩዳይና ከም ዝፈረሰ ርኢናዮ፤ ሰበይተይ ‘ሓወይ፡ ሓወይ’ እናበለት ክተእዊ ጀሚራ’ ”ይብል።
ኸሊል ነቲ ንኣፍራ ካብ ትሕቲ ፍርስራስ ህንጻ ዘውጽአሉ ህሞት ፈጺሙ ኣይርስዖን።
“ናሕሲ እቲ ገዛ ኣብ ልዕሊኦም’ዩ ፈሪሱ። ዝዀነ ሰብ ሬሳ ጓለንስተይቲ ከም ዝረኸበ ደዊሉ ነጊሩኒ። ናብቲ ቦታ ከይደ ክዅዕት ጀሚረ… ኣብኡ ኸኣ ዝዀነ ድምጺ ሰሚዐ። ህጻን ኣፍራ እያ ነይራ። ዕትብታ ገና ምስ ወላዲታ ተጣቢቑ’ዩ ነይሩ፤ ካብ መዳሕንታ በቲኽና ኣድሒንና፣ ንሳ ካብቲ ስድራ ዝተረፈት እንኮ መዘከርታ ከም ትኸውን ንፈልጥ ነይርና።”
እቲ ድራማዊ ዝመስል መስርሕ ምድሓን ሂወት ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ክኸውን እንከሎ፡ ንብዙሓት ዘደነቐን ብዙሕ ዝተራእየን ኰይኑ። እዛ ህጻን ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ፤ ፈለማ፡ 'ኣያ' ዝብል ስም ተዋሂብዋ ነይሩ። ኣያ ብቋንቋ ዓረብ ተኣምር ማለት’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ሕክምናዊ ክትትል ዝገብረላ ዝነበረ ዶክተር፡ ሕበጥ፡ መስበርትን ጸገም ምስትንፋስን ከም ዝነበራ ገሊጹ ነይሩ። ሕጂ ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ ግን፡ እዞም ጸገማት ተፈዊሶም ኣብ ኣፍራ የለዉን።
ኸሊል፡ “ድሕሪ እቲ ምንቅጥቓጥ ምድሪ፡ ብሰንኪ ዶሮና ጸገማት ኣፍልቢ ኣጋጢሞዋ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ጥዕናኣ 100 ሚእታዊት እዩ” ይብል።
እንተዀነ እቶም ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ከበድቲ እዮም ነይሮም። ኣፍራ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ካብ መላእ ዓለም ኣሽሓት ሰባት ሕቶ ኣቕሪቦም’ዮም።
ኸሊልን በዓልቲቤቱ ሓላን ድማ፡ ንዕኣ ሞግዚት ክዀኑ ፍቓድ ቅድሚ ምርካቦም፡ ኣዝማዳ ምዃኖም ከረጋግጹ ግድን ነይሩ።
“ንኣፍራ ከረክቡና ዘይደለዩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ” ይብል፡ ኣኮኣ ኸሊል።
ሓላ’ውን ምርመራ ዘርኢ-ዲኤንኤ ክትገብርን ውጽኢት “ዳርጋ ን 10 መዓልቲ” ክትጽበን ግድን ነይሩ።
ኣብ ጉዳይ ኣፍራ ብዙሕ ተገዳስነት ብምንባሩ፡ ኸሊልን ስድራኡን ውጽኢታት መርመራ ዲኤንኤ ክሳብ ዝወሃቦም፡ ንኣፍራ ዝዀነ ሰብ ከይወስዳ ኣብ ሻቕሎት’ዮም ተሸሚሞም። ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ሆስፒታል ብምሕላፍ፡ ዝያዳ ጥንቃቐታት ይገብሩ ነይሮም።
“ሲቪላውን ወተሃደራውን ፖሊስ ክንከላኸለላ ሓጊዞምና፤ ብዙሓት’ዮም - ኣብ ጐኒ ኣፍራ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ኰይኖም ቀትርን ለይትን’ዮም ዝከታተልዋ ነይሮም” ይብል።
ኣብ መወዳእታ፡ ምርመራ ዲኤንኤ፡ ሓላ ናይ ስጋ ዘመዳ ምዃና ኣረጋጊጹ። ሓላ ሓፍቲ ኣቦኣ ማለት ኣሞኣ ንኣፍራ እያ። በዚ ድማ ኣፍራ ካብ ሆስፒታል ክትወጽእ ክኢላ።

ኸሊልን ሓላን ካብ ዝገበርዎም ነገራት እቲ ሓደ፡ ንኣፍራ፡ ስም ወላዲታ ምሃብ እዩ።
ኣኰኣ ኸሊል፡ “ሕጂ ካብ ደቀይ እታ ሓንቲ እያ። ካብኣ ርሒቐ ነዊሕ ክጸንሕ ኣይክእልን። ምስ ዓበየት እንታይ ከም ዘጋጠመ ክነግራ እየ፣ ምስሊ ወላዲታ፣ ኣቦኣን ኣሕዋታን’ውን ከርእያ እየ። ንጽባሒቱ ኣብ ጥቃ ቍሸት ሓጂ ኢስካንደር ኣብ ጃምላዊ መቓብር ኢና ቀቢርናዮም” ይብል።
ኣብቲ እዋን፡ ሓላ እውን ነፍሰጾር እያ ነይራ። ኣፍራ ምስ ተወለደት ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እያ ጓል ሓሪሳ።
ካልእቲ ሓትኖኣ ብምንቅጥቓጥ ምድሪ ኣብ ዝሞተትሉ እዋን ስለ ዝተወለደት ከኣ 'ኣታ' ዝብል ዓረባዊ ሽም ሂቦማ….ኣታ - ውህብቶ።
ኣብ ጂንዳይሪስ ዝነበረ መንበሪ ገዛኦም ዳግማይ ከም ዘይነበረ ዓንዩ’ዩ።
“ዓብይ ነቓዕ ነይርዎ፡ ውሑስ ኣይኰነን። ገዛይን መኪናይን ስኢነ’የ። ካብ ዜሮ ከም ምጅማር’ዩ ነይሩ። ንደቀይ ናብ ቤት-ትምህርቲ ንምስዳድ’ኳ ዓቕሚ ስኢነ” ይብል።
ስለዝዀነ ከኣ፡ ካብ ቴንዳ ኣብ ዝተሰርሐ መዕቈቢ ንኽልተ ወርሒ ክነብሩ ተገዲዶም።
“ሂወት ኣመና ከቢድ’ዩ ነይሩ፣ ኣዝዩ ሙቐት ነይሩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ እንሕብሕበን ክልተ ሕንጦታት ሒዝና” ይብል፡ ንድሕሪት ተመሊሱ።

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሕጂ ዝነብርሉ ዘለዉ ክራይ ገዛ ረኺቦም፤ ኣብዚ ዝረኸብዎ ገዛ ንነዊሕ እዋን ኣይንጸንሕን ዝብል ስግኣት ግን ኣለዎም።
ኸሊል፡ "ኣመና ክቡር እዩ፤ እቶም ሰብገዛ ስለዝደልይዎ ኣብዚ ንነዊሕ እዋን ክንጸንሕ ንኽእል ኣይመስለንን” ይብል።
ሰባት ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወይ ድማ ዓባይ ብሪጣንያ ክወስድዎም'ኳ እንተሓተቱ፡ ንሱ ግን ኣይተቐበሎን።
“ሓቂ ዘረባ፡ ኣዝየ እየ ተሻቒለ ነይረ (ንወጻኢ እንተኸይደ) ንኣፍራ ከይወስዱልና።
ኣብ ጂንዳያሪስ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ንዘሎ ህዝቢ እዩ ዘዘክረኒ” ይብል።
እታ ዝተወለደላ ከተማ፡ ካብ መንጐ እተን በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብኸቢድ ዝተወቕዓ ክትከውን እንከላ፡ ኣሽሓት ስድራቤታት ድማ ኣብ ተመሳሳሊ መጻብቦ ይርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







